ምዕራፍ ዓሰርተው ኣርባዕተ
ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ
1. ዮናስ እንታይ ዓይነት ጕዕዞ እዩ ኺገብር ነይርዎ፧ ብዛዕባ እቲ ዝኸዶ ቦታኸ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧
ዮናስ ኪሓስብ ብዙሕ ግዜ ነበሮ። ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ጕዕዞ ኺገብር የድልዮ ነበረ። ብእግሩ ስለ ዚጐዓዝ ድማ፡ እቲ ጕዕዞ እቲ፡ ሓደ ወርሒ፡ ምናልባት እውን ካብኡ ንላዕሊ ዚወስድ እዩ ነይሩ። ፈለማ፡ ካብቲ ዝሓጸረ መገዲ ወይ ካብቲ ብዙሕ ሓደጋ ዘይብሉ መገዲ ሓዲኡ ኺመርጽ፡ ድሕሪኡ ስንጭሮታትን ኣኽራንን ጥሒሱ ኺጐዓዝ ግድን እዩ ነይሩ። ምናልባት እውን ብወሰነ ወሰን እቲ ሰፊሕ ምድረ በዳ ሶርያ ኺጐዓዝ፡ ከም ኤፍራጥስ ዝበለ ብርቱዕ ኣፍላግ ኪሰግር፡ ኣብ ሶርያን መሰጶታምያን ኣሶርን ኣብ ዚርከባ ኸተማታትን ኣቝሻትን ድማ ምስ ጓኖት ተጸጊዑ ኺሓድር የድልዮ ነይሩ እዩ። መዓልትታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ ናብ ከተማ ነነዌ ይቐርብ ነበረ። ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ፡ ኣዝዩ እዩ ዚፈርሃ ነይሩ።
2. ዮናስ ካብ ዕዮኡ ኺሃድም ከም ዘይክእል ዝፈለጠ ብኸመይ እዩ፧
2 ዮናስ ብርግጽ ዚፈልጦ ሓደ ነገር ነይሩ እዩ፣ እወ፡ ካብዚ ዕዮ እዚ ኺሃድም ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ፈቲንዎ እዩ። ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ህቦብላ ንፋስ ብምስዳድን ብሓደ ዓብዪ ዓሳ ገይሩ ብተኣምራዊ መገዲ ብምድሓንን ንዮናስ ብትዕግስቲ ምሂርዎ ነይሩ። እቲ ዓሳ ድማ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ገለ ጕድኣት ናብ ገምገም ባሕሪ ተፍኦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዮናስ በቲ ዘጋጠሞ ተደኒቑን ብዝያዳ ምእዙዝ ኰይኑን ነበረ።—ዮናስ ምዕ. 1, 2።
3. የሆዋ ንዮናስ እንታይ ዓይነት ባህርይ እዩ ኣርእይዎ፧ እንታይ ሕቶ እዩኸ ዚብገስ፧
3 የሆዋ ንዮናስ ናብ ነነዌ ኪኸይድ ካልኣይ ግዜ ምስ ኣዘዞ፡ እቲ ነብዪ ብተኣዛዝነት ናብ ምብራቕ ገጹ ዮናስ 3:1-3 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ እቲ ኻብ የሆዋ ተዋሂብዎ ዝነበረ ተግሳጽ፡ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዎ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ኪጥሕል ከሎ ብምድሓን፡ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነቱ ብዘይምቕጻዕ፡ ዕዮኡ ኺፍጽም ከኣ ካልኣይ ዕድል ብምሃብ የሆዋ ምሕረት ገይሩሉ እዩ። ድሕሪ እዚ ዅሉ ነገራት እዚ፡ ዮናስ ምሕረት ኪገብር ከም ዘለዎ ተማሂሩ ድዩ፧ ዘይፍጹማት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምሕረት ምግባር ይኸብዶም እዩ። ካብቲ ንዮናስ ዘጋጠሞ፡ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
ነዊሕ ጕዕዞ ገበረ። (መልእኽቲ ፍርድን ዜደንቕ ምላሽን
4, 5. የሆዋ ንነነዌ፡ “ዓባይ ከተማ” ኢሉ ዝጸውዓ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ብዛዕባኡ እንታይ ይምህረና፧
4 ዮናስ ንነነዌ ኸምቲ የሆዋ ዚርእያ ገይሩ ኣይኰነን ርእይዋ። ነነዌ “ንኣምላኽ ዓባይ ዝዀነት ከተማ” እያ ነይራ። (ዮና. 3:3፡ እ.ጽ.) ኣብ መጽሓፍ ዮናስ፡ የሆዋ ንነነዌ “ዓባይ ከተማ” ኢሉ ኸም ዝጸውዓ ሰለስተ ሳዕ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ዮና. 1:2፣ 3:2፣ 4:11) እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓባይ ወይ ኣገዳሲት ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧
5 ነነዌ ሓንቲ ኻብተን ኒምሮድ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝደኰነን ቀዳሞት ዘፍ. 10:11፣ ዮና. 3:3) ዓበይቲ ኣብያተ መቕደስ፡ ድልዱል መካበብያ፡ ካልእ ዓበይቲ ህንጻታት እውን ስለ ዝነበራ፡ እተደንቕ እያ ነይራ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝገበራ ግና፡ እዚ ዅሉ ረቛሒታት ኣይኰነን። ንየሆዋ ዜገድሶ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት እዮም ነይሮም። ነነዌ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ህዝቢ እዩ ነይርዋ። እቶም ሰባት ብዙሕ ክፍኣት ይገብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግና ይሓልየሎም ነበረ። ከመይሲ፡ ንህይወት ሰብ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ፣ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኪንሳሕን ኪምሃርን ተኽእሎ ኸም ዘለዎ እውን ይፈልጥ እዩ።
ከተማታት ብምዃና፡ ጥንታዊት እያ ነይራ። ምስተን ምስኣ ለጊበን ዚርከባ እተፈላለያ ኸተማታት ሓዊስካ፡ ኣዝያ ሰፋሕ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ካብ ሓደ ጫፋ ናብ ካልእ ጫፋ ብእግሪ ንምኻድ ሰለስተ መዓልቲ ይወስድ ነበረ። (6. (ሀ) ዮናስ ብነነዌ ዝፈርሀ ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) እቲ ዮናስ ዝፈጸሞ ዕዮ ስብከት ብዛዕባኡ እንታይ ይምህረና፧
6 ዮናስ ኣብ መወዳእታ ናብ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ እቲ ልዕሊ 120,000 ዚኣክል ብዝሒ ህዝባ ዝያዳ ኣፍሪህዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * ምናልባት መልእኽቱ ንምዝርጋሕ ዚምሽእ ማእከላይ ቦታ ንምርካብ ኢሉ እዩ ዚኸውን፡ ናብ ማእከል እታ ሓሰኽሰኽ እትብል ዝነበረት ከተማ ንምብጻሕ ምሉእ መዓልቲ እዩ ተጓዒዙ። እሞኸ፡ ነቶም ሰባት ብኸመይ እዩ መልእኽቱ ኼመሓላልፈሎም፧ ቋንቋ ኣሶራውያን ይኽእል ነይሩ ድዩ፧ ወይ የሆዋ ብተኣምር ገይሩ ነዚ ኽእለት እዚ ሂብዎ ድዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣይንፈልጦን ኢና። ምናልባት ዮናስ ንመልእኽቱ በቲ ኣብ ዓዱ ዚዝረብ እብራይስጢ እናተዛረበ፡ ብኣስተርጓሚ ገይሩ ናብ ሰብ ነነዌ ኣመሓላሊፍዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ መልእኽቱ ንጹር ግናኸ ብሰባት ዘይፍቶን እዩ ነይሩ፣ “ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ እዩ ኣዊጁ። (ዮና. 3:4) ብትብዓት ድማ ደጋጊሙ ኣወጀ። ከምኡ ብምግባሩ፡ ዜደንቕ ትብዓትን እምነትን እዩ ኣርእዩ፣ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እዘን ባህርያት እዚአን የድልያኦም እየን።
መልእኽቲ ዮናስ ንጹር ግናኸ ብሰባት ዘይፍቶ እዩ ነይሩ
7, 8. (ሀ) ህዝቢ ነነዌ ነቲ ዮናስ ዝሰበኾ መልእኽቲ እንታይ ምላሽ ሂቦምሉ፧ (ለ) ንጉስ ነነዌ ነቲ ዮናስ ዝኣወጆ ኣዋጅ እንታይ ምላሽ ሂቡሉ፧
7 መልእኽቲ ዮናስ ኣቓልቦ ሰብ ነነዌ ሰሓበ። ሽዑ ዮናስ ተጻብኦን ተቓውሞን ኬጋጥሞ ተጸብዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ኣጋጠሞ። እቶም ህዝቢ ሰምዕዎ! ቃላቱ ኸም ባርዕ ናብ ኵሉ ተላብዐ። ነዊሕ ዮናስ 3:5 ኣንብብ።) ኵሎም ሃብታማትን ድኻታትን፡ ብርቱዓትን ድኹማትን፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ናይ ንስሓ መንፈስ ኣርኣዩ። ጾም ከኣ ጾሙ። እዚ ወረ እዚ ድማ ናብ እዝኒ ንጉሶም በጽሐ።
ከይጸንሐ፡ ብምልእታ እታ ኸተማ፡ ብዛዕባ እቲ ዮናስ እተነበዮ ጥፍኣት ክትዘራረብ ጀመረት። (8 እቲ ንጉስ እውን ኣዋጅ ዮናስ ምስ ሰምዐ ተነስሐ። ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዝሓደሮ ኻብ ዝፋኑ ተንስአ፡ ነቲ ኸም ንጉስ መጠን ዚኽደኖ ዝነበረ ባርኖስ ቀንጠጠ፡ ከምቲ ህዝቡ እተኸድንዎ ዓይነት ሓርፋፍ ክዳን ድማ ተኸድነ፡ “ኣብ ሓምዅሽቲ እውን ተቐመጠ።” ምስ “ልዑላኑ” ዀይኑ፡ ነቲ እቶም ህዝቢ ብውልቆም ዝጀመርዎ ጾም፡ ሃገራዊ ኣዋጅ ከም ዚኸውን ገበሮ። ኵሎም ሰባት፡ እንተላይ እንስሳታት ዘቤት ማቕ ኪኽደኑ ኣዘዘ። * ህዝቡ ብእከይን ብዓመጽን ይመላለሱ ኸም ዝነበሩ ብትሕትና ተኣመነ። ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንንስሓኦም ርእዩ ምሕረት ኪገብረሎም ከም ዚኽእል ተስፋኡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ኣምላኽ . . . ኸይንጠፍእ ካብ ዚነድድ ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ፧” በለ።—ዮና. 3:6-9።
9. ሓያስያን ብዛዕባ ሰብ ነነዌ እንታይ ዓይነት ጥርጣረ እዩ ዘለዎም፧ ከም እተጋገዩኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧
9 ገሊኦም ሓያስያን፡ ሰብ ነነዌ ቐልጢፎም ከምዚ ዓይነት ልባዊ ነስሓ ምግባሮም፡ ብዓይኒ ጥርጣረ እዮም ዚርእይዎ። ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ እተገብረ፡ ብሰንኪ ማሪታዊ እምነታት ወይ ተለዋዋጢ ባህርይ እቲ ህዝቢ ዘይምዃኑ ይገልጹ እዮም። ብዘይካዚ፡ ጸኒሑ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንንስሓ ሰብ ነነዌ ስለ ዝጠቐሰ፡ እቶም ሓያስያን ከም እተጋገዩ ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 12:41 ኣንብብ።) የሱስ ነቲ ፍጻመታት እቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ስለ ዝረኣዮ፡ ብዛዕባ ዚፈልጦ ነገር እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዮሃ. 8:57, 58) ካብዚ ድማ ሰባት ኣዝዮም ጨካናት ኰይኖም ዚርኣዩና እኳ እንተ ዀኑ፡ ኪንስሑ ኸም ዘይክእሉ ጌርና ፈጺምና ኽንሓስብ ከም ዘይብልና ኢና እንምሃር። ልቢ ኼንብብ ዚኽእል የሆዋ ጥራይ እዩ።
ኣብ መንጎ ምሕረት ኣምላኽን ድርቅና ሰባትን ዘሎ ፍልልይ
10, 11. (ሀ) ሰብ ነነዌ ምስ ተነስሑ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ፍርዲ የሆዋ ጌጋ ኸም ዘይነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧
10 የሆዋ ግና ንስሓ ሰብ ነነዌ ምስ ረኣየ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ጸኒሑ ዮናስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ከመይ ዮና. 3:10።
ከም እተመልሱ ግብሮም ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኼምጽኣሎም ኢልዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ፣ ኣየምጽኣሎምን እውን።”—11 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ነነዌ ኼውርዶ ዝሓሰቦ ፍርዲ፡ ጌጋ ምዃኑ ወሲኑ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሒ የሆዋ ፍጹም ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 32:4 ኣንብብ።) ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ነነዌ ነዲዱ ዝነበረ ናይ ጽድቂ ቝጥዓኡ እዩ ኣዝሒልዎ። እቶም ሰባት ከም እተለወጡ ስለ ዝረኣየ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ኬውርዶ ሓሲቡ ዝነበረ መቕጻዕቲ ድሕሪ ደጊም ከም ዘይግብኦም ተገንዘበ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ምሕረቱ ኼርእዮም ወሰነ።
12, 13. (ሀ) የሆዋ ሚዛናውን ልዙብን መሓርን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዮናስ እተነበዮ ትንቢት ናይ ሓሶት ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧
12 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ብሰንኪ መራሕቲ ሃይማኖት ንየሆዋ ኸም ደረቕን ዘይግድሶን ጨካንን ኣምላኽ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። የሆዋ ግና ከምኡ ዓይነት ኣምላኽ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሚዛናውን ልዙብን መሓርን ኣምላኽ እዩ። እኩያት ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝገበርዎ ገይሮም ኪንስሑን መገዶም ኪቕይሩን ስለ ዚህንጠ፡ ኣብ ልዕሊኦም መቕጻዕቲ ኼውርድ ኣብ ዚውስነሉ እዋን፡ ፈለማ ኣብ ምድሪ ብዚርከቡ ወኪላቱ ኣቢሉ መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። (ህዝ. 33:11) የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ፡ “ብዛዕባ ምምሓውን ምፍራስን ምጥፋእን ህዝቢ ወይ መንግስቲ ምስ ዝዛረብ፡ እቲ ህዝቢ እቲ ድማ ነቲ እተዛረብኩሉ እከይ እንተ ሓዲግዎ፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኸምጽኦ ሓሲበ ዝነበርኩ መዓት ሓሳበይ ክልውጥ እየ” ኢሉ ነገሮ።—ኤር. 18:7, 8።
ኣምላኽ፡ እኩያት ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝገበርዎ ኺንስሑን መገዶም ኪቕይሩን ይህንጠ እዩ
13 እሞኸ ትንቢት ዮናስ ናይ ሓሶት ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን፣ ከም መጠንቀቕታ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ሰብ ነነዌ ብሰንኪ እቲ እኩይ መገዶም እዩ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም፣ ንሳቶም ድማ መገዶም ቀየሩ። ናብቲ እኩይ መገዶም እንተ ዚምለሱ ኸኣ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ምተፈጸመ። ጸኒሑ ኸኣ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም።—ጸፎ. 2:13-15።
14. የሆዋ ንነነዌ ምስ መሓራ፡ ዮናስ እንታይ ተሰሚዕዎ፧
14 ዮናስ ኣብቲ እተጸበዮ እዋን ጥፍኣት ብዘይምምጻኡ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ “እዚ ግና ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሃዮ፡ ብቝጥዓ እውን ነደደ” ዚብል ነንብብ። (ዮና. 4:1) ዮናስ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ይገንሖ ኸም ዘሎ ዜምስል ጸሎት እውን ከይተረፈ ጸልዩ እዩ። ካብ ሃገሩ ኺወጽእ ከም ዘይነበሮ ኣመተ። ኣምላኹ የሆዋ ንሰብ ነነዌ ኸም ዘየጥፍኦም ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ይፈልጥ ምንባሩ፡ ብቐደሙ እውን ናብ ተርሲስ ኪሃድም ዝፈተነ በዚ ምኽንያት እዚ ምዃኑ ተዛረበ። ድሕሪኡ፡ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ከም ዚሓይሽ ብምግላጽ፡ ኪመውት ለመነ።—ዮናስ 4:2, 3 ኣንብብ።
15. (ሀ) ንዮናስ ዘጨነቖን ዘቘጥዖን እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ እተደቝሰ ነብዪ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧
ዮና. 4:4) ዮናስ ነዛ ሕቶ እዚኣ መሊሱላዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይነግረናን እዩ።
15 ንዮናስ ዝረበሾ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንዅሉ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበረ ነገራት ክንፈልጦ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰብ ነነዌ ጥፍኣት ኣዊጁ ኸም ዝነበረ ግና ንፈልጥ ኢና። ንሳቶም እውን ኣሚኖምዎ ነይሮም እዮም። ድሕሪኡ ግና እቲ ጥፍኣት ኣይመጸን። ኣደዳ ላግጺ ኸይከውን፡ ነብዪ ሓሶት እውን ከይብሃል ፈሪሁዶ ይኸውን፧ ዝረበሾ ነገር እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ብንስሓ እቶም ህዝቢ ዀነ በቲ የሆዋ ዝገበሮ ምሕረት ኣይተሓጐሰን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣማረረን ኣስተማሰለን፣ ከም እተዋረደ ዀይኑ እውን ተሰምዖ። የሆዋ ግና ብምሕረቱ፡ እቲ እተደቝሰ ሰብኣይ ጽቡቕ ነገር ከም ዘለዎ ረኣየ። ንዮናስ በቲ ዘርኣዮ ንቕጽና ኣብ ክንዲ ዚቐጽዖ፡ “ኣመና ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” ኢሉ ብለውሃት እተመራምር ሕቶ ሓተቶ። (16. ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ምስ ኣምላኽ ዘይሰማምዑ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ ካብ ኣብነት ዮናስከ እንታይ ኢና እንምሃር፧
16 ንዮናስ ስለቲ ዘርኣዮ ጠባይ ብቐሊሉ ኽንፈርዶ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ዘይፍጹማት ሰባት ምስ ኣምላኽ ከም ዘይሰማምዑ ግና ክንርስዕ የብልናን። ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ዜሕዝን ፍጻመ ኸየጋጥም ኪከላኸል፡ ንእኩያት ቀልጢፉ ኺፈርዶም፡ ወይ ንብምሉኡ እዚ ስርዓታት ዓለም እዚ ኼጥፍኦ ኸም ዝነበሮ ይኣምኑ እዮም። ኣብነት ዮናስ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዘይንሰማምዓሉ እዋን፡ ኵሉ ሳዕ ምትዕርራይ ዜድልዮ ኣረኣእያና እምበር፡ ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘይኰነ እዩ ዜዘኻኽረና።
የሆዋ ንዮናስ ብኸመይ ከም ዝመሃሮ
17, 18. (ሀ) ዮናስ ካብ ነነዌ ወጺኡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ለ) እቲ የሆዋ ዝገበሮ ተኣምር ንዮናስ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩሉ፧
17 እቲ ተስፋ ቘሪጹ ዝነበረ ነብዪ ኻብ ነነዌ ወጺኡ ናብ ዓዱ ገጹ ኣይከደን። የግዳስ ነታ ኸተማ ኣማዕድዩ ምእንቲ ኺርእያ ናብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ ኣኽራን ገጹ ኸደ። ኣብኡ ንእሽቶ መጽለሊ ሰርሐ፣ ንነነዌ ዚወርዳ ኺርኢ ድማ፡ ኣብኣ ተቐመጠ። ምናልባት እታ ኸተማ ኽትጠፍእ ከላ ኺርኢ ይምነ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ የሆዋ ነዚ ደረቐኛ ሰብኣይ እዚ ብኸመይ እዩ መሓሪ ኪኸውን ምሂርዎ፧
18 የሆዋ ብሓንቲ ለይቲ ተኽሊ ሓምሓም ኣብቈለ። ዮናስ ካብ ድቃሱ ምስ ተንስአ፡ ነታ ተኽሊ ዓብያ ረኣያ፣ ሰፊሕ ኣቝጽልቲ ስለ ዝነበራ ድማ ካብታ ንሱ ዝሰርሓ ዘይትረብሕ መጽለሊት ኣጸቢቓ ዝሓሸት ጽላል ኰነቶ። በዚ መንፈሱ ተሓደሰ። በታ ተኽሊ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ምናልባት እውን ነዛ ብተኣምራዊ መገዲ ዝበቘለት ተኽሊ፡ ኣምላኽ ከም ዝባረኾን ሞገሱ ኸም ዝሃቦን እተርኢ ምልክት ገይሩ ርእይዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ የሆዋ ንዮናስ ካብ ዋዕን ካብቲ ብንቕጽናኡ ዮና. 4:6-8።
ዘምጽኦ ቝጥዓኡን ጥራይ ኣይኰነን ኬናግፎ ደልዩ። ልቡ ኺትንክፎ እዩ ደልዩ። ስለዚ፡ ተወሳኺ ተኣምር ገበረ። እወ፡ ነታ ተኽሊ ዚበልዓ ሓሰኻ ሰደደ። ኣስዒቡ “ዚምሽሉቝ ንፋስ ምብራቕ” ሰደደ፣ ዮናስ ድማ ብሰንኪ እቲ ዋዒ “ደኸመ።” በዚ ኸኣ ዮናስ መንፈሱ ተደቝሰ፣ ኪመውት ድማ ንኣምላኽ ከም ብሓድሽ ለመኖ።—19, 20. የሆዋ ንዮናስ ብዛዕባ እታ ተኽሊ ሓምሓም እንታይ ኢሉ እዩ ኣረዲእዎ፧
19 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንዮናስ፡ እታ ተኽሊ ሓምሓም ብምንቃጻ ኪቝጣዕ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። ዮናስ ከኣ ኣብ ክንዲ ዚንሳሕ፡ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ፡ እቲ የሆዋ ኺህቦ ዝደለየ ትምህርቲ ብንጹር ዚግለጸሉ ባይታ ተነጽፈ።—ዮና. 4:9።
20 ኣምላኽ ንነብዪ ዮናስ፡ ብሞት ሓንቲ ዘይደኸመላን ዘየዕበያን፡ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝበቘለት ተኽሊ ኸም ዝሓዘነ ኣረድኦ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣነኸ ነታ ቕኑዕን ጌጋን ዘይፈልጡ ኻብ 120,000 ዚበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳታትን ዘለውዋ ዓባይ ከተማ ነነዌ ኽድንግጸላዶ ኣይግብኣንን፧” ብምባል ዘረባኡ ደምደመ።—ዮና. 4:10, 11።
21. (ሀ) የሆዋ ንዮናስ ንምምሃር እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧ (ለ) ዛንታ ዮናስ ንርእስና ብቕንዕና ኽንምርምራ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
21 ኣገዳስነት እዚ ትምህርቲ እዚ ተረዲኡካዶ፧ ዮናስ ነታ ተኽሊ ንምክንኻን ዋላ ሓንቲ ዝገበሮ ነገር ኣይነበረን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሆዋ ንሰብ ነነዌ ምንጪ ህይወቶም እዩ ነይሩ፣ ከምቲ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ዅሎም ፍጡራቱ ዚገብሮ ድማ ዓንጊልዎም እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ዮናስ ካብ ህይወት እቶም 120,000 ሰባት፡ እንተላይ ካብ ህይወት ማሎም ንላዕሊ ንሓንቲ ተኽሊ ኣኽቢሩ ዝረኣያ፧ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ይሓስብ ስለ ዝነበረ ደይኰነን፧ ነታ ተኽሊ ዝሓዘነላ እውን፡ ንዕኡ ስለ ዝጠቐመቶ ጥራይ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነነዌ ብዘይምጥፋኣ እተቘጥዐ፡ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ ማለት ከይዋረድን ሓቁ ምንባሩ ኺርአን ይደሊ ስለ ዝነበረ ደይኰነን፧ ዛንታ ዮናስ ንርእስና ብቕንዕና ኽንምርምራ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። መን ካባና እዩ እሞ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምትኳር ዝንባለ ዘይብሉ፧ የሆዋ ንሕና እውን ከምኡ ጥቕሚ ርእስና ዘይንደልን ርሕሩሓትን መሓርትን ክንከውን ብትዕግስቲ ዚምህረና ምዃኑስ ከነመስግን ዚግብኣናዶ ኸይኰነ!
22. (ሀ) ዮናስ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ምሕረት ዝሃቦ ትምህርቲ ኣብ ልቡ ዘሕደሮ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኵላትና እንታይ ኢና እንምሃር፧
22 እሞኸ ዮናስ ነቲ ትምህርቲ ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎዶ፧ እታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ፡ ነቲ የሆዋ ዝሓተቶ ሕቶ ምላሽ ከይሃበትሉ እያ እትዛዘም። ገሊኦም ሓያስያን፡ ዮናስ ፈጺሙ ምላሽ ከም ዘይሃበ ይገልጹ ይዀኑ። ከም ሓቂ ግና፡ መልሱ ኣብኡ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ንባዕላ መልሲ እያ። መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ ዮናስ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ባዕሉ እዩ ጽሒፍዋ። እቲ ነብዪ ናብ ዓዱ ብሰላም ተመሊሱ፡ ነቲ ዛንታኡ ኺጽሕፍ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ዝያዳ ጥበብን ትሕትናን ዘጥረየ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ፡ ርእሱ እናነቕነቐ ጌጋታቱን ዘይተኣዛዝነቱን ምሕረት ከይገብር ዘርኣዮ ድርቅናኡን ኪጽሕፍ ከሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ዮናስ ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ጥበባዊ ትምህርቲ ኸም እተማህረ ኣየጠራጥርን እዩ። መሓሪ ኪኸውን ተማሂሩ እዩ። ንሕናኸ፧—ማቴዎስ 5:7 ኣንብብ።
^ ሕ.ጽ. 6 ብግዜ ዮናስ፡ እታ ርእሰ ኸተማ እስራኤል ዝነበረት ሰማርያ፡ ካብ 20,000 ክሳዕ 30,000 ዚኣኽሉ ተቐማጦ ኸም ዝነበርዋ እዩ ዚግመት፣ እዚ ድማ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ነነዌ ኺነጻጸር ከሎ፡ ትሕቲ ርብዒ ማለት እዩ። ነነዌ ኣብቲ ዕምርቲ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ከተማ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።
^ ሕ.ጽ. 8 እዚ ተግባር እዚ ዘይልሙድ ዚመስለና እኳ እንተ ዀነ፡ ጥንቲ ግና ይግበር ነይሩ እዩ። ሄሮዶተስ ዚብሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ጥንታውያን ፋርሳውያን ብሞት ሓደ ዚፈትውዎ ጀነራሎም ኪሓዝኑ ኸለዉ፡ ንማሎም እውን ኣብቲ ሓዘኖም ዚገልጹሉ ልምድታት ኣሳቲፎምወን ከም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ።