መዝሙር 65:1-13

  • ኣምላኽ ንምድሪ ዚገብረላ ኽንክን

    • “ሰማዕ ጸሎት” (2)

    • ‘እቲ እትሓርዮ፡ ሕጉስ እዩ’ (4)

    • ብዙሕ ሕያውነት ኣምላኽ (11)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። ማህሌት። 65  ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ጽዮን ውዳሰ ይጽበየካ ኣሎ፣+መብጽዓታትና ኽንፍጽመልካ ኢና።+  2  ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ* ናባኻ ኺመጽእ እዩ።+  3  ኣበሳይ ዓብሊሉኒ፣+ንስኻ ግና ንጥሕሰትና ኸዲንካዮ።+  4  እቲ ኣብ ኣጸዳትካ ኺነብርእትሓርዮን እተቕርቦን ሕጉስ እዩ።+ በቲ ኣብ ቤትካ፡ኣብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስካ+ እንረኽቦ ጽቡቕ ነገር ክንዓግብ ኢና።+  5  ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ብዜፍርህ ግብርታት ጽድቂ ኽትምልሰልና ኢኻ፣+ንዅሉ ወሰናት ምድርንነቶም ኣብ ርሑቕ ስግር ባሕሪ ዘለዉን እምንቶኦም ኢኻ።+  6  ንኣኽራን ብሓይልኻ ኣጽኒዕካዮ፣*ብርታዐ ድማ ተኸዲንካ ኣለኻ።*+  7  ንዚናወጽ ባሕርታት፡+ንዚጻፋዕ ማዕበላትን ንህውከት ኣህዛብን ተህድኦ።*+  8  ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ብትእምርትታትካ ኺድነቑ እዮም፣+ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ምዕራብ ጸሓይ ዘለዉ እልል ከተብሎም ኢኻ።  9  ንምድሪ ትከናኸና እሞ፡ብብዝሒ እተፍርን* ኣዝያ ሃብታምን ትገብራ።+ ካብ ኣምላኽ ዚውሕዝ ርባ ብማይ ዝመልአ እዩ፣ንምድሪ በዚ ኸምዚ ኣዳሊኻያ ኢኻ እሞ፡እኽሊ ተዳልወሎም።+ 10  ንነግሕታታ ማይ ተጽግቦ፡ ንእተሓርሰ ሓመዳ* ትምድምዶ። ብዝናም ተለስልሳ፣ ንብቋልያኣ ትባርኾ።+ 11  ንዓመት ብሕያውነትካ* ኣኽሊል ትደፍኣላ፣ኣሰርካ ብበረኸት ይጅርብብ።*+ 12  ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ይዕምር፣*+ኵድዅዶታት ድማ ሓጐስ ይለብስ።+ 13  መጓሰዪታት ብመጓሰ ይኽደን፣ስንጭሮታት* ከኣ እኽሊ ይለብስ።+ ጭድርታ ዓወት ይጭድሩ፡ እወ፡ ይዝምሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሓይሉ ኣጽኒዕዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተኸዲኑ ኣሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “የህድኦ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተዕለቕልቓ።”
ወይ፡ “ንድንኩላታ።”
ወይ፡ “ብሰናይካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስብሒ የንጠብጥብ።”
ቃ.ቃ.፡ “የንጠብጥብ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐላጕል።”