ማቴዎስ 20:1-34
20 “መንግስተ ሰማያት፡ ንኣታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪቘጽር ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል።+
2 ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ብሓደ ዲናር* ምስ ተሰማምዐ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም።
3 ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት* ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ስራሕ ዘይብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ፣
4 ንዓታቶም ከኣ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ፡ ዚግባእ ዘበለ ኽህበኩም እየ’ በሎም።
5 ንሳቶም ድማ ከዱ። ከም ብሓድሽ፡ ኣብ ሻድሸይቲ ሰዓትን* ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓትን* ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ።
6 ኣብ መበል 11 ሰዓት* ኣቢሉ ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፣ ‘ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ስለምንታይ ኣብዚ ደው እትብሉ፧’ በሎም።
7 ንሳቶም ከኣ፡ ‘ዋላ ሓደ ስለ ዘይቈጸረና’ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ’ በሎም።
8 “ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ዝመዘዞ ሰብ፡ ‘ነቶም ሰብ ውዕለት ጸዊዕካ፡ ካብቶም ዳሕሮት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ሃቦም’ በሎ።+
9 እቶም ሰብ መበል 11 ሰዓት ምስ መጹ፡ ነፍሲ ወከፎም ደዲናር* ተቐበሉ።
10 ስለዚ፡ እቶም ቀዳሞት ምስ መጹ፡ ዝያዳ ዚቕበሉ መሰሎም። ግናኸ፡ ንሳቶም እውን ደዲናር* ተቐበሉ።
11 ምስ ተቐበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዓል ቤት ኣጕረምረሙ፣
12 ‘እዞም ዳሕሮት ሓንቲ ሰዓት እዮም ሰሪሖም፣ ምሳና ድኻም መዓልትን ሃሩርን ምስ ዝጾርና ግና ኣደላዲልካዮም’ ድማ በልዎ።
13 ንሱ ግና ንሓደ ኻባታቶም፡ ‘ዓርከይ፡ ኣይዓመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ* ኣይተሰማማዕካንን፧+
14 ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ክንዲ እቲ ናትካ ኽህቦ እደሊ እየ።
15 ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብር መሰልዶ የብለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ* ስለ ዝዀንኩዶ ዓይንኻ ቐናእ* እያ፧’ ኢሉ መለሰሉ።+
16 በዚ ኸምዚ፡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም፣ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።”+
17 የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ወሲዱ፡ ኣብ መገዲ ኸምዚ በሎም፦+
18 “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ። ንሳቶም እውን ንሞት ኪፈርድዎ እዮም።+
19 ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን ኢሎም ከኣ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ።”+
20 ድሕርዚ፡ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ+ ምስ ደቃ ናብኡ ቐረበት እሞ፡ እናሰገደትሉ* ሓደ ነገር ለመነቶ።+
21 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትደልዪ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እዞም ክልተ ደቀይ፡ ኣብ መንግስትኻ፡ ሓደ ኣብ የማንካ፡ ሓደ ኣብ ጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል” ኢላ መለሰትሉ።+
22 የሱስ ግና መሊሱ፡ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ኽሰትያ ኢለ ዘለኹ ጽዋእ ክትሰትዩ ትኽእሉዶ፧” በለ።+ ንሳቶም ከኣ፡ “ንኽእል” በልዎ።
23 ንሱ ድማ፡ “ጽዋአይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፣+ ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና፡ ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም።+
24 እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተቘጥዑ።+
25 የሱስ ግና ናብኡ ጸዊዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ንኣህዛብ፡ ኣሕሉቖም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።+
26 ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፣+ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣+
27 ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያኹም ይኹን።+
28 ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ኬገልግልን+ ህይወቱ* ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።”+
29 ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።
30 እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኽልተ ዕዉራት፡ የሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ “ጐይታይ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና!” እናበሉ ጨርሑ።+
31 እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ ኪብሉ ገንሕዎም፣ ንሳቶም ግና፡ “ጐይታይ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና!” እናበሉ ኣዝዮም ጨርሑ።
32 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸውዖም፡ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ፧” ድማ በሎም።
33 ንሳቶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ” በልዎ።
34 የሱስ ከኣ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፣+ ብኡብኡ እውን ረኣዩ፡ ሰዓብዎ ድማ።
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ ንግሆ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. ኣቢሉ።
^ ማለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 12:00 ኣቢሉ።
^ ማለት፡ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።
^ ማለት፡ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።
^ ወይ፡ “ለጋስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኽፍእቲ፣ እክይቲ።”
^ ወይ፡ “ተደፊኣ።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”