ማቴዎስ 21:1-46

  • የሱስ ብዓጀባ ኣተወ (1-11)

  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ (12-17)

  • ኦም በለስ ተረግመት (18-22)

  • ንስልጣን የሱስ ብድሆ ቐረበሉ (23-27)

  • ምሳሌ እቶም ክልተ ደቂ (28-32)

  • ምሳሌ እቶም ቀተልቲ ዝዀኑ ሓረስቶት (33-46)

    • ርእሲ እምኒ መኣዝን ተናዕቀ (42)

21  ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ፡ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ እትርከብ ቤት-ፋጌ ምስ በጽሑ፡ ሽዑ፡ የሱስ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ፣+  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ብኡብኡ ኸኣ እስርቲ ኣድጊ፡ ጻዕብ ድማ ምስኣ ኽትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ።  ዝዀነ ሰብ ገለ እንተ ኢሉኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎም ኣሎ’ በልዎ። ብኡብኡ ኸኣ ኪሰድዶም እዩ።”  እዚ ዝዀነ፡ እቲ ብነብዪ ኣቢሉ ኸምዚ ብምባል እተዘርበ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ፦  “ንጓል ጽዮን፡ ‘እንሆ፡ ንጉስኪ ልኡም፡+ ኣብ ኣድጊ፡ እወ፡ ኣብ ጻዕብ፡ ኣብ ውላድ መጽዓኛ ተወጢሑ+ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ’ በልዋ።”+  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።+  ኣድግን ጻዕባን ከኣ ኣምጽኡ፣ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፣ ንሱ ኸኣ ተወጥሐ።+  መብዛሕትኦም ካብቶም ህዝቢ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፣+ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ።  እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ንወዲ ዳዊት፡ በጃኻ ኣድሕን!+ ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!+ ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕኖ!” እናበሉ ጨደሩ።+ 10  ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ብምልእታ እታ ኸተማ፡ “እዚ መን እዩ፧” እናበለት ዕግርግር በለት። 11  እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እዚ ነብዪ የሱስ+ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ” ይብሉ ነበሩ። 12  የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፡ ንዅሎም እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚዕድጉን ዝነበሩ ሰጐጎም፣ ሰደቓታት ኣሽረፍትን መናብር እቶም ረገቢት ዚሸጡ ዝነበሩን ከኣ ገልበጠ።+ 13  “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ’+ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ትገብርዋ ኣለኹም” ድማ በሎም።+ 14  ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብታ ቤተ መቕደስ ናብኡ መጹ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 15  ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ድንቂ ተግባራትን ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ፡ “ንወዲ ዳዊት፡ በጃኻ ኣድሕን!”+ እናበሉ ዚጭድሩ ኣወዳትን ምስ ረኣዩ፡ ተቘጥዑ+ 16  እሞ፡ “እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣለኻ፧” በልዎ። የሱስ ከኣ፡ “እወ። ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ’ ዚብል ከቶዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” በሎም።+ 17  ሓዲግዎም ድማ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ናብ ቢታንያ ኸደ፣ ኣብኣ ኸኣ ሓደረ።+ 18  ኣንጊሁ ናብታ ኸተማ ኺምለስ ከሎ፡ ጠመየ።+ 19  ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ* ርእዩ ናብኣ ኸደ፣ ኣቝጽልቲ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ስለ ዘይረኸበላ፡+ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ” በላ።+ እታ ኦም በለስ ከኣ ብቕጽበት ነቐጸት። 20  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ብቕጽበት ነቒጻ፧” እናበሉ ተገረሙ።+ 21  የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እንተ ኣሚንኩምን እንተ ዘይተጠራጢርኩምን፡ ነዛ ኦም በለስ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ኸኣ ተደርበ’ እኳ እንተ ኢልኩምዎ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 22  ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዘበለ ድማ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።+ 23  ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኺምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ እዚ ስልጣን እዚኸ መን ሂቡካ፧” በልዎ።+ 24  የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እውን ሓንቲ ነገር ክሓትተኩም። እንተ ነጊርኩምኒ፡ ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ፦ 25  ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ ነይራ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧” ኢሉ መለሰሎም። ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ።+ 26  ‘ካብ ሰብ’ እንተ ኢልና ግና፡ ኵላቶም ንዮሃንስ ከም ነብዪ ይቘጽርዎ እዮም እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ።” 27  ስለዚ፡ ንየሱስ፡ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ። 28  “እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ‘ወደየ፡ ሎሚ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ወፊርካ ዕየ’ በሎ። 29  ንሱ ኸኣ፡ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፣ ደሓር ግና ተጣዒሱ፡ ወፈረ። 30  ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ፡ ከምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሕራይ ጐይታይ’ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። 31  ካብ ክልቲኦምሲ፡ ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧” ንሳቶም ከኣ፡ “እቲ ቐዳማይ” በሉ። የሱስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣከብቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕድሙኹም ኣለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 32  ከመይሲ፡ ዮሃንስ ብመገዲ ጽድቂ ናባኻትኩም እኳ እንተ መጸ፡ ኣይኣመንኩምዎን። ኣከብቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ግና ኣሚኖምዎ፣+ ንስኻትኩም ከኣ ነዚ እኳ ምስ ረኣኹም፡ ምእንቲ ኽትኣምንዎ ደሓር ኣይተጥዓስኩምን። 33  “ካልእ ምሳሌ ስምዑ፦ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል መሬት ነበረ፣+ ንሱ ድማ ብሓጹር ሓጸሮ፡ መጽመቝ ወይኒ ዀዓተሉ፡ ግምቢ ሰርሓሉ፡+ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።+ 34  ግዜ ፍርያት ምስ በጽሐ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ኢሉ፡ ንባሮቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኾም። 35  እቶም ሓረስቶት ግና፡ ነቶም ባሮት ሒዞም፡ ንሓደ ወቕዕዎ፡ ንሓደ ቐተልዎ፡ ንሓደ ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 36  ከም ብሓድሽ፡ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ፣ ንዓታቶም እውን ከምኡ ገበርዎም።+ 37  ኣብ መወዳእታ፡ ‘ንወደይሲ ኺሓፍርዎ እዮም’ ኢሉ ወዱ ናባታቶም ለኣኸ። 38  እቶም ሓረስቶት ነቲ ወዲ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ ‘እዚ እቲ ወራሲ እዩ።+ ንዑ ንቕተሎ እሞ፡ ርስቱ ንውሰድ!’ ተባሃሃሉ። 39  ሒዞም ድማ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ።+ 40  እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነዞም ሓረስቶት እዚኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧” 41  ንሳቶም ከኣ፡ “ክፉኣት ስለ ዝዀኑ፡ ብኽፉእ ኬጥፍኦም እዩ፣ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ብግዜኡ ፍሪኡ ንዚህቡ ኻልኦት ሓረስቶት ብመገስ ኪህቦም እዩ” በልዎ። 42  የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ እዚ ኻብ የሆዋ* እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ’ ዚብልሲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፧+ 43  ስለዚ ኸኣ እየ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ተወሲዳ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢ ኽትውሃብ እያ ዝብለኩም ዘለኹ። 44  እቲ ኣብዚ እምኒ እዚ ዚወድቕ ኪሰባበር እዩ።+ ንሱ ዚወድቆ ድማ ኪሕምሸሽ እዩ።”+ 45  ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምሳሌታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረበ ፈለጡ።+ 46  ኪሕዝዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይቘጽርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንዓታቶም ፈርሁ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኣካርዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ መኣዝን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።