ኢሳይያስ 2:1-22

  • ከረን የሆዋ ልዕል በለ (1-5)

    • ኣስያፍ ናብ ማሕረሻታት (4)

  • መዓልቲ የሆዋ ንዕቡያት ተዋርዶም (6-22)

2  ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ነገር እዚ እዩ፦+  2  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ከረን ቤት የሆዋኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡+ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ድማ ልዕል ኪብል እዩ፣ናብኡ ኸኣ ኵሎም ኣህዛብ ኪውሕዙ እዮም።+  3  ብዙሓት ህዝብታት ድማ ኪኸዱ፡“ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ፡ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ።+ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ኸኣ ኪብሉ እዮም።+ ሕግስ* ካብ ጽዮን፡ቃል የሆዋ ድማ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ።+  4  ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ነገር ኬቕንዓሎም እዩ። ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም።+ ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።+  5  ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ንዑ፡ብብርሃን የሆዋ ንመላለስ።+  6  ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡስ፡ንህዝብኻ፡ ንቤት ያእቆብ፡ ጠንጢንካዮም፣+ከም ፍልስጥኤማውያን ስሒር ይገብሩ፣+ምስ ደቂ ጓኖት እውን ይተኣሳሰሩ።  7  ምድሮም ብብሩርን ብወርቅን መሊኣ ኣላ፣መዛግብቶም ድማ ደረት የብሉን። ምድሮም ብኣፍራስ መሊኣ ኣላ፣ሰረገላታቶም ከኣ ደረት የብሉን።+  8  ምድሮም ብኸንቱ ኣማልኽቲ መሊኣ ኣላ።+ ንግብሪ ኣእዳዎም፡ኣጻብዖም ንዝገበራኦ ይሰግዱ።  9  ስለዚ፡ ሰብ ይሰግድ፡ ይዋረድ፣ንስኻ ድማ ኣይትሓድገሎምን። 10  ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑንብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡+ናብ ከውሒ እቶ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተሓባእ። 11  ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ትሕት ኪብላ እየን፣ትምክሕቲ ሰባት ድማ ኪዋረድ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። 12  እታ መዓልቲ እቲኣስ፡ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እያ።+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ኰነ ትሑት ትመጽእ ኣላ።+ 13  ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዊሕን ልዑልን ቄድሮሳት ሊባኖስ፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን፡ 14  ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ኣኽራን፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዝበለ ዅርባታት፡ 15  ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዊሕ ግምብን ኵሉ እተዓርደ መንደቕን፡ 16  ኣብ ልዕሊ ዅለን መራኽብ ተርሲስን+ኣብ ልዕሊ ዅለን ተብሃግቲ ጃለቡን ትመጽእ ኣላ። 17  ትዕቢት ሰብ ትሕት ኪብል፡ትምክሕቲ ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። 18  ከንቱ ኣማልኽቲ ጠሪሶም ኪጠፍኡ እዮም።+ 19  ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑንብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡+ንምድሪ ብሽበራ ራዕራዕ ኬብላ ምስ ተንስአ፡ሰባት ናብ በዓትታት ኣኻውሕንናብ ጐዳጕዲ ምድርን ኪኣትዉ እዮም።+ 20  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰባት ነቶም ኪሰግዱሎም ኢሎምካብ ብሩርን ካብ ወርቅን እተገብሩ ኸንቱ ኣማልኽቶም ወሲዶም፡ናብ ኣናጹን ናብ መንካዓትን ኪድርብይዎም እዮም።+ 21  ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑንብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡ንምድሪ ብሽበራ ራዕራዕ ኬብላ ምስ ተንስአ፡ናብ ጐዳጕዲ ኣኻውሕንናብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኪኣትዉ እዮም። 22  ምእንቲ ርእስኹምሲ በቲ ኣብ ኣፍንጫኡ ኸም ዘሎ ትንፋስ ዝዀነ*ሰብ ምእማን* ሕደግዎ፣ስለምንታይከ ኣብ ግምት ዚኣቱ፧

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትምህርትስ።”
ወይ፡ “በቲ ትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝዀነ።”
ወይ፡ “ምውካል።”