ዳንኤል 7:1-28
7 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቤልሻጽር+ ንጉስ ባቢሎን፡ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ በጥ ኢሉ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረኣየ።+ ሽዑ፡ ነቲ ሕልሚ ጸሓፎ፣+ ነቲ ነገር ብምሉኡ እውን ብዝርዝር መዝገቦ።
2 ዳንኤል ከኣ ከምዚ በለ፦
“ለይቲ ብራእያተይ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ድማ፡ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማያት ነቲ ዓብዪ ባሕሪ የለዓዕልዎ ነበሩ።+
3 ካብቲ ባሕሪ ኸኣ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት+ ወጹ።
4 “እቲ ቐዳማይ ንኣንበሳ ይመስል ነበረ፣+ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ።+ ኣኽናፉ ኽሳዕ ዚምንቈሳ ኸኣ ጠመትክዎ፣ ካብ ምድሪ ድማ ተላዕለ፡ ከም ሰብ ከኣ ብኽልተ እግሩ ደው ከም ዚብል ተገብረ፣ ልቢ ሰብ እውን ተዋህቦ።
5 “እንሆ ድማ፡ ካልኣይ ንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት።+ ንሱ ብሓደ ጐድኒ ተንስአ፣ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ‘ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ’ ከኣ ተባሂሉ ተነግሮ።+
6 “ድሕርዚ፡ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዝባኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ካልእ ኣራዊት።+ እቲ ኣራዊት ከኣ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣+ ኪገዝእ እውን ስልጣን ተዋህቦ።
7 “ድሕርዚ፡ ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ ዜፍርህን ዜሸብርን ኣዝዩ ብርቱዕን ራብዓይ ኣራዊት ድማ ረኣኹ፣ ዓብዪ ኣስናን ሓጺን እውን ነበሮ። ይውሕጥን ይጥሕንን ከኣ ነበረ፣ ነቲ ዝተረፈ እውን ብኣእጋሩ ይረግጾ ነበረ።+ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊት ድማ እተፈልየ ነበረ፣ ዓሰርተ ቐርኒ እውን ነበሮ።
8 ኣነ ኸኣ ነተን ኣቕርንቲ ኸስተብህለለን ከለኹ፡ እንሆ፡ ካልእ ንእሽቶ ቐርኒ+ ኣብ መንጎአን ወጸት፣ ሰለስተ ኻብተን ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኣ ተመንቈሳ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብዛ ቐርኒ እዚኣ ኸም ኣዒንቲ ሰብ ዝበለ ኣዒንትን ብትዕቢት* ዚዛረብ ኣፍን ነበረ።+
9 “ዝፋናት ክሳዕ ዚንበር እጥምት ነበርኩ፣ እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ+ ድማ ተቐመጠ።+ ክዳኑ ኸኣ ጻዕዳ ኸም ውርጪ፡+ ጸጕሪ ርእሱ እውን ከም ጽሩይ ጸምሪ ነበረ። ዝፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፡ መንኰራዅሩ ድማ ዚነድድ ሓዊ ነበረ።+
10 ውሒዝ ሓዊ ኸኣ ይውሕዝ፡ ካብ ቅድሚኡ እውን ይወጽእ ነበረ።+ ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ ነበሩ፣ እልፊ ግዜ እልፊ* ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።+ እቲ ቤት ፍርዲ+ ንፍርዲ ተቐመጠ፣ መጻሕፍቲ እውን ተገንጸለ።
11 “ሽዑ፡ ብምኽንያት ደሃይ እታ ቓላት ትዕቢት* እትዛረብ ዝነበረት ቀርኒ እጥምት ነበርኩ፣+ እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዚቕተል ድማ ረኣኹ፣ ስጋኡ ኸኣ ጠፍአ፡ ኪነድድ እውን ንሓዊ ተዋህበ።
12 እቶም ዝተረፉ ኣራዊት ከኣ፡+ ግዝኣቶም ተወስደ፣ ህይወቶም ድማ ንግዜን ንእዋንን ተናውሐ።
13 “ብራእያት ለይቲ እርኢ ነበርኩ፣ እንሆ ድማ፡ ወዲ ሰብ+ ዚመስል ብደበናታት ሰማያት ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ+ ኸኣ ኪኣቱ ተፈቕደሉ፣ ናብ ቅድሚኡ እውን ኣቕረብዎ።
14 ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን+ ክብርን+ መንግስትን ንዕኡ ተዋህቦ።+ ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱ እውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።+
15 “ኣነ ዳንኤል፡ እቲ ራእያት ርእሰይ ስለ ዘፍርሃኒ፡ መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐ።+
16 ናብ ሓደ ኻብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ቐሪበ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ትርጉም እዚ ዅሉ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ መለሰለይ፣ ትርጉም እዚ ነገራት እዚ እውን ኣፍለጠኒ።
17 “‘እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኦም፡+ ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።+
18 እቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት+ ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፣+ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለም፡ እወ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም።’+
19 “ሽዑ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሎም እቶም ካልኦት እተፈልየ ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ። ንሱ ኣዝዩ ዜፍርህ ነበረ፣ ኣስናን ሓጺንን ኣጽፋር ነሓስን ከኣ ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን፡ ዝተረፈ እውን ብኣእጋሩ ይረግጽ ነበረ።+
20 ብዛዕባ እተን ኣብ ርእሱ ዝነበራ ዓሰርተ ቐርንን+ ብዛዕባ እታ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቓ እሞ ዝወጸት ካልእ ቀርንን+ እውን ክፈልጥ ደለኹ። እታ ቐርኒ እቲኣ ድማ ኣዒንትን ትዕቢት* ዚዛረብ ኣፍን ነበራ፣ ትርኢታ እውን ካብ ካልኦት ዝዓበየት ነበረት።
21 “እታ ቐርኒ እቲኣ ምስ ቅዱሳት ክትዋጋእ ከላ ኸኣ እጥምት ነበርኩ፣ ንሳ ድማ ትስዕሮም ነበረት፣+
22 እወ፡ እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ+ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ነቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት+ ከኣ ክሳዕ ዚፍረደሎም፡ እቶም ቅዱሳት ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ምድብቲ ግዜ ኽሳዕ እትመጽእ+ ትስዕሮም ነበረት።
23 “ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ ‘ብዛዕባ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፡ ኣብ ምድሪ ራብዐይቲ መንግስቲ ኽትከውን እያ። ንሳ ኻብ ኵለን መንግስትታት እተፈልየት ክትከውን እያ፣ ንዅላ ምድሪ ኸኣ ክትውሕጣን ክትረግጻን ክትጥሕናን እያ።+
24 እቶም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ፡ ካብታ መንግስቲ እቲኣ ዚትንስኡ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ድሕሪኦም ከኣ፡ ገና ኻልእ ኪትንስእ እዩ፣ ንሱ ድማ ካብቶም ቀዳሞት እተፈልየ ኪኸውን፡ ንሰለስተ ነገስታት እውን ኬዋርዶም እዩ።+
25 ኣንጻር እቲ ልዑል ቃላት ኪዛረብ፡+ ነቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት እውን ብቐጻሊ ኼሸግሮም እዩ። ግዜያትን ሕግን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ፣ ንሳቶም እውን ንግዜን ግዜያትን ፍርቂ ግዜን* ኣብ ኢዱ ኺውሃቡ እዮም።+
26 ግናኸ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንፍርዲ ተቐመጠ፣ ጠሪሱ ምእንቲ ኺጸንትን ኪጠፍእን ከኣ፡ ግዝኣቱ ኻብኡ ወሰድዎ።+
27 “‘ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማያት ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስትታትን ድማ ነቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት ዝዀኑ ህዝቢ ተዋህበ።+ መንግስቶም ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣+ ኵሉ ግዝኣታት እውን ኬገልግሎምን ኪእዘዞምን እዩ።’
28 “መወዳእታ እቲ ነገር፡ እዚ እዩ። ኣነ ዳንኤል፡ ሓሳባተይ ኣዝዩ ስለ ዘሰምበደኒ፡ ጸማልያ መሰልኩ፣* ነቲ ነገር ግና ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ብትምክሕቲ።”
^ ወይ፡ “10,000 ግዜ 10,000።”
^ ወይ፡ “ትምክሕቲ።”
^ ወይ፡ “ትምክሕቲ።”
^ ማለት፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን።
^ ወይ፡ “ትርኢተይ ተለወጠ።”