ግብሪ ሃዋርያት 24:1-27
24 ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ሃናንያ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ገሊኦም ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሃል ክኢላ ተዛራብን* ወረደ፣ ንሳቶም ድማ ኣንጻር ጳውሎስ ዝነበሮም ጕዳይ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ኣቕረቡ።+
2 ንሱ ምስ ተጸውዐ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸስሶ ጀመረ፦
“ኦ ኽቡር ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ኣርሒቕካ ስለ እትሓስብ ድማ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም እተመሓየሸሉ ብምርኣይና፡
3 ኵሉ ግዜን ኣብ ኵሉን ብብዙሕ ምስጋና ነዚ ንእመነሉ ኢና።
4 ካብዚ ንላዕሊ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃትካ ኽትሰምዓና እልምነካ ኣለኹ።
5 ንሕና ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብዓለሙ ዘለዉ ኣይሁድ መትከርን*+ መናዓብን+ መራሒ ኑፋቐ ናዝሬታውያንን ኰይኑ ረኺብናዮ፣+
6 ቤተ መቕደስ ኬርክስ ምስ ፈተነ እውን ሒዝናዮ።+
7 *——
8 ብዛዕባ እዚ ዅሉ እንኸስሶ ዘለና ነገር፡ ባዕልኻ መርሚርካ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።”
9 ኣይሁድ እውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እቲ ነገር ከምኡ ምዃኑ ገለጹ።
10 እቲ ሹም ንጳውሎስ፡ ኪዛረብ ብርእሱ ምስ ኣመልከቶ፡ ንሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦
“ነዚ ህዝቢ እዚ ፈራዲ ኻብ እትኸውን ብዙሕ ዓመታት ከም ዝገበርካ ስለ ዝፈልጥ፡ ንርእሰይ ተሓጒሰ እማጐተላ ኣለኹ።+
11 ከምልኽ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ 12 መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ፣+
12 ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽከራኸር ወይስ ኣብ ምኵራባት ኰነ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ንህዝቢ ኸለዓዕል ኣይረኸቡንን።
13 ነቲ ሕጂ ዚኸስሱኒ ዘለዉ ነገር እውን፡ መርትዖ ኬቕርቡልካ ኣይክእሉን እዮም።
14 ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጻሒፉ ዘሎ እናኣመንኩ፡+ በታ ንሳቶም ኑፋቐ ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ፡ ከምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘገልግሎ፡* እዚ እእመነልካ ኣለኹ።+
15 ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን+ ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ኣነ እውን ከማታቶም ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ።+
16 ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽሩይ* ሕልና ኺህልወኒ፡ ኵሉ ግዜ እጽዕር ኣለኹ።+
17 ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን+ መስዋእቲ ከቕርብን መጺአ።
18 እዚ ኽገብር ከለኹ፡ ምስ ህዝቢ ኽእከብ ወይ ከናዕብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሀ እዮም ረኺቦምኒ።+ ካብ ኣውራጃ እስያ ዝመጹ ገለ ኣይሁድ ግና ነይሮም እዮም፣
19 ንሳቶም ኣባይ ገለ ነገር እንተ ዚህልዎምሲ፡ ኣብ ቅድሜኻ ቐሪቦም ኪኸስሱኒ ምተገብአ ነይሩ።+
20 ወይስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኢለ ኸለኹ፡ ገለ በደል እንተ ረኺቦምለይ ይዛረቡ፣
21 ብዘይካ እታ ኣብ መንጎኦም ደው ኢለ ብዓውታ፡ ‘ሎሚ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ!’+ ዝበልክዋ ሓንቲ ነገር፡ ካልእ ኣይረኽቡለይን እዮም።”
22 ፌሊክስ ብዛዕባ እዛ መገዲ+ እዚኣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ግና፡ “ሊስያስ እቲ ሓለቓ ሽሕ ምስ ወረደ፡ ብዛዕባ ነገርኩም ክውስን እየ” ኢሉ ነቲ ነገር ወዘፎ።
23 ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ፡ እተወሰነ ናጽነት ድማ ኪህቦ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ ንዚደሊ እውን ኪፈቕደሉ ኣዘዞ።
24 ድሕሪ ገለ መዓልትታት፡ ፌሊክስ ምስታ ድሩሲላ እትብሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መጸ፣ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ ኸኣ፡ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ ምእማን፡ ካብኡ ሰምዐ።+
25 ጳውሎስ ብዛዕባ ጽድቅን ርእሰ ግትኣትን እቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ተዛረቦ ግና፡+ ፌሊክስ ፈሪሁ፡ “ንሕጂ ኺድ፣ ዚጥዕመኒ ግዜ ምስ ረኸብኩ፡ ከም ብሓድሽ ክትመጸኒ ኽልእከልካ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
26 ምስናይዚ ግና፡ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ኪውሃቦ ተስፋ ይገብር ነበረ። ስለዚ፡ ብዙሕ ግዜ ለልኢኹ እናኣምጽአ የዘራርቦ ነበረ።
27 ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ፌሊክስ ብጶርቅዮስ ፌስጦስ ተተክአ፣ ፌሊክስ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ስለ ዝደለየ ኸኣ፡+ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።