ግብሪ ሃዋርያት 5:1-42
5 ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ሰጲራ መሬቱ ሸጠ።
2 ሰበይቱ እናፈለጠት ከኣ፡ ካብቲ ዋጋ መቒሉ ብሕቡእ ኣትረፈ፣ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ኣእጋር ሃዋርያት ኣንበሮ።+
3 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ+ ክትሕሱን+ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ብሕቡእ ከተትርፍንሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ኣደፋፊሩካ፧
4 ምሳኻ ኸሎስ፡ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሰኻን” በሎ።
5 ሃናንያ እዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዐ፡ ወደቐ እሞ ሞተ። ኵሎም እቶም እዚ ዝሰምዑ ድማ ኣዝዮም ፈርሁ።
6 ኣጕባዝ ከኣ ተንሲኦም ገነዝዎ፣ ተሰኪሞም ኣውጺኦም እውን ቀበርዎ።
7 ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ድማ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ መጸት።
8 ጴጥሮስ ከኣ፡ “እስከ ንገርኒ፡ ንመሬትኩም ብኽንድዚ ዲኹም ሼጥኩምዎ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እወ፡ ብኽንድኡ እዩ” በለት።
9 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ስለምንታይከ ንመንፈስ የሆዋ* ኽትፍትኑ እተሰማማዕኩም፧ እንሆ፡ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ ኣብ ኣፍ ደገ ኣለዋ፣ ንዓኺ እውን ተሰኪሞም ኬውጽኡኺ እዮም” በላ።
10 ብቕጽበት ኣብ ኣእጋሩ ወደቐት እሞ ሞተት። እቶም ኣጕባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ረኸብዋ፣ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።
11 ኣብ ምልእቲ እታ ጉባኤን ኣብ ኵሎም እቶም ነዚ ዝሰምዑን ከኣ ዓብዪ ፍርሃት ኰነ።
12 ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ድማ ብኢድ ሃዋርያት ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን ይግበር ነበረ፣+ ኵላቶም ድማ ብሓባር ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ።+
13 ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፣ እቲ ህዝቢ ግና የሞግሶም ነበረ።
14 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብጐይታ ዚኣምኑ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ይውሰኽዎም ነበሩ።+
15 ጴጥሮስ ኪሓልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ናብ ጐደናታት ኣውጺኦም ኣብኡ ኣብ ዓራውትን ኣብ ምንጻፋትን የደቅስዎም ነበሩ።+
16 ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዝነበራ ኸተማታት ከኣ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ጾይሮም ይመጹ ነበሩ፣ ኵላቶም እውን ይሓውዩ ነበሩ።
17 ግናኸ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ወገን ሰዱቃውያን ተንስአ፣ ብቕንኢ ተመሊኦም ድማ ነበሩ።
18 ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሓዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢ እውን ኣእተውዎም።+
19 ብለይቲ ግና፡ መልኣኽ የሆዋ* ንመዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ+ ንወጻኢ ኣውጽኦም እሞ፡
20 “ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም ከኣ፡ ኵሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ” በሎም።
21 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሑ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ።
እቲ ሊቀ ኻህናትን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ መጹ፡ ነቲ ዋዕላን ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ኪእከቡ ጸውዑ፣ ንሃዋርያት ናብ ቅድሚኦም ኬምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ።
22 እቶም ገላዉ ናብኡ ምስ ከዱ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን። ተመሊሶም ከኣ፡
23 “እቲ ቤት ማእሰርቲ ብጽኑዕ ተሸጒሩ፡ ሓለውቲ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ረኺብናዮም፣ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም።
24 እቲ ሓለቓ ቤተ መቕደስን እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ነዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ነገር እዚ እንታይ ከም ዚኸውን ደንጸዎም።
25 ሓደ መጺኡ ግና፡ “እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰብኡት፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም።
26 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ምስ ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፣ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ኣየጋፍዕዎምን።+
27 ኣምጺኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ሓተቶም፡
28 “በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩ ብጽኑዕ ኣዚዝናኩም ኔርና፣+ እንሆ ግና፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ፣ ደም እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ቘሪጽኩም ኣለኹም” ድማ በሎም።+
29 ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ከኣ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ* ዚግባእ።+
30 ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ጕንዲ* ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ ኣተንሲእዎ እዩ።+
31 ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ፡+ ኣምላኽ ንዕኡ ቐንዲ ወኪልን+ መድሓንን+ ገይሩ ናብ የማኑ+ ልዕል ኣቢልዎ እዩ።
32 ንሕና ድማ ነዚ ነገር እዚ መሰኻኽር ኢና፣+ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ* ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስ እውን ከምኡ”+ ኢሎም መለሱ።
33 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ነደሩ፡ ኪቐትልዎም ከኣ ደለዩ።
34 ግናኸ፡ ሓደ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡+ ብዅሉ እቲ ህዝቢ ዚኽበር መምህር ሕጊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ነቶም ሰባት ሓንሳእ ኣብ ወጻኢ ኼጽንሕዎም ኣዘዘ።
35 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦም ክትገብርዎ እትሓስቡ ዘለኹም ነገር ተጠንቀቑሉ።
36 ንኣብነት፡ ቅድሚ እዘን መዓልትታት እዚአን፡ ቴዎዳስ፡ ‘ኣነ ዓብዪ እየ’ ኢሉ ተንሲኡ ነይሩ፣ 400 ዚኣኽሉ ሰብኡት ከኣ ሓቢሮምዎ። ግናኸ፡ ንሱ ተቐቲሉ፡ ኵሎም እቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸኣ ተበቲኖም፡ ከም ዘይነበሩ እውን ኰይኖም።
37 ድሕሪኡ፡ ይሁዳ እቲ ገሊላዊ፡ በተን መዓልትታት ምዝገባ ተንሲኡ ነይሩ፣ ሰዓብቲ ድማ ገይሩ። ንሱ እውን ጠፊኡ፡ ኵሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዝነበሩ ኸኣ ፋሕ ኢሎም።
38 ሕጂ ድማ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትተንክይዎም፡ ሕደግዎም። እዚ ውጥን እዚ ወይ እዚ ግብሪ እዚ ኻብ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ኪፈርስ እዩ፣
39 ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ምናልባት ምስ ኣምላኽ እትብኣሱ ዄንኩም ክትርከቡ ኢኹም።”+
40 ሽዑ፡ ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፣ ንሃዋርያት ጸዊዖም ከኣ ገረፍዎም፣+ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ድማ ሓደግዎም።
41 ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ።+
42 ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን+ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።+