1 ዮሃንስ 5:1-21

  • ብየሱስ ዚኣምን ንዓለም ይስዕራ (1-12)

    • ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ማለት ምዃኑ (3)

  • ብሓይሊ ጸሎት ምትእምማን (13-17)

  • ካብታ እክይቲ ዓለም ተሓለዉ (18-21)

    • ብዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ እያ (19)

5  እቲ የሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፣+ እቲ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደ እውን የፍቅሮ እዩ። 2  ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮን ትእዛዛቱ ምስ እንሕሉን፡ ንውሉዳት ኣምላኽ+ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 3  ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣+ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን፣+ 4  ከመይሲ፡ ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ እዩ።+ እታ ንዓለም ዝሰዓርናላ ስዕረት ከኣ፡ እምነትና እያ።+ 5  ንዓለም ዚስዕራ መን እዩ፧+ እቲ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምን ደይኰነን፧+ 6  እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፣ ብማይን ብደምን እምበር፡+ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ።+ እቲ መንፈስ ከኣ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እውን ይምስክር ኣሎ።+ 7  ስለዚ፡ እቶም ዚምስክሩ ሰለስተ እዮም፦ 8  መንፈስን+ ማይን+ ደምን፣+ ሰለስቲኦም ዚምስክርዎ ኸኣ ሓደ እዩ። 9  እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይዓቢ እዩ። 10  እቲ ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ብኣምላኽ ዘይኣምን፡ ንዕኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ፣+ ከመይሲ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ኣይኣመኖን። 11  ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡+ እቲ ምስክር እዚ እዩ፣ እዛ ህይወት እዚኣ ድማ ኣብ ወዱ ኣላ።+ 12  እቲ ወዲ ዘለዎ፡ እዛ ህይወት እዚኣ ኣላቶ፣ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ፡ እዛ ህይወት እዚኣ የብሉን።+ 13  ንዓኻትኩም ነቶም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ፡+ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ፡ እዚ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።+ 14  እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ* እዚ እዩ፦+ ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።+ 15  እንልምኖ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ ካብኡ ስለ ዝለመንና፡ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም እንረክብ ንፈልጥ ኢና።+ 16  ሓደ ንሓዉ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ርእይዎ፡ ይለምነሉ፡ ኣምላኽ እውን ህይወት ኪህቦ እዩ።+ እዚ ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩ እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ።+ ብዛዕባ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይኰንኩን “ይለምነሉ” ዝብል ዘለኹ። 17  ዓመጻ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፣+ ግናኸ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ። 18  ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ፡ ብሓጢኣት ከም ዘይመላለስ ንፈልጥ ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ* ይሕልዎ እዩ፡ እቲ እኩይ እውን ኪትንክዮ* ኣይክእልን እዩ።+ 19  ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።+ 20  ግናኸ፡ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፡+ ነቲ ናይ ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኸኣ ልቦና* ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ድማ፡ ምስቲ ናይ ሓቂ፡ ሓድነት ኣሎና።+ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።+ 21  ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሓለዉ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እቲ ንዕኡ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓት።”
ወይ፡ “ኪቈጻጸሮ።”
ማለት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ወዲ ኣምላኽ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣእምሮ።”