2 ቈረንቶስ 6:1-18
6 ጸጋ ኣምላኽ ተቐቢልኩምሲ ዕላማኡ ኸይትስሕትዎ፡+ ምስኡ እናዓየና+ ንምሕጸነኩም ኣለና።
2 ከመይሲ፡ “ብቕብልቲ ግዜ ሰሚዐካ፡ ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ” ይብል እዩ።+ እንሆ፡ እታ ኣዝያ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ። እንሆ፡ እታ መዓልቲ ድሕነት ሕጂ እያ።
3 ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና፣+
4 ግናኸ፡ ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና፣+ ነዚ ድማ ብብዙሕ ተጻዋርነት፡ ብጸበባ፡ ብስእነት፡ ብጭንቂ፡+
5 ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡+ ብህውከት፡ ብጻዕሪ፡ ድቃስ ብምስኣን፡ ብዘይ ምግቢ፡+
6 ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡+ ብለውሃት፡+ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ግብዝና ብዘይብላ ፍቕሪ፡+
7 ብሓቀኛ ዘረባ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡+ ብኣጽዋር ጽድቂ+ የማነ* ጸጋም፡*
8 ብኽብርን ብሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ብጽቡቕ ወረን ነርኢ ኢና። ከም መስሓትቲ እናተቘጸርና፡ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና፣
9 ከም ዘይፍሉጣት፡ ግናኸ ፍሉጣት ኢና፣ እንመውት ከም ዘለና፡* ግናኸ እንሆ፡ ህያዋን ኢና፣+ ከም ቅጹዓት፡* ግናኸ ንሞት ኣይተወፈናን፣+
10 ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ከም ድኻታት፡ ግናኸ ንብዙሓት ነሀብትም ኢና፣ ሓንቲ ኸም ዘይብልና፡ ግናኸ ዅሉ ኣሎና።+
11 ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ክንዛረበኩምሲ ኣፍና ኸፊትና ኣለና፣* ልብና እውን ጋህ ኣቢልናልኩም ኣለና።
12 ንስኻትኩም ደኣ ኢኹም ፍቕርኹም እትቝጥቡልና ዘለኹም እምበር፡+ ንሕናስ ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕርና ኣይቈጠብናልኩምን።*
13 ከም ምላሹ ኸኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ጋህ ኣብሉ።*+
14 ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።*+ ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን* እንታይ ርክብ ኣለዎ፧+ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧+
15 ክርስቶስከ ምስ ብልያል* እንታይ ስኒት ኣለዎ፧+ ወይስ ኣማኒ* ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት* ኣለዎ፧+
16 ቤተ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧+ ከምቲ ኣምላኽ፡ “ኣባታቶም ክነብር፡+ ኣባታቶም እውን ክመላለስ እየ፣ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበለ፡+ ንሕናስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።+
17 “‘ስለዚ፡ ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡* ‘ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ’”፣+ “‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ።’”+
18 “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣+ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’+ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።”*
እግረ ጽሑፍ
^ ምናልባት ንመኸተ።
^ ምናልባት ንመጥቃዕቲ።
^ ወይ፡ “ሞት ከም ዚግብኣና።”
^ ወይ፡ “ግሱጻት።”
^ ወይ፡ “ብግህዶ ተዛሪብናኩም ኢና።”
^ ወይ፡ “ኣባናስ ኣይጸበበኩምን።”
^ ወይ፡ “ኣግፍሑ።”
^ እዛ ቓል እዚኣ ብግሪኽኛ ምስ ዘይመማጣጥንትኻ ወይ ምስ ዘይመጻምድትኻ ምጽማድ ተመልክት።
^ ቃ.ቃ.፡ “ጥሕሰት ሕግን።”
^ ወይ፡ “እሙን።”
^ ወይ፡ “ግደ።”
^ ካብ እብራይስጢ ዀይና፡ “ዘይጠቅም” ማለት እያ። ንሰይጣን ተመልክት።