ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሚያዝያ 2017

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 29 ግንቦት ክሳዕ 2 ሓምለ 2017 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

“ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ”

መብጽዓ እንታይ እዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ርዝነት እቲ ንኣምላኽ እንኣትዎ መብጽዓ እንታይ ይብል፧

መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት፡ እንታይ ከተወግድ እያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ” ይብለና። እዛ ‘እትሓልፍ ዘላ ዓለም’ ግና እንታይ ዘጠቓለለት እያ፧

ታሪኽ ህይወት

ወተሃደር ክርስቶስ ክኸውን ቈሪጸ

ዲሚትሪየስ ሳራስ ኣንጻር ብጾቱ ኺዋጋእ ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ ተኣሲሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸቢድ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንኣምላኽ ወዲስዎ እዩ።

“እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

የሆዋ ዘይፍትሓዊ ኪኸውን ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ፍትሒ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧

ብዛዕባ ፍትሒ ኣረኣእያ የሆዋ ኽንሕዝ እንተ ደሊና፡ ትሑታትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን ኣሎና። ስለምንታይ፧

ፈቲኻ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ!

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቲ ኣገልገልቱ ኣብ ምፍጻም ዕላማኡ ብዓቕሞም ዜበርክትዎ እጃም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።