ብዛዕባ ፍትሒ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧
“ኣነስ ስም የሆዋ ኽነግር እየ። . . . ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ።”—ዘዳ. 32:3, 4።
1, 2. (ሀ) ናቦትን ደቁን እንታይ ዘይፍትሓዊ ነገር እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣየኖት ባህርያት ክንምርምር ኢና፧
ነዚ ዚስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ሰብኣይ ዘይጠቕሙ ሰባት ብዝሃብዎ ናይ ሓሶት ምስክርነት ተኸሲሱ ሞት ተፈርዶ። ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ፍትሒ ዚፈትዉ ኻልኦት ሰባትን እዚ ንጹህ ሰብ እዚ ኪቕተል ኪርእዩ ኸለዉ ኣዝዮም ሓዘኑ። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ጽውጽዋይ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል፡ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ናቦት ዘጋጠሞ ነገር ዚገልጽ ናይ ሓቂ ታሪኽ እዩ።—1 ነገ. 21:11-13፣ 2 ነገ. 9:26።
2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ናቦት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜገልግል ዝነበረ እሙን ሽማግለ ዝገበሮ ኸቢድ ጌጋ እውን ክንርኢ ኢና። ነዚ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ከለና፡ ብዛዕባ ፍትሒ ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘሎና ኸነርኢ እንተ ደሊና፡ ትሑታት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንምሃር ኢና። ኣብ ጉባኤ ዘይፍትሓውነት ክንርኢ ኸለና ይቕረ ምባልና ብኸመይ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ፍትሒ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም ዜንጸባርቕ እውን ክንምሃር ኢና።
ምጕዳል ፍትሒ
3, 4. ናቦት እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ ኣታኽልቲ ወይኑ ንኣከኣብ ምሻጥ ዝኣበየኸ ስለምንታይ እዩ፧
3 ኣብቲ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነቲ ንጉስ ኣከኣብን እታ እክይቲ ሰበይቱ ኢዛቤልን ዚገብርዎ ዝነበሩ ሕማቕ ተግባራት ይስዕቡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ናቦት ንየሆዋ እሙን እዩ ነይሩ። እቶም ኣምለኽቲ በዓል ንየሆዋ ዀነ ንስርዓታቱ ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። ናቦት ግና ካብ ህይወት ንላዕሊ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ።
4 ቀዳማይ ነገስት 21:1-3 ኣንብብ። ኣከኣብ ንናቦት፡ ኣታኽልቲ ወይኑ ኺሸጠሉ ወይ ብኻልእ ዝሓሸ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺልውጦ ምስ ሓተቶ፡ ናቦት ኣበየ። ስለምንታይ፧ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” ኢሉ ብኣኽብሮት ነገሮ። ናቦት ኣታኽልቲ ወይኑ ምሻጥ ወይ ምልዋጥ ዝኣበየ፡ እቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ፡ ርስቲ ነገድ ንሓዋሩ ኸይሽየጥ ይኽልክል ስለ ዝነበረ እዩ። (ዘሌ. 25:23፣ ዘሁ. 36:7) እወ፡ ናቦት ኣረኣእያ የሆዋ እዩ ነይርዎ።
5. ኢዛቤል ንናቦት ዘቕተለቶ ብኸመይ እያ፧
5 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ናቦት ኣታኽልቲ ወይኑ ምሻጥ ምስ ኣበየ፡ ንጉስ ኣከኣብን ሰበይቱን ሕማቕ ተግባር ገበሩ። ንግስቲ ኢዛቤል ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንሰብኣያ ምእንቲ ኽትህቦ፡ ናቦት ብሓሶት ተኸሲሱ ኸም ዚቕተል ገበረት። እሞኸ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧
ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ
6, 7. የሆዋ ፍትሒ ኸም ዚፈቱ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ንኣዝማድን ንፈተውትን ናቦት ኣጸናኒዕዎም ኪኸውን ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧
6 ብኡብኡ፡ የሆዋ ንኤልያስ ናብ ኣከኣብ ለኣኾ። ኤልያስ ከኣ ንኣከኣብ ቀታልን ሰራቕን ምዃኑ ፈረዶ። ውሳነ የሆዋኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣከኣብን ሰበይቱን ደቁን ከምቲ ናቦትን ደቁን እተቐትሉ ኸም ዚቕተሉ ተዛረበ።—1 ነገ. 21:17-25።
7 ኣዝማድን ፈተውትን ናቦት ብሰንኪ እቲ ኣከኣብ ዝፈጸሞ ቕትለት ኣዝዮም ሓዚኖም እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ነቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዘስተብሃለሉን ቀልጢፉ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደሉን ምፍላጦም ኣጸናኒዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ እቲ የሆዋ ዝሃቦ ፍርዲ ዘጋጠመ ነገር ንትሕትናኦምን ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ትውክልትን ፈቲንዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
8. ኣከኣብ ንመልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧
8 ኣከኣብ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፈረዶ ኸቢድ ፍርዲ ምስ ሰምዐ፡ “ክዳውንቱ ቐደደ፡ ሰብነቱ ብማቕ ከደነ፡ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ደቀሰ፡ ጕህዩ ድማ ይኸይድ ነበረ።” እወ፡ ኣከኣብ ርእሱ ኣትሓተ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ የሆዋ ንኤልያስ፡ “ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ነቲ መዓት ብዘመኑ ኣይከምጽኦን እየ“ በሎ። (1 ነገ. 21:27-29፤ 2 ነገ. 10:10, 11, 17) እቲ “ንልቢ ዚምርምሮ” የሆዋ ንኣከኣብ እተወሰነ ምሕረት ኣርኣዮ።—ምሳ. 17:3።
ትሕትና ተዕቍብ
9. ትሕትና ንኣዝማድን ንፈተውትን ናቦት ዕቝባ ኽትኰኖም እትኽእል ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧
9 ኣዝማድን ፈተውትን ናቦት፡ ስድራ ቤት ኣከኣብ ሽዑሽዑ ኸም ዘይቅጽዑ ምስ ፈለጡ እንታይ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል፧ እዚ ንእምነቶም ፈቲንዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ትሕትና ግና ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘይዕምጽ ብምትእምማን ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬምልኹ ሓጊዛቶም ክትከውን ትኽእል እያ። (ዘዳግም 32:3, 4 ኣንብብ።) ኣብ መጻኢ፡ የሆዋ ንጻድቃን ምስ ኣተንስኦም፡ ናቦትን ደቁን ስድራ ቤታቶምን ፍጹም ፍትሒ ኺረኽቡ እዮም። (እዮ. 14:14, 15፣ ዮሃ. 5:28, 29) “ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብሪ፡ እንተላይ ንዅሉ ሕቡእ ነገር፡ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ፡ ኪፈርዶ እዩ።” ትሑት ሰብ ድማ ነዚ ይዝክር እዩ። (መክ. 12:14) እወ፡ የሆዋ ኺፈርድ ከሎ፡ ንዓና ዘይርኣየና ነገራት ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ስለዚ፡ ትሑታት ምዃንና መንፈሳውነትና ኸይነጥፍእ ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ።
10, 11. (ሀ) ነቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ስምዒት ኪፍትን ዚኽእል ኵነታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ትሕትና እተዕቍበና በየናይ መገድታት እያ፧
10 ሽማግለታት ዘይተረድኣካ ወይ ዘይትሰማምዓሉ ውሳነ ምስ ዚገብሩ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ንኣብነት፡ ንስኻ ወይ ሓደ እትፈትዎ ሰብ ንዝነበረኩም ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት እንተ ስኢንኩም እንታይ ኢኻ እትገብር፧ መጻምድትኻ፡ ውሉድካ ወይ ከኣ እትቐርቦ ሰብ እንተ ተወጊዱ፡ ንስኻ ድማ ነቲ ውገዳ ዘይትሰማምዓሉ እንተ ዄንካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሓደ ኣባሲ ዘይግብኦ ምሕረት ከም ዝረኸበ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብ የሆዋን ኣብ ውድባዊ መሰናድዎኡን ዘሎና እምነት ኪፍትን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ ትሕትና ኸተዕቍበካ እትኽእል ብኸመይ እያ፧ ክልተ መገዲ እስከ ንርአ።
11 ቀዳማይ፡ ትሕትና ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምሉእ ሓበሬታ ኺህልወና ኸም ዘይክእል ክንግንዘብ 1 ሳሙ. 16:7) ነዚ ዘይከሓድ ሓቂ ምፍላጥና፡ ትሑታት ክንከውንን ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኽንእመንን ኣረኣእያና ኸነዕርን ኪሕግዘና እዩ። ካልኣይ፡ ትሕትና፡ የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክሳዕ ዜዐርዮ ብትዕግስትን ብተኣዛዝነትን ክንጽበ ትሕግዘና። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ “ነቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርሁስ፡ . . . ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም እፈልጥ እየ። ንእኩይ ግና፡ ንኣምላኽ ስለ ዘይፈርሆ፡ ጽቡቕ ኣይኰነሉን እዩ፣ . . . መዓልትታቱ እውን ኣየንውሕን እዩ” ይብለና። (መክ. 8:12, 13) ስለዚ፡ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ንጠቅም ኢና።—1 ጴጥሮስ 5:5 ኣንብብ።
ትድርኸና እያ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝፈለጥና ንፍለጥ፡ የሆዋ ጥራይ እዩ ምሳልያዊ ልቢ ሰብ ኬንብብ ዚኽእል። (ግብዝና
12. ብዛዕባ ኣየናይ ጸብጻብ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧
12 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዝነበሩ ክርስትያናት ትሑታትን ይቕረ በሃልትን እንተ ዀይኖም ዚፍትን ኵነታት ኣጋጢምዎም ነበረ። ነቲ ዘጋጠሞም ኵነታት ንርአ እሞ፡ ነቲ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ዘሎና ኣረኣእያ ንመርምር። ይቕረ ምባል ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ፍትሒ ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ዝያዳ ኽንርዳእ ድማ ኪሕግዘና እዩ።
13, 14. ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ረኺቡ ነይሩ፧ ትብዓት ዘርኣየኸ ብኸመይ እዩ፧
13 ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉጥ ሽማግለ እዩ ነይሩ። ናይ ቀረባ ዓርኪ የሱስ ከኣ እዩ ነይሩ። ዓብዪ ሓላፍነታት እውን ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 16:19) ንኣብነት፡ ብ36 ድ.ክ. ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስን ንዅሎም ቤተ ሰቡን ብስራት ኬበስሮም ፍሉይ መሰል ረኺቡ ነይሩ እዩ። ቆርኔሌዎስ ካብቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ስለ ዝነበረ፡ ጴጥሮስ ፍሉይ መሰል እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ። ቆርኔሌዎስን ቤተ ሰቡን መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ጴጥሮስ፡ “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧” በለ።—ግብ. 10:47።
14 ብ49 ድ.ክ. እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ እምነቶም ናብ ክርስትና ዝቐየሩ ኣህዛብ ኪግዘሩ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኺዛተዩ ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ድማ፡ ጴጥሮስ ነቶም ኣሕዋት፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት እቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ መንፈስ ቅዱስ ከም እተቐበሉ ብትብዓት ኣዘኻኸሮም። እቲ ዝሃቦ ናይ ዓይኒ ምስክርነት፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ውሳነ ኺገብር ሓጊዝዎ እዩ። (ግብ. 15:6-11, 13, 14, 28, 29) ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ብትብዓት ምግላጹ ኻብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ንዝዀኑ ክርስትያናት ባህ ኣቢልዎም ኪኸውን ኣለዎ። በዚ መንፈሳዊ ብስለት ዝነበሮ ሰብኣይ ምትእምማን ክሳዕ ክንደይ ኰን ቀሊል እዩ ነይሩ!—እብ. 13:7።
15. ጴጥሮስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኸሎ እንታይ ጌጋ እዩ ገይሩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
15 ድሕሪ እቲ ብ49 ድ.ክ. እተገብረ ኣኼባ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጴጥሮስ ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኸደ። ኣብኡ ድማ ምስቶም ካብ ኣህዛብ ዝነበሩ ኣሕዋት ብዘይ ስክፍታ ይሓብር ነበረ። ንሳቶም ከኣ ካብ ፍልጠትን ተመክሮን ጴጥሮስ ከም እተጠቕሙ ርዱእ እዩ። ጴጥሮስ ሃንደበት ምሳታቶም ምብላዕ ምስ ሓደጎ ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሰምቢዶምን ጕህዮም ይዀኑ። ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ፡ እንተላይ ባርናባስ እውን ብጌጋ ኣስኣሰር ጴጥሮስ ስዒቦም ነበሩ። እቲ ብስለት ዝነበሮ ክርስትያን ሽማግለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነታ ጉባኤ ኪኸፋፍል ዚኽእል ግጉይ ውሳነ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ብቓላት ወይ ብተግባራት ሓደ ሽማግለ
ኽንጕዳእ ከለና፡ ካብቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ጌጋ እንታይ ንምሃር፧16. ጴጥሮስ እተኣረመ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ሕቶታትከ እዩ ዚልዓል፧
16 ገላትያ 2:11-14 ኣንብብ። ጴጥሮስ ብፍርሂ ሰብ እዩ ተሰኒፉ። (ምሳ. 29:25) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ብዓይኑ ርእዩ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ዝመጹ እተገዝሩ ኣይሁድ ከይዕዘብዎ ፈሪሁ ነበረ። እቲ ኣብቲ ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተኻየደ ኣኼባ ተኻፊሉ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ፡ ንግብዝና ጴጥሮስ ብግህዶ ኣቃልዖ። (ግብ. 15:12፣ ገላ. 2:13) እሞኸ እቶም በቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ዘይፍትሓዊ ተግባር እተጸልዉ ኻብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧ ብተግባር ጴጥሮስ ኪዕንቀፉ ነይርዎምዶ፧ ጴጥሮስከ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ጌጋ ነቲ ዝነበሮ ፍሉይ መሰላት ኪስእኖ ይግባእ ነይሩ ድዩ፧
ይቕረ በሃሊ ኹን
17. ጴጥሮስ ካብ ይቕረታ የሆዋ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧
17 ጴጥሮስ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መአረምታ ብትሕትና ተቐቢልዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝነበሮ ፍሉይ መሰላት ከም ዝሰኣነ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣይነግረናን እዩ። ወረግ ጸኒሑስ ነተን ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና ኽልተ መልእኽቲ ኺጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ እዩ። ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ድማ ንጳውሎስ፡ “ፍቑር ሓውና” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:15) እቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ጌጋ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ኣባላት ጉባኤ ጐዲእዎም ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ንጴጥሮስ ብቐጻሊ ተጠቒሙሉ እዩ። (ኤፌ. 1:22) ስለዚ፡ እቶም ኣባላት ጉባኤ ንየሱስን ንኣቦኡን ብምምሳል ንጴጥሮስ ይቕረ ኺብሉሉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ነይሩ እዩ። እቲ ዘይፍጹም ሰብ ብዝገበሮ ጌጋ ኸም ዘይተዓንቀፉ ድማ ተስፋ ንገብር።
18. ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢና ፍትሒ የሆዋ ኸነንጸባርቕ ዘሎና፧
18 ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተሸሙ ሽማግለታት ፍጹማት ዘይነበሩ፡ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚሽየሙ ሽማግለታት እውን ፍጹማት ኣይኰኑን። “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።” (ያእ. 3:2) ነዚ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ዘይፍጽምና ኣሕዋትና ብብሕቲ ኺጸልወና ኸሎ ንምቕባሉ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ ከምኡ ምስ ዜጋጥመና ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ፍትሒ ዘለዎ ኣረኣእያ ነንጸባርቖ ዲና፧ ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ኣድልዎ ዜንጸባርቕ ዘረባ እንተ ተዛሪቡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሓደ ሽማግለ ብገርሁ ዜቐይመካ ወይ ዚጐድኣካ ዘረባ እንተ ተዛሪቡ፡ ብእኡ ትዕንቀፍ ዲኻ፧ እቲ ሓው ሽማግለ ኪኸውን ከም ዘይበቅዕ ትድምድም ዲኻ ወይስ እቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ስጕምቲ ኺወስድ ብትዕግስቲ ትጽበ ኢኻ፧ እቲ ሓው ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ከም ዘገልገለ ብምዝካር፡ ነቲ ጕዳይ ኣስፊሕካ ትሓስበሉ ዲኻ፧ እቲ ዝበደለካ ሓው ሽማግለ ዀይኑ ምግልጋል እንተ ቐጺሉ ወይ ካልእ ተወሳኺ ሓላፍነት እንተ ረኺቡ፡ ምስኡ ትሕጐስ ዲኻ፧ ይቕረ ምባልካ፡ ብዛዕባ ፍትሒ ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘሎካ ኼንጸባርቕ ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 6:14, 15 ኣንብብ።
19. እንታይ ክንገብር ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧
19 ፍትሒ ዚፈትዉ ሰባት ነታ የሆዋ ንዅሉ እቲ ሰይጣንን እቲ እኩይ ስርዓቱን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘምጽእዎ ዘይፍትሓውነት ምሉእ ብምሉእ ዜወግደላ መዓልቲ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዋ። (ኢሳ. 65:17) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኵላትና ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ብትሕትና ተኣሚንና ንዝበደሉና ይቕረ ብምባል ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ፍትሒ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸነንጸባርቕ ንጽዓር።