ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

“ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ።”—ምሳ. 11:2

መዝሙር፦ 33, 88

1, 2. ኣምላኽ ነቲ ሓደ ግዜ ትሑት ዝነበረ ሰብኣይ ዝነጸጎ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሳኦል፡ ኣብ መጀመርታ ግዝኣቱ ትሑትን ዚኽበርን ሰብ ነበረ። (1 ሳሙ. 9:1, 2, 21፣ 10:20-24) ንጉስ ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ብተኸታታሊ ተዳፈረ። እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ነብዪ ሳሙኤል ኣብቲ ምዱብ ግዜ ናብ ጊልጋል ከይመጸ ምስ ተረፈ፡ ሳኦል ብትዕግስቲ ኺጽበ ኣይከኣለን። ፍልስጥኤማውያን ንውግእ ይዳለዉ ነበሩ፡ እስራኤላውያን ከኣ ንሳኦል ራሕሪሖምዎ ይኸዱ ነበሩ። ሳኦል ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ‘ቀልጢፈ ገለ ስጕምቲ ኽወስድ ኣሎኒ’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዘይተፈቕደሉ መስዋእቲ ንኣምላኽ ኣቕረበ። የሆዋ በዚ ኣይተሓጐሰን።—1 ሳሙ. 13:5-9

2 ሳሙኤል ናብ ጊልጋል ምስ መጸ፡ ንሳኦል ገንሖ። ሳኦል ግና ነቲ እተዋህቦ መግናሕቲ ኣብ ክንዲ ዚቕበል፡ ኬመኽንን ንጌጋኡ ኸነኣእስን ፈተነ። (1 ሳሙ. 13:10-14) እቲ ንግስናኡ ዘጥፍኣሉ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ሞገስ የሆዋ ዝሰኣነሉ ተኸታታሊ ፍጻመታት ዝጀመረ ኸኣ በዚ ኸምዚ እዩ። (1 ሳሙ. 15:22, 23) ሳኦል ጽቡቕ ኣጀማምራ እኳ እንተ ነበሮ፡ መወዳእታኡ ግና ባህ ዜብል ኣይነበረን።—1 ሳሙ. 31:1-6

3. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ትሕትና እንታይ እዮም ዚሓስቡ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት እዩ መልሲ ዜድልዮ፧

3 ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ውድድር ዝበዝሓ ዓለም፡ ሓያሎ ሰባት ካብ ካልኦት በሊጾም ኪርኣዩ ኸም ዘለዎም ይስምዖም እዩ። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ድማ ትሕትናኦም ትጠፍእ እያ። ንኣብነት፡ ሓደ ጸኒሑ ፖለቲከኛ ዝዀነ ውሩይ ተዋሳኣይ፡ “ትሕትና ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንዓይ እትምልከት ባህርይ ኣይኰነትን፣ ንዚመጽእ እውን ተስፋ እገብር፡ ፈጺማ ኣይክትምልከተንን እያ” በለ። ግናኸ፡ ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ትሕትና እንታይ እያ፧ እንታይከ ኣይኰነትን፧ በዳሂ ዅነታት ወይ ጸቕጢ እናኣጋጠመና እውን ከይተረፈ፡ ብትሕትና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነተን ቀዳሞት ክልተ ሕቶታት ክንምልሰን ኢና። እታ ሳልሰይቲ ሕቶ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክትምለስ እያ።

ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

4. ድፍረት እንታይ እዩ፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትና ምስ ድፍረት ተነጻጺራ ኣላ። (ምሳሌ 11:2 ኣንብብ።) ዳዊት፡ “ንጊልያኻ ድማ ካብ ድፍረት ሓልዎ” ብምባል ንየሆዋ ለሚንዎ እዩ። (መዝ. 19:13) ድፍረት እንታይ እዩ፧ ድፍረት ኪብሃል ከሎ፡ ብሃወኽ ወይ ብድርቅና ዘይምልከተካ ነገር ምግባር ማለት እዩ። ኵላትና ብምኽንያት ዝወረስናዮ ሓጢኣት፡ ሓድሓደ ግዜ ድፍረት ነርኢ ኢና። ግናኸ፡ ኣብ ንጉስ ሳኦል ከም እተራእየ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘይምልከተና ጕዳይ ደፊርና ስጕምቲ ንወስድ እንተ ዄንና፡ ውዒልና ሓዲርና ምስ ኣምላኽ ክንብኣስ ኢና። ኣብ መዝሙር 119:21፡ የሆዋ ‘ንተዳፈርቲ ኸም ዚገንሖም’ ተገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይከ እዩ ዝገንሖም፧

5. ድፍረት ከቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ድፍረት ካብቲ ብግርህነትካ እትገብሮ ጌጋታት ይኸብድ። ቀዳማይ፡ ክንዳፈር ከለና፡ ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛኢና መጠን ኣይነኽብሮን። ካልኣይ፡ ኣብ ዘይምልከተና ጕዳይ ኣቲና ስጕምቲ ኽንወስድ ከለና፡ ምስ ካልኦት ምብኣስና ዘይተርፍ እዩ። (ምሳ. 13:10) ሳልሳይ፡ ከም እተዳፈርና እንተ ተፈሊጡ ኽንሓፍር ወይ ክንዋረድ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 14:8, 9) እወ፡ ድፍረት ጽቡቕ ውጽኢት የብሉን። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ እታ ቕንዕቲ መገዲ ወትሩ ትሕትና እያ።

ትሕትና እንታይ ተጠቓልል፧

6, 7. ትሕትና እንታይ ተጠቓልል፧

6 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትሕትና ኻብ ትዕቢት ወይ ትምክሕቲ ናጻ ምዃን ተመልክት። (ፊል. 2:3) ሓደ ትሑት ሰብ ክእለቱን ኪዓምሞ ዚኽእል ነገራትን ብልክዕ ኪግምግም፡ ጌጋታቱ ኺእመን፡ ርእይቶታትን ሓድሽ ሓሳባትን ድማ ኪቕበል ይኽእል እዩ። ትሕትና ንየሆዋ ኣዝያ እተሐጕስ ባህርይ እያ።

7 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትሕትና ንርእስና ብግቡእ ምግምጋምን ዓቕምና ምፍላጥን እውን ተመልክት እያ። እቲ በቲ በዅሪ ቛንቋ እተዳለወ ጽሑፍ ከኣ፡ ዓቕምና ምፍላጥና ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልወና ዜጕልሕ እዩ ዚመስል።

8. ገለ ኻብቲ ናይ ድፍረት ኣተሓሳስባ ወይ ጠባይ ነማዕብል ከም ዘለና ዚሕብር ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት እንታይ እዩ፧

8 ናይ ድፍረት ኣተሓሳስባ ኸነማዕብል እንኽእል መዓስ ኢና፧ ገለ ኻብቲ ሒደት ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት እስከ ንመርምር። ብዛዕባ ርእስና ወይ ብዛዕባ እቲ እተዋህበና ፍሉይ መሰላት ልዕል ኣቢልና ንሓስብ ንኸውን። (ሮሜ 12:16) ብዘይግቡእ መገድታት ናብ ርእስና ትዅረት ንስሕብ ንኸውን። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ወይ ከኣ፡ ኣብ ዘሎና ቦታ፡ ዝምድና፡ ወይ ውልቃዊ ኣተሓሳስባና ተመርኲስና ጥራይ ተሪር ርእይቶ ንህብ ንኸውን። (1 ቈረ. 4:6) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምዚ ኽንገብር ከለና፡ ካብ ትሕትና ናብ ድፍረት ንሰጋገር ምህላውና እውን ኣይነስተብህልን ንኸውን።

9. ንገሊኦም ናብ ድፍረት ዚመርሖም እንታይ እዩ፧ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ሃብ።

9 ዝዀነ ይኹን ሰብ ብስጋዊ ትምኒት ኪስነፍ እንተ ፈቒዱ፡ ድፍረት ኬማዕብል ይኽእል እዩ። ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ዘተኰረ ህርፋንን ቅንእን ቍጥዓን ንሓያሎ ሰባት ከም ዚዳፈሩ ገይርዎም እዩ። ከም ኣቤሴሎምን ዑዝያን ነቡካድነጻርን ዝኣመሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብሪ ስጋ ብምውዳቕ ስለ እተዳፈሩ፡ የሆዋ ኣዋሪድዎም እዩ።—2 ሳሙ. 15:1-6፣ 18:9-17፣ 2 ዜና 26:16-21፣ ዳን. 5:18-21

10. ንሰባት እንታይ ድራኸ ኸም ዘለዎም ክንፈርድ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ሃብ።

10 ንገሊኦም ትሕትና ኸየርእዩ ዕንቅፋት ዝዀኖም ካልእ ምኽንያታት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 20:2-7ን ኣብ ማቴዎስ 26:31-35ን ዚርከብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ንርአ። ኣቢሜሌክን ጴጥሮስን ተዳፊሮም ድዮም፧ ወይስ ህድእ ኢሎም ስለ ዘይሓሰቡ ወይ ንዅሉ እቲ ሓቅታት ስለ ዘይፈለጥዎ ደዀን ይኸውን፧ ልቢ ኸነንብብ ስለ ዘይንኽእል፡ ንሰባት እንታይ ድራኸ ኸም ዘለዎም ክንፈርድ የብልናን።—ያእቆብ 4:12 ኣንብብ።

ቦታና ምፍላጥ

11. ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘሎና ቦታ ምፍላጥና ምስ ትሕትና ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

11 ሓደ ትሑት ሰብ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ይፈልጥ እዩ። የሆዋ፡ ኣምላኽ ስርዓት ስለ ዝዀነ፡ ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ቤቱ ቦታ ወይ ግደ ሂቡና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ጉባኤ ነናቱ ቦታ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኵላትና ተደለይቲ ኢና። የሆዋ ብጸጋኡ ንነፍሲ ወከፍና ህያብ፡ ክእለት፡ ተውህቦ ለጊሱልና እዩ። ነዚ ኸኣ ንኽብሪ የሆዋን ንረብሓ ኻልኦትን ክንጥቀመሉ ይግባእ። (ሮሜ 12:4-8) የሆዋ ኣመሓደርቲ ኽንከውን ሕድሪ ስለ ዝሃበና፡ ንሓላፍነትና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይጽበየና እዩ።1 ጴጥሮስ 4:10 ኣንብብ።

ኣብ ሓላፍነትና ለውጢ ምስ ዜጋጥመና፡ ካብቲ የሱስ ዝሰርዓልና ኣብነት እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-14 ርአ)

12, 13. ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘሎና ቦታ ሓሓሊፉ ምስ ዚቕየር ኪድንጽወና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

12 ይኹን እምበር፡ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘሎና ቦታ ቐዋሚ ኣይኰነን። ሃንደበት ኪቕየር ይኽእል እዩ። ኣብነት የሱስ ንርአ። የሱስ ፈለማ ምስ የሆዋ ንበይኑ እዩ ዚነብር ነይሩ። (ምሳ. 8:22) ድሕሪኡ፡ መንፈሳውያን ፍጡራት፡ ዩኒቨርስ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ደቂ ሰብ ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ኣብቲ ዕዮ ሓጊዙ እዩ። (ቈሎ. 1:16) ድሕሪኡ ኸኣ፡ ናብ ምድሪ ብምምጻእ፡ ሕጻን ኰይኑ ተወሊዱ፡ ዓብዩ ድማ እኹል ሰብ ኰይኑ እዩ። (ፊል. 2:7) መስዋእታዊ ሞት ድሕሪ ሙማቱ ኸኣ፡ ብ1914 ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺነግስ፡ መንፈሳዊ ህይወት ሒዙ ናብ ሰማይ ተመልሰ። (እብ. 2:9) ንሽሕ ዓመት ምስ ገዝአ ኸኣ፡ “ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን” ነታ መንግስቲ ንየሆዋ ኺመልሰሉ እዩ።—1 ቈረ. 15:28

13 ንሕና እውን ኣብ ህይወትና ብዙሕ ለውጢ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እቲ እንገብሮ ብሕታዊ ውሳነታት፡ እተዋህበና ሓላፍነት ኪቕየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንጽል ኴንካ ኸተገልግል ድሕሪ ምጽናሕካ፡ ተመርዒኻ ዲኻ፧ ቈልዑ ወሊድካ ዲኻ፧ ድሕሪ ገለ ግዜያት፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትሳተፍ ናብራኻ ኣቕሊልካ ዲኻ፧ እዚ ውሳነታት እዚ፡ ፍሉይ መሰላትን ሓላፍነታትን የምጽእ እዩ። ኵነታትና ኺልወጥ ከሎ፡ ሓላፍነት ክንውስኽ ወይ ክንንኪ ንኽእል ኢና። መንእሰይ ዲኻ ወይስ ብዕድመ ዝደፋእኻ፧ ብጥዕናኸ ኸመይ ኢኻ፧ ድልዱል ዲኻ ወይስ እኹል ዓቕሚ ዘይብልካ፧ የሆዋ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣገልግሎቱ ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ኸነገልግል ከም እንኽእል ወትሩ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣይጽበየናን እዩ፡ በቲ እንገብሮ ዘበለ ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ።—እብ. 6:10

14. ትሕትና ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ሕጉሳትን ዕጉባትን ኴንና ኽንነብር እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

14 የሱስ ብዅሉ እቲ እተዋህቦ ዕዮ ሕጉስ እዩ ነይሩ፣ ንሕና እውን ብዕዮና ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 8:30, 31) ትሑት ሰብ በቲ ኣብ ጉባኤ እተዋህቦ ዕዮ ወይ ሓላፍነት ይዓግብ እዩ። ኣብ ዚመጽእ ፍሉይ መሰላት ኪረክብ ወይ ካልኦት ብዛዕባ ዚገብርዎ ነገራት እውን ኣይጭነቕን እዩ። ንሓላፍነቱ ኻብ የሆዋ ኸም እተዋህቦ ገይሩ እዩ ዚርእዮ፡ ይሕጐሰሉን ይዓግበሉን እዩ። ምስናይዚ እውን ነቲ የሆዋ ንኻልኦት ዝሃቦም ሓላፍነት ወይ ቦታ ኻብ ልቡ የኽብሮ እዩ። ትሕትና ንሰባት ተሓጒስና ዜድልዮም ክብርን ደገፍን ክንህቦም ትሕግዘና እያ።—ሮሜ 12:10

ትሕትና እንታይ ኣይኰነትን፧

15. ካብ ትሕትና ጊዴዎን እንታይ ንምሃር፧

15 ጊዴዎን ብትሕትና ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። መልኣኽ የሆዋ ምስ ተራእዮ፡ “እንዳይ ካብ ምናሴ ዝነኣሰ እዩ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ” ብምባል ብዛዕባ መበቈሉን ድሕረ ባይታኡን ብትሕትና ተኣመነ። (መሳ. 6:15) ኣብ የሆዋ ተኣሚኑ ዕዮኡ ምስ ተቐበለ ድማ፡ ካብኡ እንታይ ብቕዓት ከም ዚድለ ኣረጋገጸ፡ መምርሒ የሆዋ ኺረክብ ከኣ ለመነ። (መሳ. 6:36-40) ጊዴዎን ተባዕን ቈራጽን እኳ እንተ ነበረ፡ ጥንቁቕን ጐራሕን እውን እዩ ነይሩ። (መሳ. 6:11, 27) ነቲ እተዋህቦ ዕዮ፡ ተፈላጥነት ንምርካብ ኣይተጠቕመሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕዮኡ ምስ ፈጸመ፡ ብሓጐስ ናብ ናይ ቀደም ቦታኡ ተመልሰ።—መሳ. 8:22, 23, 29

16, 17. ሓደ ትሑት ሰብ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ብዛዕባ ምግባር ኪሓስብ ከሎ፡ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ፧

16 ትሑት ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ተወሳኺ መሰል ኣገልግሎት ንምርካብ ክንመጣጠር የብልናን ወይ ፍሉይ መሰል ምስ ዚውሃበና ኽንቅበሎ የብልናን ማለት ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት ዕቤት ክንገብር የተባብዓና እዩ። (1 ጢሞ. 4:13-15) እዚ ግና ወትሩ ሓላፍነትና ምቕያር ዚሓትት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓላፍነትና ምቕያር ከየድለየ ብሓገዝ የሆዋ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኽእለታት ብቐጻሊ ኸነማዕብሎን ወትሩ ሰናይ ተግባራት ክንገብርን ንኽእል ኢና።

17 ሓደ ትሑት ሰብ ሓድሽ ሓላፍነት ቅድሚ ምቕባሉ፡ ካብኡ እንታይ ብቕዓት ከም ዚድለ ኪፈልጥ ይጽዕር እዩ። ድሕሪኡ፡ ኵነታቱ ብቕንዕና ይግምግም። ንኣብነት፡ ካልእ ኣገዳሲ ነገራት ዕሽሽ ከይበለ፡ ዝያዳ ዕዮ ወይ ሓላፍነት ኪቕበል ይኽእል ድዩ፧ ነቲ እተዋህቦ ሓድሽ ሓላፍነት ግዜ ምእንቲ ኺረኽበሉ፡ ንገለ ኻብ ዕዮኡ ንኻልኦት ኬካፍሎም ይኽእል ድዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ፡ ንሓዲኡ ወይ ንኽልቲኡ ዚህቦ ምላሽ “ኣይፋል” እንተደኣ ዀይኑ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ ሓላፍነት ብዝሓሸ መገዲ ኺስከሞ ዚኽእል ምናልባት ካልእ ሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዅነታትና ብጸሎትን ብቕንዕናን ምምርማርና፡ ልዕሊ ዓቕምና ኸይንመጣጠር ይሕግዘና። ትሕናትና “ኣይፋል” ክንብል ትሕግዘና እያ።

18. (ሀ) ሓድሽ ዕዮ ወይ ሓላፍነት ኪውሃበና ኸሎ፡ ትሕትና እንታይ ክንገብር እያ እትድርኸና፧ (ለ) ሮሜ 12:3 ንሓደ ትሑት ሰብ እተመልክት ብኸመይ እያ፧

18 እቲ ጊዴዎን ዝሰርዓልና ኣብነት፡ ሓድሽ ሓላፍነት ክንቅበል ከለና ብዘይ መምርሕን በረኸትን የሆዋ ኽንዕወት ከም ዘይንኽእል የዘኻኽረና። ‘ምስ ኣምላኽና ብትሕትና ኽንመላለስ’ እውን ተዓዲምና ኢና። (ሚክ. 6:8) ስለዚ፡ ሓድሽ ሓላፍነት ክንቅበል ከለና፡ ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዚነግረና ነገራት ብጸሎት ክንሓስበሉ ኼድልየና እዩ። ነቲ ዘይጽኑዕ ስጕምትታትና ምስቲ ጽኑዕ መምርሒ የሆዋ ብኸመይ ከም እነሰማምዖ ኽንፈልጥ ኣሎና። ‘ዜዕብየና’ ትሕትና የሆዋ ደኣ እምበር፡ ክእለትና ኸም ዘይኰነ ኣይንረስዕ። (መዝ. 18:35) ስለዚ፡ ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ኽንመላለስ ምምራጽና፡ ብዛዕባ ርእስና ኣዕዚዝና ወይ እምብዛ ኣትሒትና ኸይንሓስብ ይሕግዘና እዩ።ሮሜ 12:3 ኣንብብ።

19. ስለምንታይ ኢና ትሕትና ኸነማዕብል ዘሎና፧

19 የሆዋ ፈጣሪናን ልዑላዊ ገዛኢናን ስለ ዝዀነ፡ ሓደ ትሑት ሰብ ንየሆዋ እቲ ዚግብኦ ኽብሪ ይህቦ እዩ። (ራእይ 4:11) ትሕትና በቲ ኣብ ስርዓት የሆዋ እተዋህበና ቦታ ኽንዓግብን ውጽኢታውያን ክንከውንን ትሕግዘና። ትሕትና ንስምዒትን ርእይቶን ካልኦት ከነኽብርን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ከነስፍንን ትሕግዘና። ትሕትና ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ኽንርእዮም ትድርኸና፡ ጥንቁቓት ክንከውን ተተባብዓና፡ ከቢድ ጌጋታት ካብ ምፍጻም ከኣ ትሰትረና። በዚ ምኽንያታት እዚ፡ ትሕትና ንህዝቢ ኣምላኽ እተገድሶም ባህርይ እያ፣ የሆዋ ኸኣ ነቶም ዜማዕብልዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ጸቕጢ ኼጋጥመና ኸሎኸ ትሑታት ኴንና ኽንመላለስ ንኽእል ዲና፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ብኸመይ ብትሕትና ኽንመላለስ ከም እንኽእል ከተብርሃልና እያ።