ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2017 | ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም
እንታይ ይመስለካ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዘመንና ግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፡ ወይስ ገና ጠቓሚ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ . . . ዚጠቅም እዩ” ይብል።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17።
እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ተጕልሕ፣ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ኽትጥቀም ዚሕግዝ ርእይቶታት ድማ ተቕርብ።
ገበር
ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስን ተክኖሎጅን ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን እተፈላለየ ኣቀራርባታትን ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ሰሓቢ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!
ኢቮን ኵዋሪ ሓደ እዋን፡ ‘ንምንታይ እየ ተፈጢረ፧’ ኢላ ሓተተት። እቲ ዝረኸበቶ ምላሽ ድማ ንህይወታ ቐየሮ።
ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’
ስድራ ቤት እትኣሊ ወይ ከኣ ቅኑዕ ምዃኑ ንእትኣምነሉ ነገር ጽኑዕ መትከል ኪህልወካ እትቃለስ ሰብ እንተ ዄንካ፡ ካብ እምነት ሄኖክ ብዙሕ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ።
ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ጥራይ ድዩ፧
መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ግጉይ ምርዳእ ኪህልወካ የብሉን። እሞኸ ብኸመይ ኢኻ ኽትርድኦ እትኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠንቂ መከራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መከራ ብኸመይ ከም ዜብቅዕ እውን ይገልጽ እዩ።
ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኣሎዶ፧
ገሊኡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዚመስል ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስን ትርጉሙ ንምንጻር ዚሕግዝ ስርዓታትን መርምር።