ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ኣበይ ኢኻ ዜተኣማመን መምርሒ ኽትረክብ እትኽእል፧

ሎሚ ኣበይ ኢኻ ዜተኣማመን መምርሒ ኽትረክብ እትኽእል፧

ኣብዛ ብፍጥነት እትለዋወጥ ዘላ ዓለም፡ እቲ እትገብሮ ውሳነታት ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜምጽእ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ እቲ ሎሚ ቕኑዕ ጌርካ ዚርአ ዘሎ፡ ጽባሕ ጌጋ ኸም ዘይከውን ብኸመይ ኽትተኣማመን ትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትጠዓሰሉ ውሳነታት ክትገብር ይሕግዘካ እዩ። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኻብ ፈጣሪና እዩ፣ ፈጣሪና ኸኣ ናይ ሓቂ ሓጐስን ቅሳነትን ብኸመይ ከም እንረክብ ይፈልጥ እዩ።

“ንሱ ጽቡቕ ዘበለ ነጊሩካ ኣሎ።” —ሚክያስ 6:8

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ “ሕጅን ንዘለኣለምን ዜተኣማምን እዩ።”—መዝሙር 111:8

እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ ተለዋዋጢት ዓለም ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትምርምር፧