ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧

ኪሕተት ዚግባእ ክልተ ሕቶ

ኪሕተት ዚግባእ ክልተ ሕቶ

1 ህይወት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይብሉ፧ ህይወት ካብ ዘይህይወታዊ ነገር ብሃንደበት እዩ መጺኡ።

ገሊኦም ሰባት፡ እዚ መልሲ እዚ ዘይወሓጠሎም ስለምንታይ እዩ፧ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዛዕባ ስነ ቕመምን ቅርጺ ሞለኵዩል ህይወትን እኳ እንተ ፈለጡ፡ ህይወት እንታይ ምዃኑ ግና ክሳዕ ሎሚ ብርግጽ ኪሕብሩ ኣይከኣሉን። ዘይህይወታውያን ነገራት ካብታ ዘይተሓላለኸት ህያው ዋህዮ እውን እንተ ዀነ ዚፈልዮም ዓብዪ ጋግ ኣሎ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ቢልዮናት ዓመታት ኣብ ምድሪ ዝነበረ ዅነታት፡ ግምታዊ ሓሳብ ጥራይ እዮም ኪህቡ ዚኽእሉ። ብዛዕባ ኣጀማምራ ህይወት እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፣ ንኣብነት፡ ህይወት ብእሳተ ጎመራ ድዩ ጀሚሩ ወይስ ኣብ ባይታ ውቅያኖስ ኣይሰማምዑን እዮም። ገሊኦም ድማ፡ እቲ ህይወት ከም ዚህሉ ዝገበረ ንጥረ ነገራት ኣብዚ ዩኒቨርስና ኣብ ዚርከብ ካልእ ቦታ ምስ ተሰርሐ፡ ብተወንጨፍቲ ኣካላት ኣቢሉ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸ ይኣምኑ። እዚ ግና፡ ነቲ ብዛዕባ ኣጀማምራ ህይወት ዚገልጽ ሕቶ ኣይምልሶን እዩ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ነቲ ጕዳይ ብዝያዳ ኸም ዚኸብድ እዩ ዚገብሮ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነቲ ሎሚ እንፈልጦ ጀነቲካዊ ንጥረ ነገር ዜቝሙ ሞለኵዩላት ከም ዝነበሩ ይግምቱ እዮም። እዞም ሞለኵዩላት እዚኦም፡ ካብ ዘይህይወታውያን ንጥረ ነገራት ብሃንደበት ኪፍጠሩን ገዛእ ርእሶም ኬባዝሑን ከም ዚኽእሉ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሞለኵዩላት ከም ዝነበሩ ዚሕብር ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ ኣይተረኽበን፣ ብዘይካዚ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ከምዚኦም ዓይነት ሞለኵዩላት ኣብ ቤተ ምከራ ኼዳለዉ ኣይከኣሉን።

ህያዋን ነገራት ንሓበሬታ ዚኽዝኑሉን ዚጥቀሙሉ መገዲ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። ዋህዮታት ነቲ ኣብ ውሽጦም ዚርከብ ጀነቲካዊ ኮድ ተጠቒሞም፡ መምርሒታት የመሓላልፉን ይትርጕሙን ይፍጽሙን እዮም። ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነቲ ጀነቲካዊ ኮድ ምስ ናይ ኮምፕዩተር ሶፍትዌር (ወይ ፕሮግራም) የመሳስልዎ፣ ንከሚካዊ ቕርጺ ዋህዮታት ከኣ ምስ ናይ ኮምፕዩተር ሃርድዌር (ወይ ግኡዝ ኣካል እቲ ኮምፕዩተር) የመሳስልዎ። ፍልቀት ግና፡ ንምንጪ እቲ ሓበሬታ ኺገልጾ ኣይኽእልን እዩ።

ሓደ ዋህዮ ብግቡእ ኪዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ሞለኵዩላት ፕሮቲን ኣገደስቲ እዮም። ሓደ ሞለኵዩል ፕሮቲን፡ ብኣማእታት ዚቝጸር ኣሚኖ ኣሲድ ዝሓዘ እዩ፣ እቲ ኣሚኖ ኣሲድ፡ ልክዕ ከም እተፋሕሰ ገመድ፡ መስመሩ ሓልዩ ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሞለኵዩል ፕሮቲን ግቡእ ኣገልግሎት ኪህብ ዚኽእል፡ እተወሰነ ቕርጺ ሒዙ ምስ ዚዕጸፍ ጥራይ እዩ። ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ‘ሓደ ሞለኵዩል ፕሮቲን ብሃንደበት ኪፍጠር ይኽእል እዩ’ ዚብል ሓሳብ፡ ፈጺሙ ዘይከኣል ከም ዝዀነ ደምዲሞም እዮም። ተመራማሪ ፊዚክስ ዝዀነ ፖል ዴቪስ፡ “ሓደ ብዚግባእ ዚሰርሕ ዋህዮ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እተፈላለዩ ዓይነት ፕሮቲን ስለ ዜድልይዎ፡ ብሃንደበት ከም ዝመጸ ጌርካ ምሕሳብ ኪእመን ዚከኣል ኣይኰነን” በለ።

መደምደምታ። ኣብ ኵሉ መዳያት ስነ ፍልጠት ንዓሰርተታት ዓመታት እተገብረ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ህይወት ካብቲ ቕድሚኡ ብህይወት ዝነበረ ነገር ጥራይ እዩ ኺመጽእ ዚኽእል።

 2 ህያዋን ነገራት እናማዕበሉ ዝመጹ ብኸመይ እዮም፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይብሉ፧ እቲ ናይ መጀመርታ ህያው ነገር፡ ቀስ ብቐስ ናብ ካልኦት እተፈላለዩ ዓይነት ህያዋን ነገራት፡ እንተላይ ናብ ሰባት እውን እዩ ማዕቢሉ፣ በቲ ራንደም ምዩቴሽንናቹራል ሰሌክሽንን ዚብሃል መስርሕ ድማ እዩ ኣጋጢሙ፣ እዚ ኸኣ፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓይነት ዓሌት ከም ዚፍጠር ይገብር እዩ ተባሂሉ ዚእመነሉ መስርሕን ተፈጥሮ ዘዝበለጸ ኸም ዚመርጽ ዚገልጽ ክልሰ ሓሳብን እዩ።

ገሊኦም ሰባት፡ እዚ መልሲ እዚ ዘይወሓጠሎም ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኦም ዋህዮታት ካብ ካልኦት ንላዕሊ እተሓላለኹ እዮም። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ዘይተሓላለኸ ዋህዮ ናብ ኣዝዩ እተሓላለኸ ዋህዮ ኺምዕብል ከም ዚኽእል ዚገልጽ ሓሳብ፡ “ካብ መበቈል ህይወት ቀጺሉ ብኻልኣይ ደረጃ ዚልዓል ምስ ፍልቀት ዚተሓሓዝ ዓብዪ ምስጢር እዩ።”

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ፡ ብሓባር ኰይኖም ኣዝዩ እተሓላለኸ ዕዮ ዚዓይዩ ሞለኵላዊ ማሽናት ረኺቦም እዮም፣ እዚኣቶም ከኣ፡ ሞለኵዩላት ፕሮቲን ዝሓቘፉ እዮም። እቲ ዚዓይዎ ዕዮ፡ ምግቢ ምጕዕዓዝን ነቲ ምግቢ ናብ ጕልበት ምቕያርን ንገሊኡ ኽፋላት እቲ ዋህዮ ምጽጋንን ናብ ብምሉኡ እቲ ዋህዮ መልእኽትታት ምብጽጻሕን የጠቓልል። እሞኸ ራንደም ምዩቴሽንናቹራል ሰሌክሽንን ንኸምዚ ዓይነት እተሓላለኸ ኽፋላት ገጣጢሙ፡ ብግቡእ ከም ዚዓዪ ኺገብሮ ይኽእልዶ፧ ብዙሓት ሰባት ነዚ ኪቕበልዎ ይኸብዶም እዩ።

እንስሳታትን ሰባትን ካብ ሓንቲ ዝጸገየት እንቋቝሖ ጀሚሮም እዮም ዚዓብዩ። ዋህዮታት ኣብ ውሽጢ ማህጸን እናተባሕዙ ምስ ከዱ፡ እተፈላለየ ቕርጺ ይሕዙ እሞ፡ ነናቶም ፍሉይ ዕዮ ኺዓዩ ይጅምሩ፣ እተፈላለየ ኣካላት ሰብነትና ድማ የቝሙ። ፍልቀት ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ፡ ኣብ ሰብነትና እንታይ ከም እትዓይን ኣበየናይ ቦታ ኸም እትኸውንን ብኸመይ ከም እትፈልጥ ኪገልጸልና ኣይኽእልን እዩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ሓደ እንስሳ ናብ ካልእ እንስሳ ኺምዕብል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዋህዮታት፡ ብሞለኵዩላዊ ደረጃ ኺልወጥ ከም ዘለዎ ተገንዚቦም እዮም። እዞም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እዚኦም፡ እቲ “ዝቐለለ” ዚብሃል ዋህዮ እውን እንተ ዀነ ብፍልቀት ኪመጽእ ከም ዚኽእል መርትዖ ኬቕርቡ ዘይከኣሉ ኽነሶም፡ ኣብዛ ፕላኔትና ዘለዉ እተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ብራንደም ምዩቴሽንን ብናቹራል ሰሌክሽንን ከም ዝመጹ ዚገልጽ ሓሳብ ኪወሓጠልካ ይኽእልዶ፧ ፕሮፌሰር ስነ ህይወታዊ ስነ ፍልጠት ዝዀነ ማይክል ቢሂ፡ ብዛዕባ ቕርጺ እንስሳታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ዘይተጸበናዮን ዜደንቕን ሕልኽላኻት እኳ [ብምርምር] እንተ ረኸብና፡ እቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ንድፊ፡ ብኸመይ ምስትውዓል ብዘይብሉ መስርሕ ብፍልቀት ከም ዝመጸ ግና ክንርድኦ ኣይከኣልናን” በለ።

ደቂ ሰብ መስተውዓልትን ብዛዕባ መንነቶም ዚግደሱን ዚሓስቡን ፍጡራት እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ከም ልግስን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን ቅኑዕን ጌጋን ምፍላይን ብዝኣመሰለ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪምርሑ ይኽእሉ እዮም። ራንደም ምዩቴሽንናቹራል ሰሌክሽንን ግና፡ ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ባህርያት ደቂ ሰብ ኪገልጸልና ኣይኽእልን እዩ።

መደምደምታ። ብዙሓት ሰባት፡ መበቈል ህይወት ኣብ ፍልቀት እተመርኰሰ ምዃኑ ኸም ኣሉ ዘይብሃል ሓቂ ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ሰባት ግና፡ እቲ ፍልቀት ብዛዕባ መበቈልን ምዕባለን ህይወት ዚህቦ መልሲ ኣየዕግቦምን እዩ።