ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ንእስነትና ንፈጣሪና ምዝካር

ካብ ንእስነትና ንፈጣሪና ምዝካር

ታሪኽ ህይወት

ካብ ንእስነትና ንፈጣሪና ምዝካር

ብዴቪድ ዜድ. ሂብሽማን እተዘንተወ

“ክሳዕ ዕለተ-ሞተይ: ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊለ ክኸውን ተስፋ እገብር። ንዴቪድ ክሓልየሉ ንየሆዋ እልምኖ። የሆዋ ንዕኡ ስለ ዝሃብካንን ስለ ሓዳርናን አመስግነካ። ኣዝዩ ዘደንቕን ኣዝዩ ዘሐጕስን ኢዩ ነይሩ!”

 ኣብ መጋቢት 1992 ንሰበይተይ ምስ ቀበርኩ ኣብቲ ዕለታዊ ጕዳያታ እትጽሕፈሉ መዝገብ ኣብ መወዳእታ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ከም ዝጸሓፈት ምስ ረኣኹ ከመይ ከም እተሰምዓኒ እሞ ሕስብ ኣብልዎ። ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሄለን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 60 ዓመት ዝገበረትሉ መዓልቲ ኣኽቢርና ነይርና።

ብ1931 ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ኣነን ሄለንን ብሓደ ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና መዓልቲ ሕጂውን ኣጸቢቑ ይዝከረኒ ኢዩ። ሄለን ኣብቲ ግዜ እቲ 14 ዓመት ኣይመልአትን ነይራ: እንተዀነ ግን ንኣገዳስነት ናይቲ ፍጻመ ካባይ ንላዕሊ ትርድኦ ነበረት። ሄለን ንኣገልግሎት ውዕዉዕ መንፈስ ነበራ፣ እዚ ድማ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሳን እታ መበለት ዝነበረት ኣዲኣን ከምቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ምስ ኰና ተራእየ። ነቲ ምቹእ ገዝአን ገዲፈን ናብ ገጠራዊ ክፍሊ ናይ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሰብካ ኸዳ።

ክርስትያናዊ ውርሻይ

ብ1910 ወለደይ ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቆም ካብ ምብራቓዊ ፐንሲልቫንያ ናብታ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ከተማ ግሩቭ ገዓዙ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ዕርቡን ከፊሎም ኣብ ሓንቲ ምጥንቲ ገዛ ኣተዉ እሞ ንጡፋት ኣባላት ናይ ሪፎርምድ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኰኑ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሑ ዊልያም ኢቫንስ ዝበሃል ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዑሉ ዝነበሩ​—⁠በጽሖም። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ 20ታት ዝነበረ ኣቦይን እታ ካብኡ ብሓሙሽተ ዓመት እትንእስ ኣደይን ነዚ ምቕሉል ወዲ ዌልስ ሰምዕዎ: ምስኦም ክምገብ ድማ ዓደምዎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ እተማህርዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ።

ኣቦይ ናብ ጉባኤ ምእንቲ ክንቀርብ ኢሉ ንስድራቤትና ናብታ 40 ኪሎ ሜተር ዝኣክል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሻሮን ኣግዓዛ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ: ብ1911 ወይ ብ1912 ኣቦይን ኣደይን ተጠምቁ። ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቀዳማይ ፕረዚደንት ቻርለስ ቴዝ ራስል ናይ ጥምቀት ዝርርብ ሃበ። ወለደይ ኣርባዕተ ቈልዑ ድሕሪ ምውላዶም: ኣብ 4 ታሕሳስ 1916 ኣነ ተወለድኩ። ምስ ተወለድኩ “ካልእ ፍቑር ሓው መጺኡልኩም” ተባህለ። ስለዚ: ስመይ ዴቪድ ማለት “ፍቑር” ተባሃልኩ።

ወዲ ኣርባዕተ ሰሙን ከለኹ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ዓቢ ኣኼባ ሒዞምኒ ኸዱ። ኣብቲ ግዜያት እቲ: ኣቦይን ዓበይቲ ኣሕዋተይን ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንምኻድ ገለ ኪሎ ሜተራት ብእግሮም ይጓዓዙ ነበሩ: ኣደይ ግን ንዓይን ንሓብተይን ሒዛ ብሎተሪና ትኸይድ ነበረት። ኣኼባታት ቅድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ኢዩ ዝካየድ ነይሩ። ኣብ ቤትና መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኣብታ ቀደም ዘ ጎልደን ኤጅ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት መጽሔት ንቕሑ! ዝወጽእ ዓንቀጻት ገይርና ንመያየጥ ነበርና።

ካብ ሰናይ ኣብነታት ምጥቃም

ብዙሓት ኣብቲ ግዜ እቲ ፒልግሪም ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ገየሽቲ ተዛረብቲ ንጉባኤና ይበጽሑዋ ነበሩ። ምሳና ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ የሕልፉ ነበሩ። ካብዚኣቶም እቲ ንፈጣሪኡ ‘ብመዓልትታት ንእስነቱ ዝዘከረ’ ዋልተር ጄይ. ቶርን ኣይርስዖን ኢየ። (መክብብ 12:⁠1) ንእሽቶ ከለኹ: ኣቦይ ነታ ብዛዕባ ታሪኽ ደቅሰብ እትገልጽ ኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዋ ብዝርአን ዝስማዕን ኣገባብ እተዳለወት “ፎቶ -​ድራማ ኦቭ ክርኤሽን ” (እንግሊዝኛ) ከርኢ ኸሎ ምስኡ እኸይድ ነበርኩ።

ሓው ኢቫንስን ሰበይቱ ሚርያምን ውላድ እኳ እንተ ዘይነበሮም: ንስድራቤትና ግን መንፈሳውያን ኣቦን ኣደን ከምኡውን ኣቦሓጎን እናሓጎን ኰይኖምና ኢዮም። ዊልያም ኵሉ ሳዕ ንኣቦይ “ወደይ” ኢሉ ይጽውዖ ነበረ: ንሱን ሚርያምን ድማ ኣብ ስድራቤትና ናይ ወንጌላውነት መንፈስ ሰረጹልና። ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን: ሓው ኢቫንስ ኣብ ከባቢ ስዋንሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኸብጽሕ ኢሉ ናብ ዌልስ ተጓዕዘ። ኣብኡ: ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ሰባኺ ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ።

ብ1928 ሓው ኢቫንስ ስርሑ ገዲፉ ኣብ ጎቦታት ምዕራብ ቪርጂንያ ክሰብኽ ጀመረ። ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋተይ: ወዲ 21 ዓመት ዝነበረ ክላረንስን ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ካርልን: ምስኡ ኸዱ። ኣርባዕቴና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነዊሕ ዓመታት ኣሕሊፍና ኢና። ኵላትና እውን መንእሰያት ከለና ገየሽቲ ተዓዘብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ኣገልጊልና ኢና። ኣብዚ ቀረባ ግዜ: ሕጂ ዕድሚኣ ልዕሊ 90 ኰይኑ ዘሎ ዝነኣሰት ሓትኖይ ሜሪ “ሓው ኢቫንስ ኣብ ኣገልግሎት ቅንኢ ስለ ዝነበሮን ንኸተማ ግሩቭ ብምብጻሑን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና ኵላትና እነመስግኖ!” ኢላ ጸሓፈትለይ። ሓትኖይ ሜሪ እውን ንፈጣሪኣ ብንእስነታ ዘኪራ ኢያ።

ኣብ ዓቢ ኣኼባ ምክፋል

ኣብቲ ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: እተገብረ ታሪኻዊ ዓቢ ኣኼባ ክካፈሉ ዝኸኣሉ ኣቦይን ክላረንስን ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ብ1924 ግን ማኪና ስለ ዝነበረትና ምልእቲ ስድራቤትና ኣብቲ ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈለት። ቈልዑ ዘበልና በቲ ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ገይርና ነቲ ንሸሞንተ መዓልቲ ዝኣክል መግቢ ክንዕድግ ነበረና። ወለደይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ገዛእ ርእሱ ምኽኣል ክማሃር ኣለዎ ዝብል ኣረኣእያ ነበሮም። ስለዚ: ደርሁ: ማንቲለ: ከምኡውን ንህቢ ነበሩና፣ እቶም ኣወዳት ዘበልና ድማ ጋዜጣ ነበጻጽሕ ነበርና።

ብ1927 ኣብ ቶሮንቶ: ካናዳ: ዓቢ ኣኼባ ኣብ እተገብረሉ ግዜ ፖል ዝበሃል ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ሕጻን ሓው ነበረና። ወለደይን ካልኦት ኣሕዋተይን ሓብተይን ብምሉኦም ናብ ቶሮንቶ ክኸዱ ከለዉ ኣነ ንፖል ክሕልዎ ኣብ ገዛ ተረፍኩ: ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር ዝዀነት ሓትኖይ እውን ምእንቲ ክትሕግዘኒ ምሳይ ነበረት። ስለዚ: ዓሰርተ ዶላር ተሸለምኩ: በዚ ገይረ ድማ ሓድሽ ምሉእ ክዳን ዓደግኩ። ኣብ ኣኼባታት ጽቡቕ ክዳን ተኸዲንና ክንከይድን ንኽዳንና ክንጥንቀቐሉን ኵሉ ሳዕ ልምምድ ይወሃበና ነበረ።

ብ1931 ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: ዓቢ ኣኼባ ኣብ እተገብረሉ ግዜ ክላረንስን ካርልን ተመርዕዮም: መምስ ኣንስቶም ኰይኖም ድማ ኣብ ዕዮ ፓይነር ተጸሚዶም ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ባዕሎም ኣብ ዝሰርሕዎ ተንቀሳቓሲ ቤት ይነብሩ ነበሩ። ካርል ነታ ካብ ዊሊን: ምዕራብ ቪርጂንያ: ዝዀነት ክላር ሆውስተን ተመርዓዋ፣ ስለዚ ኸኣ ኢየ ኣብቲ ኣብ ኮሎምበስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ምስታ ንእሽቶ ሓብቲ ክላር ዝዀነት ሄለን ኮፍ ኢለ ዝነበርኩ።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት

ብ1932 ወዲ 15 ዓመት ከለኹ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመረቕኩ፣ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ድማ ነቲ ኣብ ደቡብ ካሮሊና ፓይነር ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ክላረንስ ሓወይ ሓንቲ ዘገልገለት ማኪና ከብጽሓሉ ከድኩ። ፓይነር ንኽኸውን ኣመልከትኩ እሞ ምስ ክላረንስን ሰበይቱን ኰይነ ድማ ከገልግል ጀመርኩ። ሄለን ኣብ ሆፕኪንዝቪል: ከንቱኪ: ፓይነር ኰይና ተገልግል ነበረት: ንመጀመርታ ግዜ ኸኣ ደብዳበ ጸሓፍኩላ። ኣብ መልሳ “ፓይነር ኴንካዶ፧” ኢላ ሓተተትኒ።

ኣብ ደብዳበይ: “እወ ኰይነ ኢየ: ተስፋ እገብር ከኣ ኵሉ ሳዕ ክኸውን” ኢለ መለስኩላ፣ ሄለን ነዛ ደብዳበ እዚኣ ክሳዕ መዓልቲ ሞታ ማለት ዳርጋ ን60 ዓመት ዓቂባታ ኢያ። ኣብታ ደብዳበ እቲኣ: ኣብ ናይ ኣገልግሎት መዝነተይ ነታ ዘ ኪንግደም: ዘ ሆፕ ኦቭ ዘ ዎርልድ (እንግሊዝኛ) እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ንኣቕሽሽትን ንሰበ⁠-​ስልጣን ቤት ፍርድን ክዕድል ከለኹ ብዛዕባ ዘጋጠመኒ ነገራት ነገርኩዋ።

ብ1933 ኣቦይ ኣብ ሓንቲ 2.4 ብ2 ሜትሮ እትኸውን ተሰሓቢት ዓረብያ ቀጠንቲ ኣዕኑድ ኣቚሙ ብቴንዳ ሸፈኖ: ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከኣ መሳዅቲ ዘለዋ ገይሩ ሰርሓለይ። እዚኣ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ኣገልግሎት ፓይነር ብትሕትና ዝነብረላ ዝነበርኩ ኢያ።

ኣብ መጋቢት 1934 ክላረንስ: ካርል: ኣንስቶም: ሄለንን ኣዲኣን: ዘሙኡ ንክላረንስ: ከምኡውን ኣነ ሸሞንቴና ኣብ ሎስ ኣንጀለስ: ካሊፎርንያ: ናብ ዝግበር ዓቢ ኣኼባ ከድና። ገሊኦም በታ ተሰሓቢተይ ይኸዱን ኣብኣ ይድቅሱን ነበሩ። ካልኦት ብምሉኦም መሕደሪ ክካረዩ ኸለዉ ኣነ ኣብ ማኪና እድቅስ ነበርኩ። ማኪና ስለ እተበላሸወትና ኣብቲ ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝግበር ዓቢ ኣኼባ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ በጻሕና። ኣብ 26 መጋቢት ኣብኡ ኣነን ሄለንን ህይወትና ንየሆዋ ከም ዝወፈና ብማይ ጥምቀት ኣርኣና።

ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ንዅላትና ፓይነራት ዝነበርና ብብሕቲ ረኸበና። ተባዓት ተቓለስቲ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ምዃንና ብምግላጽ ድማ ኣተባብዓና። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ኣብ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ክቕጽሉ ንፓይነራት ገንዘባዊ ሓገዝ ንምሃብ ምድላዋት ተገብረ።

ንህይወት ዝጠቅም ትምህርቲ

ካብቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ምስ ተመለስና: ኵላትና ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ብምሉኡ ኣውራጃታት ደቡብ ካሮሊና: ቪርጂንያ: ምዕራብ ቪርጂንያ: ከምኡውን ከንቱኪ ናብ ዝርከቡ ሰባት ኣብጻሕናዮ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ሄለን ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣብቲ ዓዲ እቲ ኣጋይሽ ስለ ዝነበርና እንጽግዖ ጉባኤ ዀነ ዝድግፉና ብጾት ኣይነበሩናን። እንተዀነ ግን: ትምህርቲ እረክብ ምንባረይ ሕጂ ኢየ ፈሊጠ። እህብትም ኢየ ነይረ።”

ከምዚ ኢላ ድማ ሓተተት:- “ሓንቲ መንእሰይ ካብ መሓዙታን ከባቢኣን እንተ ተፈልያ እንታይ ትገብር፧ ክሳዕ ክንድቲ ከቢድ ኣይነበረን። ሰልክዩኒ ነይሩ ዝብሎ ግዜ ትዝ ኢሉኒ ኣይፈልጥን። ብዙሕ አንብብ ነበርኩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብቐጻሊ ካብ ምንባብን ምጽናዕን ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን ኢና። ምስ ኣደይ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበረኒ ነቲ ዝነበረና ገንዘብ ምክዋን: ምሽማት: ዝነፈሰ ጎማ ምቕያር: ምኽሻን: ምስፋይ: ከምኡውን ምስባኽ እማሃር ነበርኩ። ሕጂ ነዚ ኣይጥዓሰሉን ኢየ: ተሓጒሰ እውን ምደገምኩዎ።”

ኣደ ሄለን ጽቡቕ ገዛ እኳ እንተ ነበራ: ሄለንን ኣዲኣን ግን ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ኣብ ንእሽቶ ተሰሓቢት ገዛ ይነብራ ነበራ። ድሕሪ እቲ ብ1937 ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: እተገብረ ኣኼባ ኣደ ሄለን ጥዕና እናሰኣነት ከደት እሞ ኣብ ሆስፒታል ኣተወት። ኣብ ሕዳር 1937 ኣብቲ ተመዲባቶ ዝነበረት ፊሊፒ: ምዕራብ ቪርጂንያ: ሞተት።

መርዓን ኣገልግሎት ምቕጻልን

ኣብ 10 ሰነ 1938 ኣነን ሄለንን ኣብቲ ንሳ እተወልደትሉ ቦታ ኤልም ግሩቭ: ጥቓ ዊሊን: ምዕራብ ቪርጂንያ ሕጽር ዝበለ ጽንብል ገይርና ተመርዓና። እቲ ኣነ ከይተወለድኩ ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ ንስድራቤተይ ሓቂ ዘፍለጦም ፍቑር ሓውና ኢቫንስ ኣብ መርዓና ዝርርብ ሃበ። ምስ ተመርዓና ኣነን ሄለንን ኣብ ምዕራባዊ ከንቱኪ ፓይነራት ኴንና ከነገልግል መደብና: እቲ ዘገርም ግን ዕዮ ዞን ክገብር ተዓደምኩ። እዚ ዕዮ እዚ ኣብ ምዕራባዊ ከንቱኪ ከምኡውን ኣብ ገለ ክፋላት ተኒሲ ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ምሕጋዝ ዘጠቓልል ነበረ። ኣብቲ ዝበጻሕናዮ ቦታ ብምሉኡ 75 ኣወጅቲ መንግስቲ ጥራይ ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ሃገራውነት ንኣተሓሳስባ ብዙሓት ሰባት ጠውይዎ ስለ ዝነበረ ብሰንኪ ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክእሰር እጽበ ነበርኩ። (ኢሳይያስ 2:⁠4) እንተዀነ ግን: ሳላ እቲ ዝገበርክዎ ናይ ስብከት ንጥፈታት: ካብቲ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልምል ቦርድ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽቕጽል ዘኽእል ፍቓድ ረኸብኩ።

ናይ መገሻ ዕዮ ምስ ጀመርና ዳርጋ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ንእስነትና ይዛረብ ነበረ። ኣብ ሆፕኪንዝቪል: ከንቱኪ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንሄለን ሕቝፍ ኣቢላ ሰዓመታ እሞ “ትዝክርኒዶ፧” ኢላ ሓተተታ። ብ1933 ሄለን ነታ ሓብቲ ኣብቲ ብሰብኣያ ዝካየድ ናይ ገጠር ድኳን ከይዳ መስኪራትላ ነይራ። እታ ሓብቲ መምህር ናይ ትምህርቲ ሰንበት ነበረት: ነታ ሄለን ዝገደፈትላ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባባ ግን ኣብ ቅድሚ እቶም ተማሃሮኣ ኰይና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ ትምህርትታት ስለ ዝማሃረቶም ይቕረታ ሓተተቶም። ካብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምስ ተሰናበተት ኣብቲ ማሕበረሰብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ክትእውጅ ጀመረት። ኣነን ሄለንን ኣብ ምዕራባዊ ከንቱኪ ንሰለስተ ዓመት ኣገልገልና፣ ብዙሕ ግዜ ድማ እታ ሓብትን ሰብኣያን ኣብ ገዝኦም ይቕበሉና ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ንኣሽቱ ኣሰምብሊታት ንገብር ነበርና፣ ኤ. ኤች. ማክሚላን ድማ ኣብ ሓደ ካብዚ ኣሰምብሊታት ኣገልጊሉ ኢዩ። ሄለን ቈልዓ ኸላ ኣብ ቤት ናይ ወለዳ ተቐሚጡ ነበረ: ስለዚ ናብ ዓቢ ኣኼባ ምስ መጸ ኣብታ 5 ሜትሮ ዝምንዋሓ ተንቀሳቓሲት ቤትና ተወሳኺ ዓራት ስለ ዝነበረ ምሳና ይሓድር ነበረ። ንሱ እውን ብ1900 ወዲ 23 ዓመት ከሎ ህይወቱ ንየሆዋ ብምውፋዩ ብመዓልትታት ንእስነቱ ንፈጣሪኡ ዘኪሩ ኢዩ።

ኣብ ሕዳር 1941 ናይ ገየሽቲ ኣሕዋት ዕዮ ንግዜኡ ተቛረጸ እሞ ኣብ ሃዘርድ: ከንቱኪ: ፓይነር ኰይነ ክዓዪ ተመደብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እንደገና ምስ ካርል ሓወይን ምስ ክላራ ሰበይቱን ኴንና ኣገልገልና። ኣብኡ ድማ እቲ ንሄለን ወዲ ሓዋ: ጆሴፍ ሆውስተን ምሳና ተጸምበረ እሞ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ጀመረ። ብ1992 ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ብተኣማንነት እናገልገለ ኸሎ ብሃንደበት ብድኻም ልቢ ክሳዕ ዝመውት ዳርጋ 50 ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ኢዩ።

ብ1943 ኣብ ሮክቪል: ከኒቲከት: ክንዓዪ ተመደብና። ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምግልጋል ስለ ዝለመድና: እዚ ንዓይን ንሄለንን ኣብ እተፈልየ ዓለም ምግልጋል ነበረ። ኣብኡ ኸሎና ሄለን ልዕሊ 20 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ ትመርሕ ነበረት። ኣብ መወዳእታ ከም ኣደራሽ መንግስቲ ገይርና ንኽንጥቀመላ ኢልና ሓንቲ ምጥንቲ ቤት ተኻረና: እዚኣ ድማ መሰረት ናይ ንእሽቶ ጉባኤ ኰነት።

ኣብ ሮክቪል እናገልገልና ኸሎና ኣብቲ ሓምሻይ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ ዝርከብ ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተዓደምና። እቲ ዘሐጕስ ከኣ: ኣብ ከንቱኪ ፓይነራት ከሎና ኣዕሩኽና ዝነበሩ ኦብሪ ቢቨንስን በርታ ቢቨንስን ደቂ ክፍልና ክዀኑ ምዃኖም ፈለጥና።

ቤት ትምህርትን ሓድሽ መዝነትናን

ገና ንኣሽቱ እኳ እንተ ነበርና: መብዛሕትኦም ደቂ ክፍልና ካባና ዝንእሱ ነበሩ። እወ: ብንእስነቶም ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ይዝክሩ ነበሩ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ክውዳእ ቁሩብ ክተርፎ ኸሎ ኣብ ሓምለ 1945 ተመረቕና። ሚስዮናውያን ኴንና እንምደቦ ቦታ እናተጸበና ኸሎና ምስታ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ እትርከብ ፍላትቡሽ ጉባኤ ነገልግል ነበርና። ኣብ መወዳእታ: ኣብ 21 ጥቅምቲ 1946 ንኦብሪን በርታን ወሲኽካ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ደቂ ክፍልና ናብታ ኣብ ጓቲማላ እትርከብ ሓዳሽ መንበሪትና ዝዀነት ጓቲማላ ሲቲ ብነፋሪት ከድና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ብምሉኡ ማእከላይ ኣመሪካ ካብ 50 ዝውሕዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ነበሩ።

ኣብ ሚያዝያ 1949 ገለ ኻባና ናብታ ብዕቤታን ኣገዳስነታን ካልኣይቲ ዝዀነት ከተማ ኰትዛልተናንጎ ገዓዝና። እዛ ከተማ እዚኣ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ 2,300 ሜትሮ ብራኸ እትርከብ ኢያ፣ እቲ ኣብቲ ጎቦ ዝርከብ ኣየር ድማ ቆራርን ጠሊ ዘይብሉን ኢዩ። ሄለን ኣብኡ ዝነበረና ንጥፈት ከምዚ ኢላ ኣሕጽር ኣቢላ ጽሒፋቶ ኣላ:- “ኣብ ብዙሓት ንኣሽቱ ከተማታትን ቍሸታትን ናይ ምስባኽ መሰል ነበረና። ንግሆ ሰዓት ኣርባዕተ ንትስእ እሞ ናብ ሓንቲ ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ንምኻድ ኣውቶቡስ (መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክንዲ መሳዅቲ ቴንዳ ዘለወን) ንጥቀም ነበርና። መስዩ ክሳዕ እንምለስ ዳርጋ ሸሞንተ ሰዓታት ዝኸውን ኣብኡ ነገልግል ነበርና።” ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ እዚ ቦታታት እዚ ጉባኤታት ኣለዋ: ኣብ ኰትዛልተናንጎ ኸኣ ሽዱሽተ ኣለዋ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብታ ኣብ ገማግም ካሪብያን እትርከብ ብዕቤታ ካብ ጓቲማላ ሳልሰይቲ ዝዀነት ከተማ ፖርቶ ባሪዮስ ንኸገልግሉ ንሚስዮናውያን ጻውዒት ቀረበ። እቶም ኣብ ጓቲማላ ንሓሙሽተ ዓመት ምሳና ዘገልገሉ ፍቑራት ብጾትና ኦብሪን በርታን ካብቶም ናብዚ ሓድሽ ቦታ ዝኸዱ ሚስዮናውያን ኢዮም ነይሮም። ምፍልላይ ኣዝዩ ሕሱም ኢዩ: ኣብ ህይወትና ድማ ሃጓፍ ገደፈ። ኣብቲ ቤት ሚስዮናውያን ኣነን ሄለንን ጥራይ ስለ ዝተረፍና ናብ ንእሽቶ ኣፓርታማ ገዓዝና። ብ1955 ኣነን ሄለንን ናብታ ኣብ ትሮፒካዊ ክፍሊ እትርከብ ከተማ ማዛተናንጎ ንምኻድ ሓድሽ መዝነት ተቐበልና። እቲ ዝነኣሰ ሓወይ ፖልን ሰበይቱ ደሎረስን ካብ ጊልዓድ ብ1953 ተመረቑ እሞ ንሕና ናብ ማዛተናንጎ ቅድሚ ምኻድና ቁሩብ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብኡ የገልግሉ ነበሩ።

ብ1958 ኣብ ጓቲማላ 700 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: 20 ጉባኤታት: ከምኡውን ሰለስተ ወረዳታት ነበረና። ኣነን ሄለንን ውሑዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎ ጕጅለታት: ከምኡውን ኣብ ኰትዛልተናንጎ እትርከብ ጉባኤ እውን ሓዊስካ ሓያሎ ካልኦት ጉባኤታት ብምብጻሕ እንደገና ዕዮ ገያሺ ተዓዛቢ ጀመርና። ድሕርዚ ኣብ ነሓሰ 1959 ናብ ጓቲማላ ሲቲ ክንምለስ ተዓደምና: ኣብኡ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንነብር ነበርና። ኣነ ኣብቲ ጨንፈር ክዓዪ ተመደብኩ: ሄለን ድማ ሚስዮናዊት ኰይና ንተወሳኺ 16 ዓመታት ኣገልገለት። ድሕርዚ ንሳ እውን ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክትዓዪ ጀመረት።

ተወሳኺ በረኸታት

ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ካብቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ሰባት ኵሉ ሳዕ ብዕድመ ዝነኣስኩ ነበርኩ። ሕጂ ከምቲ ብ1996 ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ናይ ጨንፈር ቤት ትምህርቲ ክካፈል ከለኹ ዘጋጠመኒ መብዛሕትኡ ግዜ ብዕድመ እቲ ዝዓበየ ኢየ። ከምቲ መንእሰይ ከለኹ ካብቶም ዝዓብዩኒ ሰባት ብዙሕ ሓገዝ ዝረኸብኩ: ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ነቶም ብንእስነቶም ፈጣሪኦም ክዝክሩ ዝደልዩ መንእሰያት ናይ ምሕጋዝ መሰል ረኺበ ኢየ።

የሆዋ ነቶም ኣብ ጓቲማላ ዝርከቡ ህዝቡ በረኸቱ ኣዝኒብሎም ኢዩ። ብ1999 ኣብ ጓቲማላ ሲቲ ልዕሊ 60 ጉባኤታት ነበራ። ብተወሳኺውን ብወገን ሰሜን: ደቡብ: ምብራቕ: ከምኡውን ምዕራብ ብዙሓት ካልኦት ጉባኤታትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ኣለዉ። ቅድሚ 53 ዓመታት ኣብዚ ክንመጽእ ከሎና ዝነበሩ ትሕቲ 50 ዝዀኑ ኣወጅቲ መንግስቲ ሕጂ ልዕሊ 19,000 በጺሖም ኣለዉ!

መማሰዊ ዝዀነሉ ብዙሕ ነገራት

ኣብ ህይወት ገለ ሽግር ከየጓነፎ ዝሓልፍ ዋላ ሓደ የለን: እንተዀነ ግን ‘ጾርና ናብ እግዚኣብሄር’ ክንድርብዮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 55:⁠22) የሆዋ መብዛሕትኡ እዋን ኣፍቀርቲ ብጾትና ብዝህቡና ደገፍ ገይሩ የጽንዓና ኢዩ። ንኣብነት: ሄለን ቅድሚ ሙማታ ገለ ዓመታት ኣቐድም ኣቢላ ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እብራውያን 6:⁠10 እትርከብ ጥቕሲ እተጻሕፋ ንእሽቶ ጽላት ሂባትኒ ኢያ: እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል:- “ኣምላኽ ነቲ ንዕኡ ዘርኣኽምዎ ፍቕርን ንህዝቡ ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”​—⁠ትርጕም ዌይማውዝ

ምስታ ጽላት ኣተሓሒዛ ዝሃበትኒ ወረቐት ከምዚ ትንበብ:- “ፍቱወይ ብዘይካ ምሉእ ፍቕረይ ክህበካ ዝኽእል ብዙሕ የብለይን . . . እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኣኻ ኣጸቢቓ ትበቅዕ ኢያ: ስለዚ ኣብ ጣውላኻ ከተንብራ እሓተካ: እዚ ግን ኣነ ስለ ዝሃብኩኻ ኢልካ ዘይኰነስ ኣብ ኣገልግሎት ነዊሕ ዓመታት ብምጽናሕካ ኣባኻ ትውዕል ስለ ዝዀነት ኢዩ።” ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ: እታ ጽላት እቲኣ ኣብ ጨንፈር ጓቲማላ ኣብ ዝርከብ ናይ ቤት ጽሕፈተይ ጣውላ ኣንቢረያ ኣለኹ።

ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንየሆዋ ኣገልጊለዮ ኢየ: ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ዕድመ ደፊአሉ ዘለኹ እዋን ንእተመዘዘለይ ሓላፍነት ብግቡእ ክፍጽም ዘኽእለኒ ጽቡቕ ጥዕና ስለ ዝሃበኒ አመስግኖ ኢየ። መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ ከንብብ ከለኹ ብዙሕ ግዜ ሄለን ነዚ ጥቕሲ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳ መስመረትሉ ነይራ ኢለ ዝሓስቦ ጥቕስታት እረክብ ኢየ። መዝሙር 48:⁠14 እንደገና ከንብባ ከለኹ ከምዚ ኣጋጢሙኒ ኢዩ፣ እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል:- “እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ: ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።”

ኣህዛብ ነቶም ሞይቶም ዝነበሩ ፍቑራቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝቕበሉሉ ናይ መዓልቲ ትንሳኤ ራእይ ንኻልኦት ምክፋል የሐጕሰኒ ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ተስፋ ኰን ኢዩ! ሽዑ የሆዋ ብርግጽ “ንጥቑዓት ዜጸናንዕ” ኣምላኽ ምዃኑ ምስ ዘከርና ኣየ ክንደይ ናይ ሓጐስ ንብዓት ኰን ኢዩ ክፈስስ!​—⁠2 ቈረንቶስ 7:⁠6

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ላዕላይ ጸጋም ጀሚርካ ንየማን:- ኣደይ: ኣቦይ: ኣሞይ ኢቫ: ካርልን ክላረንስን ኣሕዋተይ ብ1910

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሄለን ብ1947 ከምኡውን ብ1992