ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብኡ ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ ምርካብ

“ኣብኡ ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ ምርካብ

“ኣብኡ ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ ምርካብ

“ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ።”—ቈሎ. 2:3

1, 2. (ሀ) ብ1922 እንታይ ጥንታዊ ኢደ-ስርሓት እዩ እተረኽበ፧ ሎሚኸ ኣበይ እዩ ዚርከብ፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ እንታይ ዕድመ እዩ ዜቕርብ፧

 መብዛሕትኡ እዋን፡ ሕቡእ መዝገብ ኪርከብ ከሎ፡ ኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሓን ይስሕብ እዩ። ንኣብነት፡ ብ1922 ሃዋርድ ካርተር እተባህለ እንግሊዛዊ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ፡ ድሕሪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሕማቕ ኵነታት እተገብረ ሓያል ጻዕሪ፡ ዜደንቕ ርኽበት ረኸበ። ልዕሊ 5,000 ነገራት ዝሓዘ ዘይተተንከፈ መቓብር ፈርኦን ቱታንክሃመን ረኸበ።

2 እቲ ካርተር ዝረኸቦ ነገራት ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ እቲ ጥንታዊ ኢደ-ስርሓት ግን ኣብ ኣብያተ-መዘክር ተቐሚጡ ወይ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባት እዩ ዚርከብ። ታሪኻዊ ወይ ከኣ ስነ-ጥበባዊ ዋጋ እኳ እንተለዎ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ግን ብዙሕ ጽልዋ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ብሓቂ ኺጠቕመና ዚኽእል መዝገብ ከነናዲ ይዕድመና እዩ። እቲ ዕድመ ንዅሉ ሰብ ክፉት እዩ፣ እቲ እንረኽቦ ዓስቢ ኸኣ ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ መዝገብ ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ።—ምሳሌ 2:1-6 ኣንብብ።

3. እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኺደልይዎ ዚነግሮም መዝገብ ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 እቲ የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ኺደልይዎ ዚላበዎም መዝገብ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሓደ ኻብዚ መዝገብ እዚ፡ እቲ ኣብዚ ሓደገኛ እዋን ዕቝባ ኪዀነና ዚኽእል “ፍርሃት የሆዋ” እዩ። (መዝ. 19:9 NW) “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ምርካብ ምስ የሆዋ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ከም ዚህልወና ስለ ዚገብር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪረኽቦ ኻብ ዚኽእል ክብሪ እቲ ዝዓበየ እዩ። በቲ ኣምላኽ ዚህበና መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን ኣቢልና ኸኣ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 9:10, 11) ከምዚ ዝኣመሰለ ኽቡር መዝገብ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧

መንፈሳዊ መዝገብ ምርካብ

4. ነቲ መንፈሳዊ መዝገብ ዘለዎ ቦታ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

4 ከምቶም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት መዝገብ ዜናድዩ ተመራመርቲ ስነ-ጥንትን ዳህሰስትን ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ መዝገብ ኣበይ ከም ዚርከብ ንፈልጥ ኢና። ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከም ሓደ መዝገብ ተቐሚጥዎ ዘሎ ቦታ ዚሕብር ካርታ፡ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ መዝገብ ክንረኽቦ እንኽእለሉ ቕኑዕ ቦታ ይሕብረና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ ብምጥቃስ፡ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎ. 2:3) ነዘን ቃላት እዚኣተን ከነንብበን ከለና፡ ‘ነዚ መዝገብ እዚ ኸነናድዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ የሱስ “ተሰዊሩ” ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ብኸመይከ ንረኽቦ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ናይዚ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ ንቓላት እቲ ሃዋርያ እስከ ተጠንቂቕና ንመርምሮ።

5. ጳውሎስ ብዛዕባ መንፈሳዊ መዝገብ ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧

5 ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን፡ ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ እዩ ጽሒፍወን። “ብፍቕ[ሪ] . . . ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ” ይጽዕር ነበረ። (ቈሎሴ 2:1, 2 ኣንብብ።) ክሳዕ ክንድዚ እተገደሰሎም ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ኣሕዋት በቶም እተወሰነ ፍልስፍና ግሪኽ ከም ዜስፋሕፍሕ ዚገብሩ ዝነበሩ ወይ ከኣ በቶም ምሕላው ሕጊ ሙሴ ዜተባብዑ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ከም እተጸልዉ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነቶም ኣሕዋት ድማ፡ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” በሎም።—ቈሎ. 2:8

6. ንምኽሪ ጳውሎስ ኣርዚንና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ሎሚ እውን፡ ካብ ሰይጣንን ካብቲ እኩይ ስርዓቱን ተመሳሳሊ ጽልዋ የጋጥመና እዩ። ንፍልቀት እውን ዜጠቓልል እተፈላለየ ዓለማዊ ፍልስፍና፡ ንኣተሓሳስባን ስነ-ምግባርን ሸቶታትን ኣነባብራን ሰባት ይቐርጾ ኣሎ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ በዓላት ዓብዪ ግደ ኣለዋ። እቲ ናይ ምዝንጋዕ ኢንዱስትሪ ድማ ንሕሱር ዝንባለታት ሓጥእ ስጋና ዜተባብዕ እዩ፣ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርአ ነገራት ከኣ ንዓበይቲ ይኹን ንንኣሽቱ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ነዚ ነገራት እዝን ንኻልእ ዓለማዊ ዝንባለታትን ንቃላዕ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚህቦ መምርሒ ንዝነበረና ስምዒት ኪጸልዎ፡ ብሰሩ ድማ ነቲ ኣጽኒዕና ሒዝናዮ ዝነበርና ናይ ሓቂ ህይወት ዕሽሽ ከም እንብሎ ኺገብረና ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19 ኣንብብ።) ኣብ መፈንጠራ ሰይጣን ክንወድቕ እንተ ደኣ ዘይደሊና፡ ነቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፎ ምኽሪ ኽንርድኦን ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ከም ዘሎና ንጹር እዩ።

7. ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ዚሕግዞም እንታይ ክልተ ነገራት እዩ ዝጠቐሰ፧

7 ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፎ ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቖ ዝነበረ ነገራት ድሕሪ ምዝራቡ፡ ብፍቕሪ ንኺጸናንዑን ንኺሓብሩን ዚሕግዞም ክልተ ነገራት ጠቐሰ። ኣብ መጀመርታ፡ ብዛዕባ “ምሉእ ኣእምሮ” ወይ “ምሉእ ምስትውዓል” (ትርጕም 1990) ጠቒሱ ኣሎ። እምነት ሰብ ቈሎሴ ርጉጽ ዝዀነ መሰረት ምእንቲ ኺህልዋ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ቅኑዕ ምርዳእ ከም ዘለዎም ምሉእ ብምሉእ ኪኣምኑ ነበሮም። (እብ. 11:1) ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ “ፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ” ጠቐሰ። መሰረታዊ ፍልጠት ሓቂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ ፍልጠት ኣምላኽ ንጹር ምርዳእ ኪህልዎም ነበሮ። (እብ. 5:13, 14) እዝስ ንዓናን ንሰብ ቈሎሴን ዚኸውን ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ምኽሪ ዀን እዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ምስትውዓልን ቅኑዕ ፍልጠትን ከነጥሪ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ኣብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ፡ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ” ዝበሎ ዕምቈት ዘለዎ ሓሳብ፡ ነቲ ቐንዲ ረቛሒ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና።

ኣብ ክርስቶስ “ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ

8. እቲ መዝገብ ኣብ ክርስቶስ “ተሰዊሩ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።

8 ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ “ተሰዊሩ” ኺበሃል ከሎ፡ ኣብ ዘይርከብ ቦታ ተሓቢኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ መዝገብ ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ ኽንገብርን ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከነተኵርን ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺዛረብ ከሎ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ዝበሎ ዚሰማማዕ እዩ። (ዮሃ. 14:6) እወ፡ ፍልጠት ኣምላኽ ንምርካብ፡ እቲ የሱስ ዚህቦ ሓገዝን መምርሕን ኣድላዪ እዩ።

9. የሱስ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

9 የሱስ “መገዲ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ሓቅን ህይወትን” ምዃኑ እውን ገሊጹ እዩ። እዚ ኸኣ ንዓና ናብ ኣቦ ኻብ ምቕራብ ንላዕሊ ግደ ኸም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኽንርዳእ ኰነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ዜኽእል ኣድላዪ ግደ እውን ኣለዎ። ብሓቂ እምበኣር፡ ጥንቁቓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺረኽብዎ፡ ኣብ የሱስ ኣዝዩ ኽቡር መንፈሳዊ መዝገብ ተሰዊሩ ኣሎ። ሕጂ እስከ ንመጻኢናን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ብቐጥታ ዚጸሉ መንፈሳዊ መዝገብ ንመርምር።

10. ካብ ቈሎሴ 1:19ን 2:9ን ብዛዕባ የሱስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

10 “ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ።” (ቈሎ. 1:19፣ 2:9) የሱስ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ቢልዮናት ዓመታት ስለ ዘሕለፈ፡ ንባህርያትን ፍቓድን ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካል ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ነቲ ኣቦኡ ዝመሃሮ ትምህርቲ መሃረ፣ ኣብ ተግባራቱ ኸኣ ነቲ ሳላ ስልጠና ኣቦኡ ዝረኸቦ ባህርያት የንጸባርቕ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኸኣ፡ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኺብል ዝኸኣለ። (ዮሃ. 14:9) ኵሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ወይ ተቐሚጡ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባ የሱስ ብጥንቃቐ ኻብ ምምሃር ሓሊፍና ንየሆዋ ኽንፈልጦ እንኽእለሉ ኻልእ ዝበለጸ መገዲ የለን።

11. ኣብ መንጎ የሱስን ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ ምትሕሓዝ ኣሎ፧

11 “ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ።” (ራእ. 19:10) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ የሱስ ኣብ ምፍጻም መብዛሕትኡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎ ዚሕብራ እየን። ካብቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ የሆዋ እተነበዮ ናይ መጀመርታ ትንቢት ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተገልጸ ኽብሪ ዝመልኦ ራእያት ዘሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ኪርድኣና ዚኽእል፡ ነቲ የሱስ ንመሲሓዊት መንግስቲ ብዚምልከት ዘለዎ ግደ ኣብ ግምት ምስ እነእትዎ ጥራይ እዩ። እቶም ንየሱስ ከም መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ገይሮም ዘይቅበልዎ ሰባት ነዚ ኣብ ግምት ስለ ዘየእትውዎ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ሓያሎ ትንቢታት ምርዳእ ይኸብዶም። ገሊኦም ሰባት ከኣ ነቲ ብዙሕ መሲሓዊ ትንቢታት ዝሓዘ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣኽቢሮም ስለ ዘይርእይዎ፡ ንየሱስ ካብ ዓብዪ ሰብ ፈልዮም ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ ምፍላጦም፡ ንትርጕም እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኡ ዚሕግዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።—2 ቈረ. 1:20

12, 13. (ሀ) የሱስ “ብርሃን ዓለም” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብ ሃይማኖታዊ ጸልማት ሓራ ስለ ዝወጹ፡ እንታይ ግዴታ እዩ ዘለዎም፧

12 “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ።” (ዮሃንስ 8:12፣ 9:5 ኣንብብ።) የሱስ ከይተወልደ ኸሎ ነዊሕ ይገብር፡ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 9:2) የሱስ ንስብከቱ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተነስሑ” ኢሉ ብምጅማር ነቲ ትንቢት ከም ዝፈጸሞ ሃዋርያ ማቴዎስ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 4:16, 17) ኣገልግሎት የሱስ ነቶም ህዝቢ መንፈሳዊ ብርሃን ሂብዎምን ካብ ባርነት ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ኣውጺእዎምን እዩ። የሱስ፡ “እቲ ብኣይ ዚአምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ” በለ።—ዮሃ. 1:3-5፣ 12:46

13 ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፤ . . . ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ” በሎም። (ኤፌ. 5:8) ክርስትያናት ካብ ባርነት ሃይማኖታዊ ጸልማት ሓራ ስለ ዝወጹ፡ ከም ደቂ ብርሃን ኰይኖም ኪመላለሱ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ምስቲ ስዒቡ ዘሎ የሱስ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከት ንሰዓብቱ ዝበሎም ዚሰማማዕ እዩ፦ “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” (ማቴ. 5:16) ነቲ ኣብ የሱስ ዝረኸብካዮ መንፈሳዊ መዝገብ ሞሳ ኸም ዘሎካ ብቓልካን በቲ ጽቡቕ ክርስትያናዊ ባህርያትካን ኣቢልካ ንኻልኦት ተርኢ ዲኻ፧

14, 15. (ሀ) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣባጊዕን ካልኦት እንስሳታትን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግደ ዝነበሮም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ከም “ገንሸል ኣምላኽ” መጠን ዘለዎ ግደ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ መዝገብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 የሱስ “ገንሸል ኣምላኽ” እዩ። (ዮሃ. 1:29, 36) ኣብ መላእ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ በጊዕ ኣብ ሕድገት ሓጢኣትን ናብ ኣምላኽ ኣብ ምቕራብን ፍሉይ ግደ ነበራ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ንይስሃቅ መስዋእቲ ገይሩ ኬቕርቦ ፍቓደኛ ምዃኑ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ንይስሃቅ ገለ ነገር ከይገብሮ ተነግሮ፣ ከም መተካእታ ኸኣ ድዑል ተዋህቦ። (ዘፍ. 22:12, 13) እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ኺወጹ ኸለዉ እውን እንተ ዀነ፡ በጊዕ ከም ሓደ ኽፋል “ፋስጋ እግዚኣብሄር” ኰይና ብምግልጋል ዓብዪ ግደ ነበራ። (ዘጸ. 12:1-13) ብዘይካዚ፡ ሕጊ ሙሴ እተፈላለዩ እንስሳታት፡ እንተላይ ኣባጊዕን ኣጣልን ከም መስዋእቲ ጌርካ ናይ ምቕራብ መሰናድዎ ነበሮ።—ዘጸ. 29:38-42፣ ዘሌ. 5:6, 7

15 ዝዀነ ይኹን ብሰባት ዚቐርብ መስዋእቲ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ንሓዋሩ ሓራ ኼውጽእ ኣይክእልን እዩ። (እብ. 10:1-4) የሱስ ግን “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” እዩ። እዚ ነጥቢ እዚ ጥራይ እኳ ንየሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ መዝገብ ኣዝዩ ዝበለጸ መዝገብ እዩ ዚገብሮ። ስለዚ፡ ብዛዕባ በጃ ተጠንቂቕና ንምጽናዕ ግዜ ኽንምድብን ኣብዚ ዜደንቕ መሰናድዎ እምነት ከነሕድርን ኣሎና። ከምዚ ብምግባር ተኻፈልቲ ናይቲ ዓብዪ በረኸትን ዓስብን ክንከውን ኢና፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም “ሒደት መጓሰ” ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ክብርን ስብሓትን ኪረኽቡ እዮም፡ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከኣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ሉቃ. 12:32፣ ዮሃ. 6:40, 47፣ 10:16

16, 17. ነቲ የሱስ ከም “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን” መጠን ዘለዎ ግደ ኽንርድኦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 የሱስ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን” እዩ። (እብራውያን 12:1, 2 ኣንብብ።) ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11፡ ንጹር ትርጕም እምነት ከምኡውን ንዝርዝር እቶም ከም እኒ ኖህን ኣብርሃምን ሳራን ረሃብን ዝኣመሰሉ ኣብነት ዚዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ዜጠቓልል ሓያል መግለጺ እምነት ሃበ። ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ፡ ነቲ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት” ኢሉ ንክርስትያናት ብጾቱ ተላበዎም። ስለምንታይ፧

17 እቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተዘርዚሮም ዘለዉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ መብጽዓ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣምላኽ በቲ መሲሕን በታ መንግስቱን ኣቢሉ ብኸመይ መብጽዓኡ ኸም ዚፍጽም ግን ብዝርዝር ዚፈልጥዎ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ኸኣ እምነቶም እተማልአት ኣይነበረትን። እቶም ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት ንኺጽሕፉ የሆዋ እተጠቕመሎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ንኣገዳስነት እቲ ዝጸሓፍዎ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም ነይሮም። (1 ጴጥ. 1:10-12) እምነት ብየሱስ ጥራይ እያ ፍጽምቲ ወይ ምልእቲ ኽትከውን እትኽእል። ነቲ የሱስ ከም “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን” መጠን ዘለዎ ግደ ብንጹር ምርዳእና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

ድለ

18, 19. (ሀ) ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዘሎ ኻልእ መንፈሳዊ መዝገብ ጥቐስ። (ለ) መንፈሳዊ መዝገብ ንምርካብ ኣብ የሱስ ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 የሱስ ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓን ዝገበሮ ዕላማ ዘለዎ ግደ፡ እተወሰነ ጥራይ ኢና ርኢና። ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዚርከብ ካልእ መንፈሳዊ መዝገብ እውን ኣሎ። ነዚ መዝገብ እዚ ምርካብ፡ ሓጐስን ጥቕምን እዩ ዜምጽኣልና። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ “ራእሲ ህይወት” ከምኡውን “ኰዀብ ጽባሕ” ኢሉ ጸውዖ። (ግብ. 3:15፣ 5:31፣ 2 ጴጥ. 1:19) መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነታ “ኣሜን” እትብል ቃል ኣብ የሱስ የውዕላ እዩ። (ራእ. 3:14) ትርጕምን ኣገዳስነትን እዚ ግደ ትፈልጦዶ፧ ክትፈልጦ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ የሱስ “ድለዩ፡ ትረኽቡ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ስዓብ።—ማቴ. 7:7

19 ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ ህይወቱ ኻብ የሱስ ንላዕሊ ትርጕም ዘለዎን ምስ ዘለኣለማዊ ድሕነትና ኣጸቢቑ እተኣሳሰረን ካልእ የለን። ዝዀነ ይኹን ብምሉእ ልቡ ዚደሊ ሰብ ብቐሊሉ ኺረኽቦ ዚኽእል መንፈሳዊ መዝገብ ከኣ ኣብኡ ኣሎ። ነቲ “ኣብኡ ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ ምርካብ፡ ሓጐስን በረኸትን ኬምጽኣልካ ንምነ።

ትዝክሮዶ፧

• ክርስትያናት እንታይ ዓይነት መዝገብ ኬናድዩ እዮም ለበዋ ቐሪቡሎም ዘሎ፧

• እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ዝሃቦ ምኽሪ ንዓና እውን ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብ ክርስቶስ “ተሰዊሩ” ዘሎ እተወሰነ መንፈሳዊ መዝገብ ጥቐስን ግለጽን።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ሓደ መዝገብ ተቐሚጥዎ ዘሎ ቦታ ዚሕብር ካርታ፡ ናብቲ ኣብ ክርስቶስ “ተሰዊሩ” ዘሎ ሃብቲ ይመርሓና