ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘርኢ ሓቂ ኣብ ርሑቕ ቦታታት በጽሐ

ዘርኢ ሓቂ ኣብ ርሑቕ ቦታታት በጽሐ

ዘርኢ ሓቂ ኣብ ርሑቕ ቦታታት በጽሐ

እታ ኣብ ሩስያ ዘላ ሪፓብሊክ ቱቫ፡ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ሳይቤርያ እትርከብ ኰይና ብደቡብን ብምብራቕን ምስ ሞንጐልያ ትዳወብ። መብዛሕትኦም ኣብ ቱቫ ዘለዉ ሰባት ኣብ ርሑቕ ቦታታት ስለ ዚነብሩ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብኦም ምብጻሕ ኣጸጋሚ እዩ። ቅድሚ ገለ ግዜያት ግን ኣብ እተፈላለየ ኸባቢታት ቱቫ ዚነብሩ ሰባት ኣብ ሓደ ሰሚናር ንኺካፈሉ ናብታ ርእሰ ኸተማ ዝዀነት ኪዝል መጹ። ማርያ እትበሃል ኣብ ኪዝል እትነብር ፈላሚት ብዛዕባ እዚ ሰምዐት፣ ነዚ ብዙሕ ግዜ ዘይርከብ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ነቲ ብስራት ከተካፍሎም ከም ዘለዋ ኸኣ ኣስተውዓለት።

ማርያ ኸምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “እቲ ኣነ ዝምህረሉ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ወልፊ ዜትሕዝ ነገራት ዚዝቲ ሰሚናር ኬካይድ መደብ ኣውጽአ። ካብ ርሑቕ ከባቢታት ቱቫ ዚመጹ 50 ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ተኻፈሉ። እዚኣቶም ከኣ መምህራን፡ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ፡ ተቘጻጸርቲ ድሕንነት ሕጻናት፡ ከምኡውን ካልኦት ነበሩ።” እዚ ኣኼባ እዚ ንማርያ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ፈታኒ እውን እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ከምኡ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብተፈጥሮይ ሓፋር ስለ ዝዀንኩ፡ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ምሃብ ይኸብደኒ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ፍርሀይ ከሰንፍን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒመ ምስክርነት ክህብን ዘኽእለኒ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወኒ ናብ የሆዋ ጸለኹ” በለት። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

ቀጺላ ኸምዚ በለት፦ “ብዛዕባ ኽቱር ፍርሂ እትገልጽ መጽሔት ንቕሑ! ረኸብኩ። ‘ነዚኣስ ሓደ ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ ኺፈትዋ እዩ’ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፡ ምሳይ ናብ ቤት ትምህርቲ ተማላእክዋ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓንቲ ኣብቲ ሰሚናር እትካፈል ዝነበረት መምህር ናብ ቤት ጽሕፈተይ ምስ መጸት፡ ነታ መጽሔት ኣበርከትኩላ። ተሓጕሳ ኸኣ ተቐበለትኒ። ንሳ እውን ክቱር ፍርሂ ኸም ዘለዋ ነገረትኒ። ንጽባሒቱ፡ ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ፡ ዘርእስታ መጽሓፍ ሒዘላ ኸድኩ። ነታ መጽሓፍ እውን ተሓጒሳ ተቐበለትኒ። በቲ ዘርኣየቶ ኣወንታዊ ምላሽ ከኣ ካልኦት መምህራን እውን ነታ ጽሕፍቲ ኺወስዱ ድሌት ኪህልዎም ከም ዚኽእል ሓሰብኩ። ስለዚ ኸኣ ቅዳሓት እታ መንእሰያት ዝሓትዎ እትበሃል መጽሓፍን ካልእ ጽሑፋትን ዝሓዘ ሓደ ካርቶን ናብ ቤት ትምህርቲ ወሰድኩ።” ብዙሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ጽሑፋት ተወድአ። ማርያ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “መሳርሕቲ እታ፡ መንእሰያት ዝሓትዎ እትበሃል መጽሓፍ ዝሃብክዋ መምህር ናባይ መጺኦም፡ ‘እቲ መጻሕፍቲ ኣበይ እዩ ዚዕደል ዘሎ፧’ ኢሎም ሓተቱኒ።” እወ፡ ኣብቲ ጽሑፋት ኪረኽብሉ ዚኽእሉ ቦታ እዮም ከይዶም ነይሮም።

እቲ ሰሚናር፡ ቀዳም መዓልቲ ተዛዘመ። ማርያ ዕረፍቲ እትወጽኣሉ መዓልቲ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈታ ዘሎ እተፈላለየ ሰደቓታት ጽሑፋት ኣቐመጠት። ኣብቲ ሰሌዳ ኸኣ፡ “እተፈተኹም መምህራን፡ ንርእስኹምን ንኻልኦትን ጽሑፋት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኣብ ስራሕኩም ዕውታት ክትኰኑን ድልዱል ስድራ ቤት ኪህልወኩምን ኪሕግዘኩም ዚኽእል ጽቡቕ ጽሑፋት እዩ” ኢላ ጸሓፈት። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ማርያ፡ “ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ምስ ተመለስኩ፡ መብዛሕትኡ ጽሑፋት ተወሲዱ ጸንሓኒ። ቀልጢፈ ኸኣ ተወሳኺ መጻሕፍትን መጽሔታትን ኣምጻእኩ” በለት። እቲ ሰሚናር ጀሚሩ ኽሳዕ ዚዛዘም፡ ብድምር 380 መጽሔታትን 173 መጻሕፍትን 34 ብሮሹራትን ኣበርከተት። እቶም ኣብቲ ሰሚናር እተኻፈሉ ሰባት ነዚ ጽሕፋት እዚ ሒዞም ናብቲ ዚነብሩሉን ዚሰርሑሉን ግሉል ከባቢታት ተመልሱ። ማርያ፡ “ዘርኢ ሓቂ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ቱቫ ብምብጻሑ ኣዝየ እየ ተሓጕሰ” በለት።—መክ. 11:6

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሩስያ

ሪፓብሊክ ቱቫ