ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ
ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ
ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ
ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧
የሱስ: ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ምሂሩ እዩ። “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” በለ። (ማቴዎስ 6:9) መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ: የሆዋ ምዃኑ ይነግረና እዩ። (መዝሙር 83:18 NW) የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ: “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” በለ።—ዮሃንስ 17:26
የሆዋ መን እዩ፧
የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ: የሱስ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 17:3) የሱስ: “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም” እውን በለ። (ማቴዎስ 19:4) ብተወሳኺ እውን “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ኢሉ ተዛረበ። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ: ንኣምላኽ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና።—ዘጸኣት 33:17-20
ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ እዩ፧
ሓደ ሰብኣይ ንየሱስ ካብ ኵለን ትእዛዛት እታ ዝዓየበት ኣየነይቲ ምዃና ምስ ሓተቶ: ንሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፤ እስራኤል: ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይቲ እትመስላ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ።”—ማርቆስ 12:28-31
ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
የሱስ: ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ’ በለ። የሱስ ንኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ። ‘ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ ኸምኣ እገብር’ በለ። (ዮሃንስ 14:31) የሱስ: ‘ኵሉ ሳዕ ኣቦኡ ባህ ዜብሎ’ ነገር ከም ዚገብር እውን ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 8:29) ብዛዕባኡ ትምህርቲ ብምቕሳም ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺጽልየሎም ከሎ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:4
ብዛዕባ ኣምላኽ ክንመሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እንመሃረሉ ሓደ መገዲ ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ነገራት ብምዕዛብ እዩ። ንኣብነት: የሱስ “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧” በለ። እንታይ እዩ ኺምህረና ደልዩ፧ ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዜድልየና ነገር እነሕድሮ ጭንቀት: ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ንኸነቋርጽ ከነፍቅደሉ የብልናን።—ማቴዎስ 6:26-33
እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንመሃረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ: ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እዩ። የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት: “ቃል ኣምላኽ” ኢሉ ጸውዖ። (ሉቃስ 8:21) የሱስ ንኣምላኽ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” በሎ።—ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21
የሱስ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪመሃሩ ይሕግዞም ነበረ። ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ የሱስ ኣመልኪቱ: “እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” በለ። (ሉቃስ 24:32) ብዛዕባ ኣምላኽ ክንመሃር እንተ ዄንና: ትሑታትን ንኽንመሃር ፍቓደኛታትን ክንከውን ይግባኣና። የሱስ: “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማቴዎስ 18:3
ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ሓጐስ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧
ዕላማ ህይወት እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ንደሊ ኢና: ኣምላኽ እውን ነዚ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) የሆዋ ንህይወትና ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኽንመርሕ ከም እንኽእል ይምህረና እዩ። የሱስ: “ብጹኣንሲ [ወይ ሕጉሳትሲ] እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም” በለ።—ሉቃስ 11:28፣ ኢሳይያስ 11:9
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 1 ርአ።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
“ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” —ዮሃንስ 17:26
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ፍጥረትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ የሆዋ ኽንመሃር ንኽእል ኢና