ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሽ ልደት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧

ሓድሽ ልደት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧

ሓድሽ ልደት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧

የሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሓድሽ ልደትን ብመን ከም ዚግበርን ብዛዕባ ዕላማኡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓድሽ ልደት ዚግበረሉ መገዲ እውን ገሊጹ እዩ። “ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 3:5) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብማይን ብመንፈስን እዩ ዳግማይ ዚውለድ። ‘ማይን መንፈስን’ ዚብል ቃላት ግን ንምንታይ የመልክት፧

‘ማይን መንፈስን’ እንታይ እዩ፧

ኒቆዲሞስ ምሁር ሃይማኖት ኣይሁድ ስለ ዝነበረ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ “መንፈስ ኣምላኽ” ዚብል መጸውዒ ዚጥቀመሉ መገዲ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ፣ “መንፈስ ኣምላኽ፡” ንሰባት ዜደንቕ ተግባር ንኺገብሩ ጽልዋ ኺገብረሎም ዚኽእል ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። (ዘፍጥረት 41:38፣ ዘጸኣት 31:3፣ 1 ሳሙኤል 10:6) ስለዚ፡ የሱስ ነታ “መንፈስ” እትብል ቃል ኪጥቀም ከሎ፡ ነቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ዜመልክት ገይሩ፡ ኒቆዲሞስ ተረዲእዎ ኪኸውን ኣለዎ።

የሱስ ንማይ ኪጠቅስ ከሎኸ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ቀቅድሚ እቲ ምስ ኒቆዲሞስ እተገብረ ዝርርብን ደድሕሪኡን ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት እሞ ንርአ። ዮሃንስ መጥምቕን ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ብማይ የጥምቑ ኸም ዝነበሩ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 1:19, 31፣ 3:22፣ 4:1-3) እዚ ተግባር እዚ ኣብ የሩሳሌም ኣጸቢቑ ይፍለጥ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ብዛዕባ ማይ ኪዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ማይ ብሓፈሻ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ማይ ጥምቀት ይዛረብ ምንባሩ፡ ኒቆዲሞስ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ። *

“ብመንፈስ ቅዱስ” እተጠምቁ

‘ካብ ማይ ክትውለድ’ ኪበሃል ከሎ፡ ብማይ ምስ ምጥማቕ ዚተሓሓዝ እንተ ዀይኑ፡ ‘ካብ መንፈስ ክትውለድ’ ኪበሃል ከሎኸ እንታይ የመልክት፧ ቅድሚ እቲ ኒቆዲሞስ ምስ የሱስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ማይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈስ እውን ኣብ ጥምቀት ግደ ኸም ዚህልዎ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ሓቢሩ ነይሩ። “ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ ንሱ [የሱስ] ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ” በለ። (ማርቆስ 1:7, 8) እቲ ወንጌል ዝጸሓፈ ማርቆስ፡ ንፈለማ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ጥምቀት እተገብረሉ ኣጋጣሚ ገሊጹ ኣሎ። “በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረአየ።” (ማርቆስ 1:9, 10) የሱስ ኣብ ዮርዳኖስ ምስ ጠለቐ፡ ብማይ እዩ ተጠሚቑ። ካብ ሰማይ መንፈስ ምስ ተዋህቦ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቑ።

የሱስ ካብታ እተጠምቀላ ዕለት ሰለስተ ዓመት ዚኣክል ጸኒሑ፡ “ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ኣረጋገጸሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:5) እዚ መዓስ ተፈጺሙ፧

ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ 120 ዚኣኽሉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ሓንቲ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤት ተኣኪቦም ነበሩ። “ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ . . . ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካልኦት ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ብማይ ኪጥመቑ ምሕጽንታ ተዋህቦም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ሰባት፡ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም” በሎም። ንሳቶምከ እንታይ ገበሩ፧ “እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ።”—ግብሪ ሃዋርያት 2:38, 41

ክልተ ኽፋል ዘለዎ መስርሕ

እዚ ጥምቀታት እዚ ብዛዕባ ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ሓድሽ ልደት ብኽልተ ኽፋል ዘለዎ መስርሕ ከም ዚግበር እዩ ዚሕብር። የሱስ ፈለማ ብማይ እዩ ተጠሚቑ። ድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎ። እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ እውን ፈለማ ብማይ ተጠሚቖም (ንገሊኣቶም ዮሃንስ መጥምቕ ኣጥሚቕዎም)፡ ድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎም። (ዮሃንስ 1:26-36) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ 3,000 ሰባት፡ ፈለማ ብማይ ተጠሚቖም፡ ድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎም።

ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እተገብረ ጥምቀታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሎሚ ሓድሽ ልደት ብኸመይ ኪግበር ኢና ኽንጽበ ዘሎና፧ ከምቲ ሃዋርያት የሱስን ቀዳሞት ደቀ መዛሙርትን ዳግማይ እተወልዱሉ መገዲ ኪኸውን ኢና እንጽበ። ፈለማ፡ ሓደ ሰብ ሓጢኣቱ ይንሳሕ፡ ካብ ግጉይ መገዱ ይምለስ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ንኼምልኾን ንኼገልግሎን ይውፊ፡ ወፈያኡ ድማ ብማይ ጥምቀት ንሰባት የርኢ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ኣብ መንግስቱ ገዛኢ ኪኸውን እንተ ሓርይዎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ይቐብኦ። እቲ ቐዳማይ ክፋል እዚ መስርሕ እዚ፡ (ብማይ ምጥማቕ) ብተበግሶ እቲ ውልቀ-ሰብ እዩ ዚግበር፣ እቲ ኻልኣይ ክፋል ግን (ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ) ብተበግሶ ኣምላኽ እዩ ዚግበር። ሓደ ሰብ ብኽልቲኡ ጥምቀት ምስ ሓለፈ፡ ሓድሽ ልደት ረኺቡ ማለት እዩ።

የሱስ ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ “ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ” ዝበለ ግን ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ብማይን ብመንፈስን ዚጥመቑ፡ ጕሉሕ ለውጢ ኸም ዚገብሩ ንምሕባር እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ መዳይ ሓድሽ ልደት ክትገልጾ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ግዜ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ጥምቀት ኣብ ዚካየደሉ እዋን፡ “ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:47

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ዮሃንስ ንእተነስሑ እስራኤላውያን ብማይ ኣጥመቐ