ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቓል ኣምላኽ ኣፍቀርዎ

ንቓል ኣምላኽ ኣፍቀርዎ

ንቓል ኣምላኽ ኣፍቀርዎ

መብዛሕትኡ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ኣገዳሲ መልእኽትታት ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ይትርጐም እዩ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣገዳሲ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ካብ ዚጸሓፍ ነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ሓሳባት “ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ፣” ብዛዕባ መጻኢ ድማ ምጽንናዕን ተስፋን ይህበና።—ሮሜ 15:4

እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ መልእኽቲ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት እንተ ተተርጐመ እምበኣር ርትዓዊ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ ከቢድ ሕማም፡ እገዳ፡ ወይ እውን መቕተልቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕሙ እተቓለሱ ሰባት ነይሮም እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንቓል ኣምላኽ የፍቅርዎ ነበሩ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ እተወሰነ ኽፋል እቲ ብዛዕባ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ዜደንቕ ታሪኽ እዩ።

“እንግሊዛውያን ንሕጊ ክርስቶስ ብእንግሊዝኛ እንተ ተማህሩ ዝበለጸ እዩ”

ጆን ዊክሊፍ ኣብ ከባቢ 1330 ኪውለድ ከሎ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቅዳሴ ብላቲን እዩ ዚግበር ነይሩ። እቲ ተራ ህዝቢ መዓልታዊ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ቛንቋ ግን እንግሊዝኛ እዩ ነይሩ። ምስ ጐረባብቶም ኪዛረቡ ኸለዉ ዀነ ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ ኸለዉ እንግሊዝኛ ይጥቀሙ ነበሩ።

እቲ ካህን ካቶሊክ ዝነበረ ዊክሊፍ፡ ላቲን ኣጸቢቑ ይኽእል ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ንላቲን እቶም ላዕለዎት ኢና ዚብሉ ዚጥቀሙሉ ቛንቋ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ብምንባሩ፡ ንዕኡ ተጠቒምካ ቕዱሳት ጽሑፋት ምምሃር ጌጋ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። “ፍልጠት ሕጊ ኣምላኽ፡ ንኽትርድኦ ቐሊል ብዝዀነ ቛንቋ ኺስበኽ ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ብእኡ ኣቢሉ እዩ ቓል ኣምላኽ ዚመሓላለፍ” ኢሉ ጸሓፈ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዊክሊፍን ተሓባበርቱን ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ እንግሊዝኛ ንምትርጓም ሓንቲ ጕጅለ መስረቱ። እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ዳርጋ 20 ዓመት ወሰደሎም።

ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኪወጽእ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ዘ ሚስትሪስ ኦቭ ዘ ቫቲካን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ እተቓወመትሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “እቶም ምእመናን፡ እቲ ናይ መጀመርታ ክርስትና ኻብቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ እምነት ካቶሊክ ዝቐለለ ምንባሩ ኺርድኡ ኸኣሉ። . . . ኣብ መንጎ ትምህርትታት መስራቲ ክርስትናን እቲ ንርእሱ ዝሸመ መራሕን [እቲ ጳጳስ] ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘሎ ብንጹር ኪርአ ጀመረ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግሪጎሪ መበል ዓሰርተው ሓደ ንዊክሊፍ ዚዅንን ሓሙሽተ ኣዋጅ ኣውጽአ። ዊክሊፍ ግን ስራሑ ኣየቋረጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “እንግሊዛውያን ንሕጊ ክርስቶስ ብእንግሊዝኛ እንተ ተማህሩ ዝበለጸ እዩ። ሙሴን ሃዋርያት ክርስቶስን እውን እንተ ዀኑ ንሕጊ ኣምላኽ ብቛንቋኦም እዮም ሰሚዖምዎ” ኢሉ መለሰ። ዊክሊፍ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ከባቢ 1382፡ እታ ጕጅለኡ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዝኛ ኣውጽኣቶ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ድማ ሓደ ኻብቶም ተሓባበርቱ፡ እተኣረመን ንምንባቡ ዝቐለለን ትርጕም ኣውጽአ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓተምቲ ማካይን ስለ ዘይተማህዛ፡ ነፍሲ ወከፍ ኢደ-ጽሑፍ ብጥንቃቐ ብኢድ ኪቕዳሕ ነበሮ፣ እዚ ኸኣ ዓሰርተ ወርሒ ኺወስድ ዚኽእል ዕዮ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ኺዝርጋሕ ዚብልዎ ሓሳብ ነታ ቤተ-ክርስትያን ኣዝዩ ስለ ዘስግኣ፡ እቲ ሊቀ-ጳጳሳት፡ ዝዀነ ይኹን ነዚ መጽሓፍ እዚ ዜንብብ ሰብ ከም ዚውገዝ ኣፈራርሀ። ዊክሊፍ ካብ ዚመውት ልዕሊ 40 ዓመት ጸኒሑ፡ ብትእዛዝ ባይቶ ጳጳስ፡ እቶም ካህናት ንሬሳ ዊክሊፍ ኵዒቶም ኣውጽእዎ፣ ንኣዕጽምቱ ኣንዲዶም ከኣ ነቲ ሓሙዅሽቲ ኣብ ሩባ ስዊፍት በተንዎ። ኰይኑ ግን፡ ቅኑዓት ደለይቲ ሓቂ ነቲ ብዊክሊፍ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ የናድይዎ ነበሩ። ፕሮፌሰር ዊልያም ብላክበርን፡ “እቲ ብዊክሊፍ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማእለያ ብዘይብሉ ቕዳሓት ተዳልዩ ኣብ ኵሉ ተዘርግሐ፡ ናብ ዚቕጽል ወለዶ ኸኣ ሓለፈ” በለ።

ንወዲ ገጠር ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ውሽጢ 200 ዓመት፡ እቲ ዊክሊፍ እተጠቕመሉ እንግሊዝኛ ናብ ምጥፋእ ገጹ ይኸይድ ነበረ። ኣብ ጥቓ ብሪስቶል ዚነብር ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ሰባኺ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚርድእዎ ሰባት ሒደት ምዃኖም ኣበሳጨዎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እዚ ዊልያም ቲንደል ዝስሙ ሰባኺ፡ “ካብ ብዘይ ሕጊ ጳጳስ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ክንከውን ይሕሸና” ኢሉ ሓደ ምሁር ኪዛረብ ከሎ ሰምዐ። ቲንደል ከኣ ኣምላኽ እንተ ፈቒዱሉ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ሓደ ወዲ ገጠር ካብቲ ምሁር ንላዕሊ ፍልጠት ከም ዚህልዎ ኺገብር ምዃኑ ገለጸ።

ዊክሊፍ ካብ ናይ ላቲን ቩልጌት እዩ ተርጒሙ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከኣ ብኢዱ እዩ ቐዲሕዎ። ብ1524 ቲንደል ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ጀርመን ምስ ከደ ግን፡ ካብቲ በዅሪ እብራይስጥን ግሪኽን ኪትርጕም ጀመረ፣ ነቲ ቕዳሓት ድማ ኣብ ኮሎኝ ኣብ ዚርከብ ቤት ማሕተም የሕትሞ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጸላእቲ ቲንደል ብዛዕባ እቲ ትርጕም ፈለጡ፣ ኵሉ እቲ ቕዳሓት ኪግበት ከኣ ንላዕለዋይ ባይቶ ኮሎኝ ኣእመንዎ።

ቲንደል ናብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ዎርምስ ሃዲሙ ስራሑ ቐጸለ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ቲንደል ብእንግሊዝኛ ዘዳለዎ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብሕቡእ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተላእከ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ብዙሕ ቅዳሓት ስለ እተሸጠ፡ ህጹጽ ኣኼባ ኣቡናት ተገብረ፣ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነድድ ከኣ ትእዛዝ ተዋህበ።

ኣቡን ለንደን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ኸይንበብ ንምዕጋትን ቲንደል መናፍቕ ምዃኑ ንምኽሳስን ምእንቲ ኺጥዕሞ፡ ንቲንደል ብጽሑፍ ኬጥቅዖ ኢሉ ንሰር ቶማስ ሞር መዘዞ። ቲንደል ኣብ ክንዲ “ቤተ-ክርስትያን፡” “ጉባኤ” ኸምኡውን ኣብ ክንዲ “ካህን፡” “ሽማግለ” ዚብል ቃላት ስለ እተጠቕመ፡ ሞር ኣዝዩ ሓረቐ። እዚ ቓላት እዚ፡ ንስልጣን እቲ ጳጳስ ኰነ ነቲ ኣብ መንጎ ኻህንን ምእመናንን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ሕቶ ዜእቱ ነበረ። ቲንደል ነታ ኣጋፐ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ምጽዋት” ዘይኰነስ “ፍቕሪ” ኢሉ ብምትርጓሙ እውን ቶማስ ሞር ንትርጕም ቲንደል ነቐፎ። ኢፍ ጎድ ስፔር ማይ ላይፍ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “እዚ ሓሳብ እዚ ነታ ቤተ-ክርስትያን ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ንምጽዋት ምንእኣስ፡ እቶም እሙናት ሰባት ናብ ሰማይ ዚወስድ መገዲ ንምጥጣሕ ኢሎም ንዚህብዎ ዜሀብትም ወፈያን ንዚሓድግዎ ውርሻን ዜጕድል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዚረኽብዎ ስርየት እውን ዜሕስር ነበረ።”

ቶማስ ሞር፡ “መናፍቓን” ብሓዊ ኺነዱ ስለ ዘተባብዐ፡ ቲንደል ኣብ ጥቅምቲ 1536 ከም ዚሕነቕን ሬሳኡ ኣብ ዕንጨይቲ ኸም ዚነድድን ተገብረ። ቶማስ ሞር እውን ንባዕሉ ጸኒሑ ምስቲ ንጉስ ዝነበሮ ርክብ ስለ እተበላሸወ፡ ተሰየፈ። ይኹን እምበር፡ ብ1935 ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን “ቅዱስ” ምዃኑ ብወግዒ ኣወጀት፣ ብ2000 ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንሞር፡ ቅዱስ ሓላዊ ፖለቲካውያን ኢሉ ብኣኽብሮት ጸውዖ።

ቲንደል ግን ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ኣይረኸበን። ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ሙማቱ እቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ማይልስ ካቨርድ ነቲ ቲንደል ዘዳለዎ ትርጕም ብምጥርናፍ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚኸውን ገበሮ፣ እዚ ኸኣ ካብ በዅሪ ቛንቋ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ትርጕም እንግሊዝኛ ዀነ! ኵሉ ወዲ ገጠር ድማ ንቓል ኣምላኽ ኬንብቦ ኸኣለ። ብዛዕባ እቲ ኻብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

“ዘይከኣል እዩ ዚመስል”

ሮበርት ሞሪሰን ዚበሃል ኣብ ብሪጣንያ እተወልደ ሚስዮናዊ፡ ነቲ ኻብ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ዘጋጠሞ ተቓውሞ ሰጊሩ፡ ብቻይንኛ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ብ1807 ናብ ቻይና ኸደ። እቲ ዕዮ ትርጕም ቀሊል ኣይነበረን። ቻርለስ ግራንት ዝስሙ ዳይረክተር ኩባንያ ምብራቓዊ ህንዲ፡ “እቲ ዕዮ ዘይከኣል እዩ ዚመስል ነይሩ” በለ።

ሞሪሰን ኣብ ቻይና ምስ በጽሐ፡ ቻይናውያን ንወጻእተኛታት ቋንቋኦም እንተ ምሂሮምዎም ብሞት ከም ዚቕጽዑ ፈለጠ። ንርእሱን ነቶም ቻይንኛ ኺምህርዎ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባትን ካብ ሓደጋ ንምዕቋብ ድማ ንእተወሰነ እዋን ካብ ገዛ ኣይወጽእን እዩ ነይሩ። ሓደ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ቛንቋ “ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምጽናዑ፡ ማንዳሪንን ካልእ ላህጃታትን ኪዛረብ፡ ከምኡውን ኬንብብን ኪጽሕፍን ከኣለ።” እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ምሕታም ብሞት ዜቕጽዕ ገበን ከም ዝዀነ እቲ ሃጸይ ኣዋጅ ኣውጽአ። ምፍርራህ እናሃለወ ኽነሱ፡ ብ25 ሕዳር 1819 ሞሪሰን ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብቻይንኛ ተርጒሙ ወድኦ።

ብ1836 ዳርጋ 2,000 ዚኸውን ምሉእ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ፡ 10,000 ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ከምኡውን 31,000 እተፈላለየ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ብቻይንኛ ተሓትመ። ፍቕሪ ቓል ኣምላኽ ነቲ ‘ዘይከኣል ዚመስል’ ዝነበረ ኸም ዚከኣል ገበሮ።

ኣብ መተርኣስ እተሓብአ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣዶኒራም ጁድሰንን ኣንን ዝስሞም ኣብ ኣመሪካ እተወልዱ ሚስዮናውያን፡ ኣብ ለካቲት 1812 ካብ ዚምርዓዉ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ነዊሕ ጕዕዞ ገበሩ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብ1813 ኣብ በርማ ኪቕመጡ ጀመሩ። * ብኡንብኡ ነቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ቛንቋታት እቲ ኣጸጋሚ ዝዀነ በርምኛ ኺመሃሩ ጀመሩ። ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምጽናዖም፡ ጁድሰን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ቋንቋ ናይቶም ብኻልእ ሸነኽ ምድሪ ዘለዉ፡ ካብቲ ናትና ኣዝዩ እተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ክንማሃር ከለና . . . ንሓንቲ ቓል እውን ትኹን ዚገልጽ መዝገበ-ቃላት ወይ ድማ ተርጓሚ [ኣይነበረን]።”

ጁድሰን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ቛንቋኣዊ ብድሆታት፡ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ሰነ 1823 ድማ ንክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብበርምኛ ተርጒሙ ወድኦ። ድሕሪ ግዜ፡ በርማ ኣብ ውግእ ኣተወት። ጁድሰን ድማ ብስለላ ተጠርጢሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ፣ ምእንቲ ኸይንቀሳቐስ ከኣ ብሰለስተ ጽምዲ መቝሕ ገይሮም ኣብ ትኽ ዝበለ ዓንዲ ኣሰርዎ። ፍራንሲስ ወይላንድ ኣብታ ብ1853 ብዛዕባ ህይወት ጁድሰን ዝጸሓፋ መጽሓፉ፡ “ሚስተር ጁድሰን ምስ ሰበይቱ ሚስስ ጁድሰን ተራኺቡ ብእንግሊዝኛ ኺዘራረብ ምስ ተፈቕደሉ ኻብ ዝሓተቶ ነገራት እቲ ሓደ፡ ብኢድ እተተርጐመ ሓድሽ ኪዳን እዩ ነይሩ” በለ። ኣን፡ እቲ ኢደ-ጽሑፍ ኣብ ትሕቲ ቤቶም እንተ ተቐሚጡ ብራህድን ብሰበባን ከይበላሾ ስለ ዝፈርሀት፡ ኣብ መተርኣስ ኣእትያ ብምስፋይ ናብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሰብኣያ ወሰደቶ። ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኢደ-ጽሑፍ ተዓቂቡ ኺጸንሕ ከኣለ።

ጁድሰን ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ተፈትሐ። እቲ ሓጐሱ ግን ብዙሕ ኣይጸንሐን። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ንኣን ሓያል ረስኒ ስለ ዝሓዛ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ሞተት። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ እታ ኽልተ ዓመት ጥራይ ዝገበረት ማሪያ ጓሉ እውን ዘይሓዊ ሕማም ሓመመት። ጁድሰን ኣዝዩ እኳ እንተ ሓዘነ፡ ዕዮኡ ግን ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ ብ1835 ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጒሙ ወድኦ።

ንቓል ኣምላኽ ተፍቅሮ ዲኻ፧

እዞም ተርጐምቲ ዘርኣይዎ ፍቕሪ ቓል ኣምላኽ፡ ሓድሽ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ኢሉ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘመረሉ። (መዝሙር 119:97) መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሳጢ ስነ-ጽሑፍ ጥራይ ኣይኰነን። ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ ሒዙ ዘሎ። ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርካ ብምንባብ ከም እተፍቅሮ ተርኢ ዲኻ፧ ከምኡ ትገብርን ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ተውዕልን እንተ ዄንካ፡ ‘ብግብርኻ ብጹእ ወይ ሕጉስ ከም እትኸውን’ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ያእቆብ 1:25

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 22 በርማን በርምኛን ሕጂ ማያንማር ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እንግሊዛውያን ንሕጊ ክርስቶስ ብእንግሊዝኛ እንተ ተማህሩ ዝበለጸ እዩ።”—ጆን ዊክሊፍ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ዊልያም ቲንደልን ካብቲ ንሱ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ገጽን

[ምንጪ ስእሊ]

Tyndale: From the book The Evolution of the English Bible

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሮበርት ሞሪሰንን ናብ ቻይንኛ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስን

[ምንጪ ስእሊ]

In the custody of the Asian Division of the Library of Congress

Robert Morrison, engraved by W. Holl, from The National Portrait Gallery Volume IV, published c.1820 (litho), Chinnery, George (1774-1852) (after)/Private Collection/Ken Welsh/The Bridgeman Art Library International

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣዶኒራም ጁድሰንን ናብ በርምኛ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስን

[ምንጪ ስእሊ]

Judson: Engraving by John C. Buttre/Dictionary of American Portraits/Dover

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Wycliffe: From the book The History of Protestantism (Vol. I); Bible: Courtesy of the American Bible Society Library, New York