ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ሓሳቡ ይቕይር ድዩ፧

ኣምላኽ ሓሳቡ ይቕይር ድዩ፧

ኣምላኽ ሓሳቡ ይቕይር ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ፡ “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” ይብል። ኣምላኽ ባዕሉ እውን፡ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” ኢሉ ብምዝራብ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ያእቆብ 1:17፣ ሚልክያስ 3:6) የሆዋ ኣምላኽ ካብቶም ብተደጋጋሚ ሓሳቦም ስለ ዚቕይሩ ብቐሊሉ ኸተሐጕሶምን ክትኣምኖምን ዘይከኣል ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ!

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ሓሳቡ ይቕይር እንተ ዀይኑ ይሓቱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ የሆዋ ኣምላኽ ንክርስትያናት ተኣምራት ናይ ምግባር ሓይሊ ሂብዎም ነበረ፣ ሕጂ ግን ኣይህቦምን እዩ። ብግዜ ጥንቲ ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ንምእታው ወይ ንድርብ መውስቦ ዕሽሽ ይብሎ ነበረ፣ ሕጂ ግን ከምኡ ኣይገብርን እዩ። የሆዋ ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ሰንበት ምሕላው ኣዚዙ ነበረ፣ ሕጂ ግን ከምኡ ዓይነት ትእዛዝ የለን። እዝስ ኣምላኽ ከም እተቐየረ ዚሕብር ድዩ፧

ብቐዳምነት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ፍቕርን ፍትሕን ዘለዎ መለክዒታት ከም ዘይቅይር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንደቂ ሰብ ብመንግስቱ ኣቢሉ ንኺባርኾም ዘውጽኦ ናይ “ዘለኣለም ምኽሩ” እውን ኣይተቐየረን። (ኤፌሶን 3:11) ኰይኑ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ ሓደ ብተደጋጋሚ ዜጕህየካ ዝነበረ ሰብ ሓሳብካ እትቕይር፡ የሆዋ እውን ንእተፈላለየ ዅነታት ዚህቦ ምላሽ ይቕይር እዩ።

ኣምላኽ ንህዝቡ ዚህቦም መምርሒታት ከከም ኵነታቱን ኣድላዪነቱን ይቐያይር እዩ። እዚ ኼገርመና የብሉን። ሓደ ንበጻሕቲ ሃገር ዚመርሕ ክኢላ ሰብ፡ ሓደጋ ኸም ዜጋጥም ምስ ፈለጠ እንታይ ከም ዚገብር እስከ ንርአ። እታ ጕጅለ ኻብቲ ሓደጋ ብምርሓቕ ብኻልእ መገዲ ንኽትከይድ ይነግራ። እዚ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ኺበጽሕዎ ዚደልዩ ቦታ ሓሳቡ ቐይሩ ማለት ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ንገሊኦም ሰባት ዜደናግሮም ሰለስተ ኣብነት እስከ ንመርምር።

ተኣምራት ዘቋረጸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንገለ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ተኣምራት ናይ ምግባር ሓይሊ ዝሃቦም ስለምንታይ እዩ፧ እስራኤላውያን ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣምላኽ ምስኦም ምዃኑ ንምርኣይ መብዛሕትኡ ግዜ ተኣምራት ይጥቀም ከም ዝነበረ ትፈልጥ ትኸውን። ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ኼውጽኦም ከሎ፡ ከምኡውን በቲ በረኻ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺመርሖም ከሎ ብሙሴ ገይሩ ሓይሉ ተጠቕመ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ኣብኡ እምነት ከም ዘይብሎም ኣርኣዩ። ኣብ መወዳእታ የሆዋ ንእስራኤላውያን ነጺጉ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ መስረተ፡ ንሃዋርያትን ንኻልኦትን ተኣምራት ናይ ምግባር ሓይሊ ሃቦም። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ኣሕወይዎ፣ ጳውሎስ ከኣ ንሓደ መንእሰይ ካብ ሞት ኣተንስኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:2-11፣ 20:9-14) እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ተኣምራት፡ ክርስትና ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ንኺምስረት ሓገዘ። ስለምንታይ ደኣ እሞ ተኣምራት ኣቋሪጹ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ” ብምባል ነዚ ብምሳሌ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:11) ልክዕ ከምቲ ወለዲ ንንእሽቶ ውላዶም ዚሕዙሉ መገዲ ኻብቲ ንዓብዪ ውላዶም ዚሕዙሉ ዚፈላለ፡ የሆዋ እውን እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ‘ቍልዕነት’ ምስ ሓለፈት፡ ንዓኣ ዚሕዘሉ መገዲ ተቐየረ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ከም ብቛንቋታት ምዝራብ ወይ ምንባይ ዝኣመሰለ ተኣምራዊ ውህበት “ኪሰዐር” ምዃኑ ገለጸ።—1 ቈረንቶስ 13:8

ድርብ መውስቦ ተፈቒዱ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን፡ “ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ” ኢሉ ብምዝራብ ስርዓት መውስቦ ኸም ዘቘመ የሱስ ሓበረ። (ማቴዎስ 19:5) መውስቦ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዚህሉ ነባሪ ጥምረት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ኣብ ዝወደበሉን ሕጊ ኣብ ዝሃበሉን እዋን፡ ድርብ መውስቦ ልሙድ ኰይኑ ነበረ። ስለዚ፡ ዋላኳ ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ እንተ ዘየተኣታተዎ ወይ እንተ ዘየተባብዐ፡ ስርዓት ከም ዚህልዎ ዚገብር ሕግታት ኣውጽአ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተት ግን፡ ቃል ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ ብንጹር ከልከሎ።—1 ጢሞቴዎስ 3:2

የሆዋ ኣምላኽ ንገሊኡ ነገራት ዚእርመሉ እዋን ክሳዕ ዚኣክል፡ ዕሽሽ ይብሎ እዩ። (ሮሜ 9:22-24) ንገሊኡ ዘይግቡእ ልማዳት መውስቦ ንግዜኡ ዕሽሽ ዝበሎ ወይ ‘ዝፈቐዶ፡’ ብሰንኪ እቲ እስራኤላውያን ዘርኣይዎ ‘ትሪ ልቢ’ ምዃኑ የሱስ ገለጸ።—ማቴዎስ 19:8፣ ምሳሌ 4:18

ሰንበት ምሕላው ግዜያዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ ኣብ ሰሰሙን በዓል ሰንበት ኪሕልዉ ኣዘዞም። ጸኒሑ ድማ ሓደ ኽፋል ሃገራዊ ሕጊ ኸም ዚኸውን ገበረ። (ዘጸኣት 16:22-30፣ 20:8-10) የሱስ ንርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ ‘ነቲ ሕጊ ትእዛዝ ከም ዝሰዓሮ፡’ ከምኡውን ‘ነቲ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ኸም ዝደምሰሶ’ ሃዋርያ ጳውሎስ ገለጸ። (ኤፌሶን 2:15፣ ቈሎሴ 2:14) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረደልኩም” ስለ ዚብል፡ ሕጊ ሰንበት ሓደ ኻብቲ ‘እተሳዕረን’ ‘እተደምሰሰን’ ሕጊ እዩ ነይሩ። (ቈሎሴ 2:16) ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ነቲ ንሰንበት እውን ዜጠቓልል ሕጊ ዝሃበሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 3:24, 25) ኣምላኽ ሓሳቡ ኣብ ክንዲ ዚቕይር፡ እቶም ህዝቢ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ንምስትንታን ግዜ ኺምድቡ ኸም ዘለዎም ንምምሃር፡ ንሰንበት ከም ግዜያዊ መሰናድዎ ገይሩ ተጠቕመሉ። ሕጊ ሰንበት ግዜያዊ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ካብ ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት ነባሪ ዕረፍቲ ዚረኽቡሉ እዋን ዚሕብር እዩ ነይሩ።—እብራውያን 4:10፣ ራእይ 21:1-4

ትውክልቲ ዚግበሮን ፈቃርን ኣምላኽ

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ እተፈላለየ እዋን እተፈላለየ መምርሕን ትእዛዝን ሂቡ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ሓሳቡ ቐይሩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ህዝቡ ኢሉ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ከከም ኣድላዪነቱ ስጕምቲ ወሰደ። ሎሚ እውን ከምኡ እዩ ዚገብር።

የሆዋ መለክዒታቱ ስለ ዘይቅይር፡ ንዕኡ ንምሕጓስ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ወትሩ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ “ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ . . . ኣሚመ ኽገብሮውን እየ” ኢሉ ኣሎ።—ኢሳይያስ 46:10, 11

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ብዛዕባ ፍቕርን ፍትሕን ዘለዎ መለክዒታት ፈጺሙ ኣይቅይርን

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ጳውሎስ፡ ተኣምራዊ ውህበት ድሕሪ ግዜ “ኺሰዐር” ምዃኑ ገለጸ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መውስቦ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዚህሉ ነባሪ ጥምረት እዩ