ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ዜድልየካ ሓይሊ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ዜድልየካ ሓይሊ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ዜድልየካ ሓይሊ

“ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።” (መዝሙር 51:11) ንጉስ ዳዊት ዓብዪ ጌጋ ምስ ገበረ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ጸለየ።

ዳዊት ኣብ ህይወቱ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ርእዩ እዩ። ገና ዀተቴ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ዘይድፈር ጐልያድ ንኺስዕር፡ መንፈስ ቅዱስ ሓጊዝዎ እዩ። (1 ሳሙኤል 17:45-50) ገለ ኻብቲ ብሉጽ መዝሙራት ንኺጽሕፍ እውን ኣኽኢልዎ እዩ። ዳዊት፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ” በለ።—2 ሳሙኤል 23:2

የሱስ ክርስቶስ እውን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ዳዊት ግደ ኸም ዝነበሮ ተሰማሚዑሉ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንሰማዕቱ ኸምዚ በሎም፦ “ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፤ ጐይታ ንጐይታይ፤ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል።” (ማርቆስ 12:36፣ መዝሙር 110:1) ዳዊት መዝሙራት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ይምራሕ ከም ዝነበረ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእልዶ፧

“ለምኑ፡ ይውሀበኩም”

ልክዕ እዩ፡ ከም ዳዊት፡ መዝሙር ኣይትጽሕፍን ትኸውን። ከም ጐልያድ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ግን ኬጋጥሙኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ንኢዛቤል ዘጋጠማ እስከ ንርአ። * ሰብኣያ ራሕሪሕዋ ናብ ሓንቲ ኻብኣ እትንእስ ሰበይቲ ኸደ። ብዙሕ ዕዳ ኣሰኪምዋ እዩ ኸይዱ፣ ንመዕበዪ ኽልተ ኣዋልዶም ዚኸውን ዋላ ሓንቲ ደገፍ እውን ኣይሃባን። ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ፡ “እተጠለምኩን እተጐሓፍኩን ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ሓዲጉኒ ኻብ ዚኸይድ ንነጀው ግን፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣጸናኒዑኒ እዩ” በለት።

ኢዛቤል ብኡንብኡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃባ ድያ ተጸብያ፧ ኣይፋል። የግዳስ፡ ኣምላኽ መንፈሱ ኺህባ መዓልታዊ ለሚናቶ እያ። ንመጻኢ ብትብዓት ንኽትገጥመሉን ንደቃ ብግቡእ ንኽትከናኸንን ካብቲ ተደቚሳትሉ ዝነበረት እንደገና ንኽትትንስእን፡ ካብ ኣምላኽ ብርታዐ ኸም ዜድልያ ትፈልጥ ነይራ እያ። ነቲ የሱስ እተዛረቦ፡ “ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዓለቶ።—ማቴዎስ 7:7, 8

ሮበርቶ እውን ብኻልእ ምኽንያት መንፈስ ኣምላኽ ከም ዜድልዮ ተሰምዖ። ወልፊ ትምባኾን ሓሽሽን ነበሮ። ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ነዚ ወልፉ ንምሕዳግ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ብተደጋጋሚ ይደግሶ ነበረ። “ሓሽሽ ምውሳድ እንተ ኣቋሪጽካ፡ ብጭንቀት ትሳቐ። መዓልቲ መጸ፡ ሰብነትካ ሓሽሽ እዩ ዚደሊ” በለ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ግን ከምዚ በለ፦ “ኣነ ግን ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኸገልግሎ፡ ህይወተይ ክቕይር ቈሪጸ ነበርኩ። ኣእምሮይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ ኣወንታዊ ሓሳባት ክመልኦ ጸዓርኩ። ህይወተይ ንኸጽሪ ኣምላኽ ብርታዐ ምእንቲ ኺህበኒ እናለመንኩ፡ መዓልታዊ ብጽኑዕ እጽሊ ነበርኩ። ብርእሰይ ክዕወት ከም ዘይክእል እፈልጥ ነይረ እየ። ብፍላይ ወልፈይ ምስ ደገሰኒ እሞ ሞራለይ ክወድቕ ከሎ፡ የሆዋ ብኸመይ ንጸሎተይ ምላሽ ከም ዝሃበኒ ርእየዮ እየ። መንፈስ ኣምላኽ ሓድሽ ብርታዐ ኸም ዝሃበኒ እኣምን እየ፣ ብዘይ መንፈሱ ንወልፈይ ኣይመሰነፍክዎን ነይረ።”—ፊልጲ 4:6-8

“ከም ንስሪ በኽናፍ” ምድያብ

ሚልዮናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከም ኢዛቤልን ሮበርቶን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ርእዮም እዮም። ንጡፍ ሓይሊ የሆዋ፡ ማለት እቲ ንዩኒቨርስ ንምፍጣር ዘገልገለ ሓይሊ፡ እንተ ደሊኻ ኺወሃበካ ይኽእል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበካ ኻብ ልቢ እንተ ለሚንካ፡ ኣምላኽ መንፈሱ ብፍታውን ብታሕጓስን ኪህበካ እዩ። እቲ መንፈስ እቲ ንኺወሃበካ ግን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ኽትፈልጥን ፍቓዱ ንምግባር ልባዊ ባህጊ ኸተሕድርን የድልየካ እዩ።—ኢሳይያስ 55:6፣ እብራውያን 11:6

ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተዋህበካ፡ ንኣምላኽ ብዕዉት መገዲ ንኸተገልግሎን ንዜጋጥመካ ዝዀነ ይኹን ጸገማት ንኽትሰግርን ብርታዐ ኽትረክብ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ፦ “[የሆዋ] ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። . . . እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ . . . ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።”—ኢሳይያስ 40:28-31

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

‘ኣምላኽ ብርታዐ ምእንቲ ኺህበኒ እናለመንኩ፡ መዓልታዊ ብጽኑዕ እጽሊ ነበርኩ። ብርእሰይ ክዕወት ከም ዘይክእል እፈልጥ ነይረ እየ። የሆዋ ብኸመይ ንጸሎተይ ምላሽ ከም ዝሃበኒ ርእየዮ እየ’

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ተግባራት መንፈስ ቅዱስ

ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ንምድርን ንዝተረፈ ዩኒቨርስን ንምፍጣር ተጠቒሙሉ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፡ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፡ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ። ትንፋስካ [“መንፈስካ፡” NW] ትልእኽ፡ ይፍጠሩ” በለ።—መዝሙር 104:24, 30፣ ዘፍጥረት 1:2፣ እዮብ 33:4

መንፈስ ቅዱስ ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለዎም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፉ ደረኾም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እታ “ዝነፈሶ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ኣምላኽ ዘስተንፈሰሉ” ማለት እያ። ትንፋስ ወይ መንፈስ የሆዋ ንሓሳባት እቶም ጸሓፍቲ ስለ ዝመርሖ፡ “ቃል ኣምላኽ” ኣመሓላለፉ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

መንፈስ ቅዱስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ኪንበዩ ኣኽኣሎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን” በለ።—2 ጴጥሮስ 1:20, 21፣ ዮኤል 2:28

መንፈስ ቅዱስ ንየሱስን ንኻልኦት ሰብ እምነትን፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩን ተኣምራት ንኺገብሩን ሓገዞም። የሱስ፡ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ . . . ኽሰብኽ” በለ።—ሉቃስ 4:18፣ ማቴዎስ 12:28

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መንፈስ ቅዱስ ኪሕግዘና ዚኽእለሉ መገድታት

መንፈስ ቅዱስ፡ ምስ ፈተና ንኽትቃለስን ጐዳኢ ወልፍታት ንኽትሓድግን ኬበርትዓካ ይኽእል። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 10:13

መንፈስ ቅዱስ፡ ባህርያት ኣምላኽ ንኸተማዕብል ኪሕግዘካ ይኽእል። “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።”—ገላትያ 5:22, 23

መንፈስ ቅዱስ፡ ፈታኒ መከራ ንኽትጻወር ኬጽንዓካ ይኽእል። “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”—ፊልጲ 4:13