ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ንደቅኻ ምሃሮም

ጴጥሮስን ሃናንያን ሓሰዉ—ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ጴጥሮስን ሃናንያን ሓሰዉ—ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ከም እትፈልጦ፡ ሓሶት ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ሓቂ ኸም ዘይኰነ እናፈለጥካ ምዝራብ ማለት እዩ። ሓሲኻ ትፈልጥዶ፧— * ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት እውን ከይተረፉ ሓስዮም ይፈልጡ እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ትፈልጥ ትኸውን። ስሙ ጴጥሮስ እዩ፣ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት የሱስ ከኣ እዩ። ንሱ ስለምንታይ ከም ዝሓሰወ፡ እስከ ነቲ ዛንታ ንርኣዮ።

የሱስ ምስ ተኣስረ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናት ተወስደ። ሽዑ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነበረ። ጴጥሮስ ተጠንቂቑ ናብ ኣጸድ ቤት ሊቀ ኻህናት ከደ። እታ ንጴጥሮስ ማዕጾ ዝኸፈተትሉ ኣገልጋሊት ሊቀ ኻህናት ግና፡ ብብርሃን እቲ ዚነድድ ዝነበረ ሓዊ ኣለለየቶ። “ንስኻ እውን ምስ የሱስ . . . ኔርካ ኢኻ!” ድማ በለቶ። ጴጥሮስ ፈሪሁ፡ ምስ የሱስ ከም ዘይነበረ ተዛረበ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድሕሪኡ እውን “ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ” ይብለና። ንሳ ድማ፡ “እዚ፡ ምስ የሱስ . . . ነይሩ እዩ” በለት። ጴጥሮስ ሽዑ እውን ከሓደ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ካልኦት ሰባት ናብ ጴጥሮስ ቀሪቦም፡ “ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ” በልዎ።

ጴጥሮስ ሰንቢዱ፡ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ!” ብምባል ንሳልሳይ ግዜ ሓሰወ። ሽዑ ደርሆ ነቀወ። የሱስ ንጴጥሮስ ጠመቶ፣ ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ “ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓላት ዘከረ። ርእሱ ምቍጽጻር ስኢኑ ኸኣ በኸየ። ኣዝዩ ድማ ጐሃየ።

ንዓኻኸ ኸምዚ ኼጋጥመካ ይኽእል ድዩ፧— ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ተመሃሮ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዛረቡ ሰሚዕካ ንበል። ሓደ ኻባታቶም፡ “ንባንዴራ ሰላምታ ኣይህቡን እዮም” ይብል። ካልእ ድማ፡ “ምእንቲ ሃገሮም ኣይዋግኡን እዮም” ይብል። ሓደ ኻልእ እውን፡ “በዓል ልደት ስለ ዘየብዕሉ፡ ክርስትያናት ኣይኰኑን” ይብል። ሽዑ ሓዲኦም ገጹ ናባኻ ገይሩ፡ “ንስኻ ናይ የሆዋ ምስክርዶ ኣይኰንካን፧” ኢሉ ይሓትተካ። ሽዑ እንታይ ምበልካ፧—

ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ቅድሚ ምፍጻሙ፡ እንታይ ኢልካ  ኸም እትምልስ ክትዳሎ ኣሎካ። ጴጥሮስ ኣይተዳለወን ነይሩ። ስለዚ፡ ጸቕጢ ምስ ኣጋጠሞ ሓሰወ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ነገራት ኣዝዩ ስለ ዝጐሃየ፡ ኣምላኽ ይቕረ ኢሉሉ እዩ።

ሃናንያ ዚብሃል ካልእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ እውን ሓስዩ እዩ። ግናኸ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ዀነ ንሰበይቱ ሰጲራ ይቕረ ኣይበለሎምን። ሰጲራ ንኽትሕሱ ኣቐዲማ ምስ ሰብኣያ ተመሻጢራ ነበረት። ኣምላኽ ንሃናንያን ንሰጲራን ስለምንታይ ይቕረ ኸም ዘይበለሎም ንርአ።

የሱስ ንሃዋርያት ሓዲጉ ናብ ኣምላኽ፡ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ 3,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብ የሩሳሌም ተጠምቁ። ሓያሎ ሰባት በዓል ጰንጠቆስጠ ኼብዕሉ ኻብ ርሑቕ ቦታታት መጺኦም ነበሩ፣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ ኰኑ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነቶም ዝያዳ ምእንቲ ኺመሃሩ ኣብ የሩሳሌም ኪጸንሑ ደለዩ። ስለዚ፡ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኺሕግዝዎም ኢሎም ገንዘቦም ይውፍዩ ነበሩ።

ሃናንያን ሰበይቱን እውን እተወሰነ ንብረቶም ሸይጦም፡ ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ሰባት ብገንዘብ ኪሕግዝዎም ደለዩ። ሃናንያ ነቲ ገንዘብ ናብ ሃዋርያት ኣምጺኡ፡ ንዅሉ ንብረቱ ሸይጡ ዝረኸቦ ገንዘብ ከም ዝሃበ ተዛረበ። እዚ ግና ሓቂ ኣይነበረን። እተወሰነ ገንዘብ ንርእሱ ኣትሪፉ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ንጴጥሮስ ኣፍለጦ እሞ፡ ጴጥሮስ ንሃናንያ፡ “ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሰኻን” በሎ። ሽዑ ሃናንያ ወዲቑ ሞተ። ድሕሪ ሰለሰተ ሰዓት ኣቢሉ ኸኣ ሰበይቱ እውን መጸት። ንሰብኣያ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ስለ ዘይፈለጠት፡ ንሳ እውን ሓሰወት፡ ወዲቓ ኸኣ ሞተት።

እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ዀን እዩ! እወ፡ ሓቂ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ዅላትና ኽንመሃር ኣሎና። ግናኸ፡ ኵላትና፡ ብፍላይ ከኣ ቈልዑ፡ ጌጋታት ንገብር ኢና። የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ይቕረ ዝበለሉ ድማ ይቕረ ኸም ዚብለልካ ምፍላጥካ ኣየሐጕሰካንዶ፧— ግናኸ፡ ሓቂ ኽንዛረብ ከም ዘሎና ኣይትረስዕ። ሓሶት ብምዝራብ ዓብዪ ጌጋ እንተ ጌርና ኸኣ፡ ኣምላኽ ይቕረ ንኺብለልና ኽንልምኖ ኣሎና። ጴጥሮስ ከምኡ ገይሩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ይቕረ ድማ ተባህለሉ። ንሕና እውን ካልኣይ ሳዕ ንኸይንሕሱ ኣበርቲዕና እንተ ጽዒርና፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና እዩ።

^ စာပိုဒ်၊ 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ፡ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።