ግምቢ ዘብዐኛ ግንቦት 2014 | ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል ኣሎዶ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንህይወትካ ኪቕይራ ይኽእል እዩ።

ገበር

ገሊኡ ተፈጸመ፡ መብዛሕትኡ ግና ፈሸለ

መን እተነበዮ ነገራት እዩ ብትኽክል እተፈጸመ፧

ገበር

ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል ኣሎዶ፧

ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ዜተኣማምን ትንቢት ኣሎ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሱስ ይኣምኑ ድዮም፧

ዚኣምኑ እንተ ደኣ ዀኖም፡ ናይ የሱስ መሰኻኽር ተባሂሎም ዘይጽውዑ ደኣ ስለምንታይ እዮም፧

ትፈልጥዶ፧

ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ ኣእጋር የሱስ ኪስበር ዝሓተትዎ ስለምንታይ እዮም፧ ዳዊት ንጎልያድ ብወንጭፍ ጥራይ ኪቐትሎ ይኽእል ነይሩ ድዩ፧

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ንሰይፊ ሓዘን ተጻወረቶ

ማርያም ኣደ የሱስ ዝሓደገቶ ኣብነት፡ “ነዊሕ ሰይፊ” ሓዘን እንተ ኣጋጢሙካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ዓለምና ብመከራ መሊኣ ዘላ ስለምንታይ እያ፧