ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ታሪኽ ህይወት

ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ባህ ዜብል ህይወት

ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ባህ ዜብል ህይወት

ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ግዳይ ዓሌታዊ ጽልኢ ዀይነ ነበርኩ፣ ከይፈሽል ዚብል ፍርሂ ነበረኒ፣ ብተፈጥሮይ ከኣ ሓናኽ እየ ነይረ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንናዕ ክረክብ ተስፋ ስለ ዝገበርኩ ኸኣ፡ ብዛዕባዚ ምእንቲ ኼረድኡኒ ናብቲ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ከድኩ። ምንም ሓገዝ ስለ ዘይረኸብኩ ድማ ኣብ ስፖርት ከተኵር ጀመርኩ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ኣብ ምውስዋስ ኣካላት ከተኵር ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳን ልያንድሮ፡ ማእከል ምውስዋስ ኣካላት ከፈትኩ። ብዘይካዚ፡ ምስ ሓያሎ ኣብ ምውስዋስ ኣካላት ዚዓይዩ ተወዳደርቲ፡ እንተላይ ምስ ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ ውድድር እተዓወተ ሰብ ዓይየ እየ። ይኹን እምበር፡ ቅርጺ ኣካላት ምሕላው፡ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ሃጓፍ ኪመልኦ ኣይከኣለን።

ሓቂ ንምርካብ ብምጽዓረይ ዓስቢ ረኸብኩ

ኣብቲ ዝኸፈትክዎ ማእከል ምውስዋስ ኣካላት ዚዓዪ ፈታውየይ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክፈልጥ ዝደሊ ምዃነይ ምስ ተረድአ፡ ምስ ሓደ ንሱ ዝፈልጦ ሰብ ኬራኽበኒ ርእይቶ ኣቕረበለይ። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሓኒ ናብ ቤተይ መጸ። ንኣርባዕተ ሰዓት ዚኣክል ተመያየጥና፡ ንሕቶታተይ ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰለይ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ምሸት ኪምለሰኒ ሓተትክዎ፡ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥና። በቲ ዝቐሰምክዎ ፍልጠት ስለ እተሓጐስኩ፡ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብኸመይ ከም ዜገልግል ምእንቲ ኽርእዮ ንጽብሒቱ ምስኡ ንኣገልግሎት ክኸይድ ሓተትክዎ። መጽሓፍ ቅዱስ እናገንጸለ ንሰባት ሕቶታቶም ኪምልሰሎም ከሎ ምስ ረኣኽዎ ኸኣ ኣዝየ ተገረምኩ። ‘ኣነ እውን ከምዚ እየ ኽገብር ዝደሊ’ ኢለ ኸኣ ሓሰብኩ።

ስለዚ፡ ዕዮይ ኣቋሪጸ፡ ንግዜይ ምስቲ ፈላሚ (ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጽውዑሉ ስም) ዀይነ ኣብ ኣገልግሎት ከሕልፎ ወሰንኩ። ኣብ ግንቦት 1948 ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳን ፍራንቸስኮ፡ ካው ፓላስ ኣብ ዚብሃል ማእከል ስፖርት ኣብ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ተጠመቕኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ ኣነ እውን ፈላሚ ዀንኩ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንኣደይ ኪበጽሕዋ ሓተትክዎም። ንሳ ነቲ ዝነገርዋ ተቐበለቶ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። ካብ ስድራ ቤታ ምጽራር የጋጥማ እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ ግዜ ሞታ ንኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ብተኣማንነት ኣገልጊላቶ እያ። ብጀካኣ ኻብ ስድራ ቤትና ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ የለን።

ምስ ብዓልቲ ቤተይ ብኸመይ ከም እተራኸብና

ብ1950 ናብ ግራንድ ጃንክሽን፡ ኮሎራዶ ምስ ከድኩ፡ ኣብኡ ምስ ቢሊ ተራኸብኩ። ቢሊ ብ1928 እያ ተወሊዳ፣ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዓብዪ ቝጠባዊ ቕልውላው ዝነበረሉ እዋን ከኣ እያ ዓብያ። ሚኒ ኣዲኣ ብላምባ ብዚበርህ ጭልምልም ዚብል መብራህቲ፡ ምሸት ምሸት መጽሓፍ ቅዱስ ተንብበላ ነበረት። ቢሊ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኰነት፡ ከተንብብ ከኣለት፣ ሓያሎ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብቓላ ትወጾ ነበረት። ኣብ መወዳእታ 1940ታት፡ ኣዲኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ዘይኰነስ፡ ተራ መቓብር ደቂ ሰብ ከም ዝዀነ ተማህረት። (መክብብ 9:5, 10) ሚኒን ሰብኣያን ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ብ1949 ቢሊ ኻብቲ ኣብ ቦስተን ዚርከብ ኮሌጅ ምስ ተመረቐት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብስርዓት ከተጽንዕ ጀመረት። መምህር  ክትከውን ኣጋጣሚ እኳ እንተ ነበራ፡ ንዕኡ ሓዲጋ፡ ርእሳ ወፍያ ንኣምላኽ ከተገልግል ወሰነት። ብ1950 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ስታድዩም ያንኪ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠምቀት። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣነን ቢሊን ተራኸብና፡ ጸኒሕና ድማ ተመርዓና፡ ሓቢርና ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርና።

ኣገልግሎትና ኣብ ኦሪገን ኣብ እትርከብ ከተማ ዩጂን ኢና ጀሚርና፡ ሓያሎ ኣዕሩኽ ከኣ ኣጥረና። ብ1953 ንሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ንኽንሕግዝ ናብ ግራንስ ፓስ፡ ኦሪገን ገዓዝና። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ ናብ መበል 23 ክፍሊ እቲ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስልጥኑሉ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተዓደምና፣ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ጥቓ እታ ኻብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ኒው ዮርክ 400 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ሳውዝ ላንሲንግ እዩ ዚርከብ።

ዕዮ ሚስዮናውነት ኣብ ብራዚል

ኣብ ታሕሳስ 1954፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተመረቕና፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣነን ቢሊን ብነፋሪት ናብ ብራዚል ከድና። ንሓደ ሰዓት ዚኣክል ምስ ተጐዓዝና፡ ሓደ ኻብቲ ሞተራት ተበላሸወ፣ ኰይኑ ግና ብሰላም ኣብ ቤርሙዳ ዓረፍና። ካልእ ህጹጽ ኵነታት ስለ ዘጋጠመ ኸኣ ኣብ ኩባ ዓረፍና፣ ብጠቕላላ ን36 ሰዓት ዚኣክል ምስ ተጐዓዝና ድማ፡ ኣብ ሪዮ ዲ ዤኔሮ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጻሕና።

ብ1955 ኣብ ባውሩ ኸም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጌርና ንኽንጥቀመሉ እተኻረናዮ ናይ መጀመርታ ኣዳራሽ፣ ነቲ ምልክት ኣነ እየ ጽሒፈዮ

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቍሩብ ምስ ጸናሕና ኸኣ፡ ኣነን ቢሊን ምስ ክልተ ሚስዮናውያን ናብ ከተማ ባውሩ፡ ሳኦ ፓውሎ ኼድና ዕዮ ሚስዮናውነት ጀመርና። ብዝሒ ህዝቢ እታ ኸተማ ልዕሊ 50,000 እኳ እንተ ነበረ፡ ንሕና ኣብታ ኸተማ ናይ መጀመርታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ኔርና።

ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ንሰባት ክንበጽሖም ጀመርና፡ ግናኸ ሓደ ቐሺ ካቶሊክ ተጻረረና። ደድሕሬና እናሰዓበ፡ ንሰብ ቤት ከይሰምዑና የጠንቅቖም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሓንቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓላ ዝነበርና ዓባይ ስድራ ቤት ሓቂ ተቐበለት፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ጸኒሖም ተጠምቁ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ሓያሎ ኻልኦት ሰባት እውን ኬጽንዑ ጀመሩ።

እታ እተጠቕሰት ስድራ ቤት፡ ፕረዚደንት ሓንቲ ውርይቲ ክለብ ዝዀነ ዘመድ ነበራ። ንቦታ እቲ ክለብ ንኣኼባ ንኽንጥቀመሉ መሰናድዎ ገበርኩ። እቲ ቐሺ፡ እቲ ውዕል ንኺፈርስ ጸቕጢ ምስ ገበረ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣባላት እቲ ክለብ ተራኺቡ፡ “ነቲ ውዕል እንተ ኣፍሪስኩምዎ፡ ኪገድፈኩም እየ” በሎም። ኣብቲ ቦታ ኽንእከብ ከኣ ተፈቕደልና።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት፡ ማለት ብ1956 ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳንቶስ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኽንካፈል ዕድመ ቐረበልና። ካብ ጉባኤና ዳርጋ 40 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብባቡር ተጓዒዞም ኣብቲ ኣኼባ ተኻፈሉ። ናብ ከተማ ባውሩ ምስ ተመለስና፡ ገያሺ ሓላዊ ብምዃን ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽበጽሕ ከም እተመደብኩ እትገልጽ ደብዳበ ተቐበልኩ። ካብ ሽዑ ጀሚርና ኸኣ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እታ ዓባይ ሃገር ዝዀነት ብራዚል እናተጐዓዝና ንኣስታት 25 ዓመት ኣገልገልና።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ባውሩ እተወሰኑ ቐናኣት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህልዉና ኽኢሎም

ኣገልግሎት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ

ኣብቲ እዋን እቲ፡ መገሻ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። ንምልእቲ እታ ሃገር ብኣውቶቡስን ብባቡርን ብካሮሳን ብብሽክለታን ብእግርን በጺሕናያ ኢና። ሓንቲ ኻብተን ዝበጻሕናየን ከተማታት፡ ኣብ ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ከተማ ዣኡ እያ። ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ቐሺ ግና ተቓወመና።

“‘ንኣባጊዐይ’ ክትሰብክወን ኣይትኽእሉን ኢኹም” በለና።

ንሕና ኸኣ፡ “እተን ኣባጊዕ ናትካ ኣይኰናን፣ ናይ ኣምላኽ እየን” ኢልና መለስናሉ።

ነታ ብዛዕባ እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትና እትገልጽ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ዘርእስታ ፊልም ከነርኢ መደብና፡ እቲ ቐሺ ግና ንኼጥቅዓና ኢሉ ናዕቢ ኣለዓዓለ። ሽዑሽዑ፡ ንፖሊስ ሓበርናዮም። እቲ ቐሺ ምስቶም መናዓብቲ ኣባላቱ ናብቲ እተኣከብናሉ ቦታ ምስ መጸ፡ ብፖሊስ ተሓጺሩ ጸንሖም፣ እቶም ፖሊስ ከኣ ጠበናጅኦም ዓመሩሎም። ብዙሓት ተኣከብቲ ድማ ነታ ፊልም ተሓጒሶም ተኸታተልዋ።

 ኣብ ኵሉ እቲ ሽዑ እነገልግለሉ ዝነበርና ቦታታት ሃይማኖታዊ ጽልእን ምጽራርን የጋጥመና ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ ጥቓ ብሉማናኡ፡ ሳንታ ካታሪና ኣብ እትርከብ ከተማ ብሩስኪ፡ ብርቱዕ ምጽራር እናኣጋጠመን ዜገልግላ ዝነበራ ኽልተ ፈለምቲ ረኸብና። ይኹን እምበር፡ እተን ፈለምቲ ሳላ እቲ ዘርኣያኦ ተጻዋርነትን ጽንዓትን ተባሪኸን እየን። ሕጂ፡ ድሕሪ 50 ዓመት ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 60 ጉባኤታት ኣለዋ፡ ኣብ ጥቓኡ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢታዣኢ እተሃንጸ፡ ጽቡቕ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ እውን ኣሎ።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ዕዮ መገሻና እንሕጐሰሉ ዝነበርና ኣጋጣሚታት፡ እቲ ንኣኼባታት ኣውራጃ ንምድላው ምስ ብጾትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር እነሕልፎ ዝነበርና ባህ ዜብል እዋን እዩ ነይሩ። ብ1970ታት ኣብ ዓብዪ ስታድዩም ሞሩምቢ ኣብ እተገብረ ኣኼባ፡ ሓላው ኣኼባ ኣውራጃ ዀይነ ንኽዓዪ መሰል ረኸብኩ። ነቲ ስታድዩም ቀቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝነበረት ምሸት ምእንቲ ኺጸሪ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዓሰርተ ሰብ ንኽትልእኽ ንኣስታት ሚእቲ ዚዀና ጉባኤታት ደብዳበ ተላእኸለን።

ኣብታ ምሸት እቲኣ ተጻወትቲ ዅዕሶ ኻብቲ ስታድዩም ኪወጹ ኸለዉ፡ ገሊኣቶም፡ “እዘን መዀስተርን መወልወልን ዝሓዛ ንኣሽቱ ቘልዑ እሞ ርኣይወን” እናበሉ ኼላግጹ ንሰምዖም ነበርና። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ጸኒሕና ነቲ ስታድዩም ኣጽረናዮ። ሓላፊ እቲ ስታድዩም፡ “ንስኻትኩም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ዘጽረኹምዎ፡ ንሰራሕተኛታተይ ሰሙን ምሉእ ምወሰደሎም ነይሩ” በለ።

ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመለስና

ብ1980 ኣቦይ ሞተ፡ ድሕሪኡ ቝሩብ ጸኒሕና፡ ነታ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ፍሬሞንት እትነብር ዝነበረት ኣደይ ንኽንኣልያ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመለስና። ምሸት ምሸት ህንጻታት ናይ ምጽራይ ዕዮ ረኸብና፡ ፈለምቲ ዄንና ብምቕጻል ድማ ኣብቲ ኸባቢ ንዝነበሩ ፖርቱጋላውያን ንሕግዞም ነበርና። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኸባቢ ናብ እትርከብ ሳን ጆኲን ቫሊ ገዓዝና፣ ኣብቲ ኻብ ሳክራሜንቶ ኽሳዕ ባከርስፊልድ ዚዝርጋሕ ከባቢ ዚነብሩ ተዛረብቲ ፖርቱጋልኛ ኸኣ ንደሊ ነበርና። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ካሊፎርንያ፡ ቋንቋ ፖርቱጋልኛ ዚጥቀማ ዓሰርተ ዚዀና ጉባኤታት ኣለዋ።

ኣደይ ብ1995 ምስ ሞተት፡ ናብ ፍሎሪዳ ገዓዝና፡ ንኣቦ ቢል ከኣ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ኣለናዮ። ኣደ ቢል ብ1975 እያ ሞይታ። ብዓመተ 2000 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኮሎራዶ ናብ ዚርከብ ልዑል ብራኸ ዘለዎ ምድረ በዳ ገዓዝና። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግልቲ ብምዃን ከኣ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ሕዙእ ቦታታት ናቨጆን ኡተን ዚነብሩ ኣመሪካውያን ንሰብከሎም ነበርና። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ቢሊ ብለካቲት 2014 ሞተት።

ልዕሊ 65 ዓመት ይገብር፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንዝነበረኒ ሓያሎ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝመለሰለይ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ብፍላይ ከኣ እቲ እተዛረቦ ነገራት ብሓቂ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዀይኑ ባዕለይ ብምርግጋጸይ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ሳላ እዚ፡ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ባህ ዜብል ህይወት ከሕልፍ ክኢለ እየ።