መዝሙር 99
ኣእላፋት ኣሕዋት
-
1. ኣእላፋት ኣሽሓት ኣሕዋት፡
ወረግ’ውን ሚልዮናት፡
ኣለዉና እሙናት፡
ኣብ ሓቂ ጽኑዓት።
እልፊ ኣእላፋት ኢና፡
ስሙር ሓድነትና፣
ካብ ኵሉ ህዝቢ፡ ነገድ፡ ቋንቋ፡
ኣምላኽ ዘውጽኣና።
-
2. ኣእላፋት ኣሽሓት ኣሕዋት፡
ኣብ ኵሉ ነበስር፣
‘ዝሓሸ ብስራት’ውን’
ንህዝቢ ንነግር።
ጸገም ’ተ ’ጋጢሙና፡
ኣብ ዕዮ ስብከትና፡
ክርስቶስ የበርትዓና’ዩ፣
ሰላም ይህበና።
-
3. ኣእላፋት ኣሽሓት ኣሕዋት፡
ኣምላኽ ዚመርሓና፣
ኣብ ቤተ መቕደሱ’ውን፡
ነገልግሎ ’ለና።
እልፊ ኣእላፋት ኢና፡
’ወ መሰኻኽሩ፣
ንኣምላኽ መዓይይቱ ኢና፡
እነምልኾ ወትሩ።
(ኢሳ. 52:7፣ ማቴ. 11:29፣ ራእ. 7:15 እውን ርአ።)