ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Brais Seara/Moment via Getty Images

ንቕሑ!

ብርቱዕ ደርቂ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብርቱዕ ደርቂ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  •   “ቻይና ኣዝዩ ብርቱዕ ሃሩርን ንሳልሳይ ግዜ ንቑጽ ሓጋይን ከም ዘሕለፈት ጸብጺባ።”—7 መስከረም 2022፡ ዘ ጋርዲያን።

  •   “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሓምሻይ ዓመት ብርቱዕ ደርቂ ኸም ዚቕጽል ተነጊሩ።”—26 ነሓሰ 2022፡ ዩ ኤን ኒውስ።

  •   “ክልተ ሲሶ ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ደርቂ እየን ዘለዋ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ 500 ዓመት እቲ ዝኸፍአ እዩ።”—23 ነሓሰ 2022፡ ቢቢሲ ኒውስ።

 ከምዚ ዝኣመሰለ ደርቂ ኸም ዚቕጽል ሓያሎ ምሁራት ይግምቱ። ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚኸውን ተስፋ ኣሎዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ደርቅን ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜና ተነብዩ ነይሩ፦

  •   “ኣብ በቦታኡ . . . ጥሜት ኪኸውን እዩ።”ሉቃስ 21:11

 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ደርቂ ጥሜት የስዕብ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥሜት ድማ መከራን ሞትን የስዕብ፣ እዚ ኸኣ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።—ራእይ 6:6, 8

ደርቂ እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ደርቂ እናገደደ ዝኸደሉ ዘሎ ቐንዲ ምኽንያት ይገልጽ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦

  •   “ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።”ኤርምያስ 10:23

 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ደቂ ሰብ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ስጕምቶም ኬቕንዑ ወይ ገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ኣይክእሉን እዮም ማለት እዩ። ብሰንኪ ዘይግቡእ ምሕደራ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ደርቅን ሕጽረት ማይን የጋጥም እዩ።

  •   መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ንጥፈታት ደቂ ሰብ ጠንቂ ዓለምለኻዊ ሙቐት ከም ዝዀነ ይሰማምዑ እዮም፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዓለም ደርቂ ወሲኹ እዩ።

  •   ብዘይ ምስትውዓል ዚወጽእ ፖሊሲታት ናብ ምጽናት ኣግራብ፡ ብከላ፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ባህርያዊ ጸጋታት መሪሑ እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ማያዊ ኣካላት ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ እዩ።

 ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ እዩ።

ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንሕጽረት ማይ ከም ዚፈትሖ የተስፉ እዩ። ብኸመይ፧

  1.  1. ኣምላኽ፡ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ።’ (ራእይ 11:18) ንሕጽረት ማይ ጠንቂ ዝዀኑ፡ ማለት ንእኩያትን ንኣከባቢ ዜበላሽዉ ስሱዓት ሰባትን ኬወግዶም እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2

  2.  2. “ምድሪ ረመጽሲ ሻምብቆ ዝመልኦ ራህያ . . . ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 35:1, 6, 7) ኣምላኽ ነቲ ደርቂ ዜስዓቦ ጕድኣት ኬዕርዮ፡ ነዛ ምድሪ እውን እኹል ማይ ዘለዋ ገነት ኪገብራ እዩ።

  3.  3. “ንምድሪ ትከናኸና እሞ፡ ብብዝሒ እተፍርን ኣዝያ ሃብታምን ትገብራ።” (መዝሙር 65:9) ብበረኸት ኣምላኽ፡ ምድሪ ንዅላትና ዚኸውን ብዙሕ ምግብን ጽሩይ ማይን ኪህልዋ እዩ።