ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተጻዋርነት—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ተጻዋርነት—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

 “ተጻዋርነት፡ ሰላም ዜስፍን ባህርይ እዩ።”—ዩነስኮ ብዛዕባ ስርዓታት ተጻዋርነት ዘውጽኦ መግለጺ፡ 1995።

 ንናይ ካልኦት እምነትን ኣካይዳን ዘይጻወር ሰብ ግና፡ ንዕቀትን ጽልእን ኬሕድር ይኽእል እዩ። እዚ ስምዒታት እዚ ኸኣ ብጽልኢ ናብ ዚዝረብ ዘረባን ናብ ኣድልዎን ናብ ጐነጽን ኪመርሕ ይኽእል እዩ።

 ብዛዕባ ተጻዋርነት እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ። ተጻወርቲ ዘበሉ ንዅሉ ተግባራትን ጠባይን ኪድግፉ ይግባእ ኢሎም ዚኣምኑ ሰባት ኣለዉ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ተጻወርቲ ዘበሉ ንሳቶም ብውልቂ ዚኣምኑሉ ብዘየገድስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝደለዮ መትከላትን እምነታትን ኪሓሪ መሰል ከም ዘለዎ ኪቕበሉ ይግባእ ኢሎም ዚኣምኑ ሰባት ኣለዉ። ነዚ ኻልኣይ ኣረኣእያ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይድግፎ እዩ።

 እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ብሓቂ ተጻወርቲ ኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእልዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተጻዋርነት ዜተባብዓሉ መሰረት

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተጻዋርነት የተባብዕ እዩ። “ልዙባት [ወይ፡ “ሚዛናውያን”] ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ይብለና እዩ። (ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ) ሓለይትን እዱባትን ፍትሓውያንን ክንከውን እውን የተባብዓና እዩ። እቶም ነዚ ምኽሪ እዚ ዚትግብሩ ሰባት፡ ምስ ናይ ካልእ ሰብ መትከላት ኣይሰማምዑን ወይ ንመትከላቱ ኣይቅበልዎን ይዀኑ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሰብ እቲ ምርጫኡ ኺገብር ይሓድግዎ እዮም።

 እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ንኣካይዳ ሰባት ዚኸውን መለክዒታት ከም ዘውጽአ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። “ኣታ ሰብ፡ [ኣምላኽ] ጽቡቕ ዘበለ ነጊሩካ ኣሎ” ይብለና እዩ። (ሚክያስ 6:8) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሉጽ ህይወት ምእንቲ ኺህልዎም ኢሉ ዝሃቦም መምርሒ እውን ይገልጸልና እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

 ኣምላኽ፡ ንሰብ ክንፈርድ ስልጣን ኣይሃበናን። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንስኻ ኣብ ብጻይካ እትፈርድ ግና መን ኢኻ፧” ይብለና እዩ። (ያእቆብ 4:12) ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና፡ ነናትና ውሳነ ኽንገብር ኣጋጣሚ ሂቡና ኣሎ፣ በዚ እውን ተሓተትቲ ንኸውን ኢና።—ዘዳግም 30:19

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣኽብሮት እንታይ ይብል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ” ይብለና። (1 ጴጥሮስ 2:17) ስለዚ፡ እቶም ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመላለሱ ሰባት ንዅሉ ሰብ የኽብሩ እዮም፣ ንኻልእ ሰብ ብምኽንያት እምነቱ ወይ ኣነባብራኡ ኣይንዕቅዎን እዮም። (ሉቃስ 6:31) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ምስ ኵሉ እምነት ወይ ርእይቶ ይሰማምዑ፡ ወይ ንዅሉ ውሳነ ይድግፉ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ዘይእሩም ጠባይ ወይ ንዕቀት ኣየርእዩን እዮም። ከምቲ የሱስ ንሰባት ዝሓዞም ገይሮም ንምሓዝ እውን ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም።

 ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ የሱስ ምስ ሓንቲ ኻልእ ዝሃይማኖታ ሰበይቲ ተራኸበ። እታ ሰበይቲ እቲኣ፡ ምስ ዘይሰብኣያ እያ እትነብር ነይራ። የሱስ ነዚ ኣነባብራ እዚ ኣይድግፎን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነታ ሰበይቲ ብኣኽብሮት እዩ ተዛሪብዋ።—ዮሃንስ 4:9, 17-24

 ክርስትያናት እውን ከም የሱስ፡ ብዛዕባ እምነቶም ንዝሓትቶም ዘበለ ምኽንያቶም ንምግላጽ ድሉዋት እዮም፣ ነዚ ግና “ብብዙሕ ኣኽብሮት” እዮም ዚገብርዎ። (1 ጴጥሮስ 3:15) መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንክርስትያናት፡ ርእይቶና ብግዲ ተቐበሉና ኸይብሉ መምርሒ ይህቦም እዩ። ሰዓቢ ክርስቶስ “ንዅሉ [እንተላይ ነቶም ካልእ እምነት ዘለዎም] ልኡም . . . ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ” ይብለና።—2 ጢሞቴዎስ 2:24

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጽልኢ እንታይ ይብል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላም . . . ስዓቡ” ይብለና። (እብራውያን 12:14) ሰላም ዚስዕብ ሰብ፡ ንጽልኢ ይነጽጎ እዩ። ኣብ መትከላቱ ኸይተለማለመ፡ ምስ ካልኦት ብሰላም ንምንባር ናይ ሓቂ ጻዕሪ ይገብር እዩ። (ማቴዎስ 5:9) መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ ነቶም ክፉእ ዚገብርዎም እኳ ሰናይ ብምግባር፡ ንጸላእቶም ኬፍቅሩ የተባብዖም እዩ።—ማቴዎስ 5:44

 ልክዕ እዩ፡ ኣምላኽ ነቲ ንሰባት ዜዋርድ ወይ ንኻልኦት ዚጐድእ ተግባራት ከም ‘ዚጽልኦ’ ወይ ከም ‘ዚፍንፍኖ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 6:16-19) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ግና፡ ነቲ ኽፉእ ተግባራት ብዛዕባ ምጽላእ እዩ ዚዛረብ ዘሎ። ኣምላኽ ነቶም መገዶም ኬዐርዩን ብመለክዒታቱ ኺመላለሱን ዚደልዩ ሰባት ይቕረ ንምባልን ንምሕጋዝን ድሉው ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ።—ኢሳይያስ 55:7

ምስ ተጻዋርነትን ኣኽብሮትን ዚዛመድ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

 ቲቶስ 3:2 “ልዙባት [ወይ፡ “ሚዛናውያን፡” እግረ ጽሑፍ] ኪዀኑ፡ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኬርእዩ እውን ኣዘኻኽሮም።”

 ልዙብ ወይ ሚዛናዊ ሰብ እተፈልየ ርእይቶ ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ብልእመት እዩ ዚምልስ፣ በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ይከባበሩ።

 ማቴዎስ 7:12 “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።”

 ካልኦት ብኣኽብሮት ኪሕዙና፡ ንኣረኣእያናን ንስምዒትናን እውን ኣብ ግምት ኬእትዉ ኸለዉ፡ ኵላትና በዚ ንሕጐስ ኢና። ነዛ የሱስ እተዛረባ ፍልጥቲ ሕጊ ብኸመይ ከም እትትግብራ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 እያሱ 24:15 “ንመን ከም እተገልግሉ . . . ሎሚ ሕረዩ።”

 ነቲ ሰባት ናታቶም ምርጫ ንምግባር ዘለዎም መሰል እንተ ኣኽቢርናሎም፡ ሰላም ነስፍን።

 ግብሪ ሃዋርያት 10:34 “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ።”

 ኣምላኽ ንዋላ ሓደ ሰብ ብመሰረት ባህሉ፡ ጾታኡ፡ ዜግነቱ፡ ዓሌቱ፡ ወይ ድሕረ ባይታኡ ኣየዳሉን እዩ። እቶም ንኣምላኽ ኪመስልዎ ዚደልዩ ዘበሉ፡ ንዅሉ ሰብ ኬኽብሩ ኣለዎም።

 ኣንባቆም 1:12, 13 “[ኦ ኣምላኽ] ንእከይ . . . ክትጻወሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።”

 ተጻዋርነት ኣምላኽ ደረት ኣለዎ። እከይ ንሓዋሩ ኪቕጽል ኣይፈቅድን እዩ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

 ሮሜ 12:19 “‘“ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ይብል የሆዋ’ a ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ቝጥዓስ [ንቝጥዓ ኣምላኽ] ቦታ ሕደጉሉ።”

 የሆዋ ኣምላኽ ንዋላ ሓደ ሰብ ባዕሉ ሕነ ኺፈዲ ኣይፈቐደን። ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ፍትሒ ኸም ዚወጽእ ኪገብር እዩ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ፍትሒ ንምርካብ ዚቐርብ ጥርዓንሲ ተሰማዕነት ኪረክብ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።