ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Surasak Suwanmake/Moment via Getty Images

ንቕሑ!

ዓለምለኻዊ ማዕበል ሙቐት ሓጋይ 2023—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ዓለምለኻዊ ማዕበል ሙቐት ሓጋይ 2023—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ ብዘላ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ማዕበል ሙቐትን ብምዝባዕ ኵነታት ኣየርን ይጽለዉ ኣለዉ። ነዚ ዚስዕብ ጸብጻባት እሞ ርአ፦

  •   “ዓለም በታ ኣብ ውሽጢ 174 ዓመት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዝለዓለ ሙቐት እተመዝገበላ ሰነ ትጥጠቕ ኣላ።”—ሃገራዊ ምምሕዳር ውቅያኖስን ሃዋህውን፡ ክፍሊ ንግዲ ሕ.መ.ኣ.፡ 13 ሓምለ 2023።

  •   “ኣብ ኢጣልያን ስጳኛን ፈረንሳን ጀርመንን ፖላንድን ልዑል ማዕበል ሙቐት ይርአ ኣሎ፣ ኣብ ደሴታት ሲሲሊን ሳርዲንያን ዘሎ ሙቐት ድማ ናብ 48 ዲግሪ ሰልስየስ [118 ዲግሪ ፋራንሃይት] ኪዓርግ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳ ኻብ እተመዝገበ ዝለዓለ ዋዒ ማለት እዩ።”—ትካል ጠፈር ኤውሮጳ፡ 13 ሓምለ 2023።

  •   “ፕላነትና እናወዓየት ምስ ከደት፡ ዝያዳ ብርታዐን ዝያዳ ጻዕቅን ዝያዳ ሓይልን ዘለዎ ዝናም ብተደጋጋሚ ኼጋጥም ኢና እንጽበ፡ እዚ ድማ ናብ ዝኸፍአ ምዕልቕላቕ እዩ ዚመርሕ።”—ስተፋን ኡለንብሩክ፡ ኣብ ውድብ ሜትዮሮሎጂ ዓለም ዳይረክተር ሃይድሮሎጅን ማይን ክራዮስፌርን፡ 17 ሓምለ 2023።

 ብዛዕባ ምዝባዕ ኵነታት ኣየር ብዙሕ ጸብጻባት ይወጽእ ምህላዉስ የተሓሳስበካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

ምዝባዕ ኵነታት ኣየርሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩሉ ዝነበረ ድዩ፧

 እወ። ዓለምለኻዊ ማዕበላት ሙቐትን ምዝባዕ ኵነታት ኣየር ዘስዓቦ ኻልእ ተርእዮታትን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና እተነበዮ ነገር ይሰማማዕ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ፡ “መፍርህታት” ወይ ዜፍርህ ነገራት ከም እንርኢ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:11) ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሙቐት ዓለም፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ኸየጥፍእዋ ሰጊኦም ኣለዉ።

ምድሪ ዋላ ሓደ ኺነብረላ ዘይክእል ክትከውን ድያ፧

 ኣይፋልን። ኣምላኽ ንምድሪ፡ ንሓዋሩ መንበሪትና ኽትከውን ኢሉ እዩ ፈጢርዋ፣ ደቂ ሰብ ኬጥፍእዋ ኸለዉ ስቕ ኢሉ ኣይኪርእን እዩ። (መዝሙር 115:16፣ መክብብ 1:4) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ዜጥፍኣሉ’ ግዜ ኸም ዜምጽእ ኣተስፍዩና ኣሎ።—ራእይ 11:18

 ኣምላኽ ንምድርና ኻብ ጥፍኣት ኪሰትራ ኸም ዚኽእል፡ ነዚ እውን ብሓቂ ኸም ዚገብሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

  •   “[ኣምላኽ] ንህቦብላ ንፋስ የህድኦ፣ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ዝግ ይብል።” (መዝሙር 107:29) ኣምላኽ ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ኪቈጻጸሮ ይኽእል እዩ። ነቲ ምዝባዕ ኵነታት ኣየር ኣስዒቡ ዘሎ ጸገማት እውን ኬዐርዮ ይኽእል እዩ።

  •   “ንምድሪ ትከናኸና እሞ፡ ብብዝሒ እተፍርን ኣዝያ ሃብታምን ትገብራ።” (መዝሙር 65:9) ብበረኸት ኣምላኽ፡ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ።

 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምድሪ ኸም እትሕደስ ዚገልጽ ሓሳባት ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።