ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍትሒ ንምርካብ ዚቐርብ ጥርዓንሲ ተሰማዕነት ኪረክብ ድዩ፧

ፍትሒ ንምርካብ ዚቐርብ ጥርዓንሲ ተሰማዕነት ኪረክብ ድዩ፧

 ዘይፍትሓውነት ኣብ ኵሉ ሕብረተ ሰብ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እዩ ዚመስል። ምስ ፍርዲ እተተሓሓዘ ኽልተ ኣብነት ጥራይ ንርአ፦

  •   ኣብ ጥሪ 2018፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ዳኛ ንሓደ ዳርጋ 38 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐነ ሰብ ኪፍታሕ ትእዛዝ ሃበት። ናይ ዲ.ኤን.ኤ. መርትዖ እዩ ናጻ ኸም ዚኸውን ገይርዎ።

  •   ኣብ መስከረም 1994፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ዚነብሩ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ውትህድርና ንምግልጋል ሕልናኦም ስለ ዘይፈቐደሎም ተኣስሩ። ክሳዕ መስከረም 2020፡ ብዝዀነ ገበን ከይተኸስሱ ወይ ኣብ ቤት ፍርዲ ኸይቀረቡ ን26 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ነበሩ።

 ግዳይ ዘይፍትሓውነት እንተ ዄንካ፡ ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ፡ “አእዊ ኣለኹ፡ ፍትሒ ግና የልቦን” ኢሉ እተዛረበ እዮብ ይስምዓካ ይኸውን። (እዮብ 19:7) ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ ፍትሒ ዘይጭበጥ ሕልሚ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ፍትሒ ንምርካብ እነቕርቦ ጥርዓን ብርግጽ ከም ዚስማዕ የተስፉ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ነቲ ሕጂ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ክንጻወሮ ይሕግዘና እዩ።

ጠንቂ ዘይፍትሓውነት እንታይ እዩ፧

 ዘይፍትሓውነት ካብቶም ንመምርሒ ኣምላኽ ዘይቅበሉ እዩ ዚመጽእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ ይሕብር። (ኢሳይያስ 51:4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “ፍትሕን” “ጽድቅን” ተባሂለን ዚትርጐማ ቓላት ኣጸቢቐን ይተኣሳሰራ እየን። (መዝሙር 33:5) ምስ ጽድቂ ዚምደብ ተግባራት፡ ብመሰረት መለክዒታት ኣምላኽ ቅኑዕን ግቡእን እዩ፣ ፍትሒ እውን እዩ ዜፍሪ። ዘይፍትሓውነት ግና ካብ ሓጢኣት እዩ ዚመጽእ፣ ሓጢኣት ድማ መለክዒታት ጽድቂ ኣምላኽ ምጥሓስ ኪብሃል ይከኣል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  •   ፍትወት ርእሲ። ፍትወት ርእስን ሓጢኣትን ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። (ያእቆብ 1:14, 15) ብዙሓት ሰባት ዝደለይዎ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ንኻልኦት ይብለጹሎምን ይገፍዕዎምን እዮም። ኣምላኽ ግና ጥቕሚ ኻልእ ከነቐድም እዩ ዚደልየና።—1 ቈረንቶስ 10:24

  •   ድንቍርና። ገሊኦም ከይተፈለጦም ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዘይፍትሓዊ ተግባር ይገብሩ እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ነዚ ኸም ሓጢኣት እዩ ዚርእዮ። (ሮሜ 10:3) ከም ሓቂ፡ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዘይፍትሓዊ ተግባር፡ ማለት ቅትለት የሱስ ክርስቶስ፡ ብሰንኪ ድንቍርና እዩ ተፈጺሙ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:15, 17

  •   ፍሹል ስርዓት ሰብ። ናይዛ ዓለም ፖለቲካውን ንግዳውን ሃይማኖታውን ስርዓት፡ ፍትሒ ኼስፍን ቈይሙ እዩ ዚብሃል። ከም ሓቂ ግና፡ እዚ ስርዓታት እዚ ጌጋታትን ብልሽውናን ኣቐዲምካ ጽልእን ስስዐን ገንዘባዊ ዘይማዕርነትን ዘይተጻዋርነትን ዝመልኦ እዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ናብ ዘይፍትሓውነት እዩ ዚመርሕ። ገለ ኻብዚ ስርዓታት እዚ፡ ጽቡቕ ሓሊኖም ብዚንቀሳቐሱ ሰባት እዩ ዚድገፍ። ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ንመሪሕነት ኣምላኽ ዘይቅበል ኵሉ ሰብኣዊ ጻዕርታት ምፍሻሉ ኣይተርፎን እዩ።—መክብብ 8:9፣ ኤርምያስ 10:23

ኣምላኽ ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት ይግደስ ድዩ፧

 እወ፡ ንዘይፍትሓውነት ኰነ ነቲ ንዕኡ ጠንቂ ዝዀነ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ይጸልኦ እዩ። (ምሳሌ 6:16-18) ንነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ “ኣነ የሆዋስ a ፍትሒ እፈቱ፡ ዘመተን ዓመጻን ከኣ እጸልእ እየ” ኢሉ ኸም ዚጽሕፍ ገይርዎ እዩ።—ኢሳይያስ 61:8

 ኣብቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦ ሕጊ፡ ህዝቡ ብፍትሒ ኺመላለሱ ኸም ዚደሊ ይርአ እዩ። ንፈራዶኦም ጉቦ ኸይቅበሉ፡ ፍትሒ ዜቕንን ካልእ ነገራት እውን ከይገብሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ዘዳግም 16:18-20) ነቶም ንድኻታትን ንትሑታትን ብምግፋዕ ትእዛዛቱ ዝጠሓሱ እስራኤላውያን ኰኒንዎም፡ መለክዒታቱ ብዘይምሕላዎም ከኣ ኣብ መወዳእታ ደርብይዎም እዩ።—ኢሳይያስ 10:1-3

ኣምላኽ ንዘይፍትሓውነት መወዳእታ ኺገብረሉ ድዩ፧

 እወ። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ጠንቂ ዘይፍትሓውነት ዝዀነ ሓጢኣት ኬርሕቕ፡ ንደቂ ሰብ ድማ ናብ ፍጽምና ኼብጽሖም እዩ። (ዮሃንስ 1:29፣ ሮሜ 6:23) ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም እተመጽእን ንዅሉ ፍትሒ እተውጽእን መንግስቲ እውን ኣቚሙ ኣሎ። (ኢሳይያስ 32:1፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ብዛዕባ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

ኣብ ትሕቲ እታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት ከመይ ኪኸውን እዩ፧

 ምድሪ ብፍትሒ ምስ ተመልአት፡ ሰላምን ደሓንን ኣብ ኵሉ ኺሰፍን እዩ። (ኢሳይያስ 32:16-18) ኣምላኽ ንዅሉ ህይወት ደቂ ሰብ ብማዕረ እዩ ኽብ ኣቢሉ ዚርኢ፣ ስለዚ፡ ኵሎም ሰባት ብፍትሓዊ መገዲ ኺትሓዙ እዮም። ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት ዚመጽእ ጓህን ኣውያትን ስቓይን ንሓዋሩ ኣይኪህሉን እዩ፣ እቲ ዘይፍትሓውነት ዝሓደጎ ሕማቕ ተዘክሮታት እውን በብቝሩብ ኪሃስስ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:3, 4) ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ነቲ ኣምላኽ ካብ ዘይፍትሓውነት ናጻ ዝዀነት ዓለም ከም ዜምጽእ ዝኣተዎ ተስፋስ ክንኣምኖ ንኽእል ዲና፧

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን ትንቢታት ዝሓዘ፡ ታሪኻውን ስነ ፍልጠታውን ልክዕነት ዝሓለወ፡ ውሽጣዊ ስኒት እውን ዘለዎ መጽሓፍ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። እዚ ድማ ንተስፋታቱ ኽንኣምኖ ኸም እንኽእል የርኢ። ኣብዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

ሎሚ ምስ ዘይፍትሓውነት ክንቃለስዶ ኣሎና፧

 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ቕኑዓት ሰባት ምስ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ተቓሊሶም እዮም። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ቄናን መስርሕ ፍርዲ ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ናብ ሞቱ ኺመርሕ ዚኽእል እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር ስቕ ኢሉ ኣይተቐበሎን፣ የግዳስ፡ በቲ ኺረኽቦ ዝኸኣለ ሕጋዊ መገዲ ተጠቒሙ ናብ ቄሳር ይግባይ በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 25:8-12

 ይኹን እምበር፡ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ነገራት ንምእራም ዚግበር ሰብኣዊ ጻዕርታት ምፍሻሉ ኣይተርፎን እዩ። (መክብብ 1:15) እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ኣምላኽ ጽድቂ ዚሰፍነላ ዓለም ከም ዜምጽእ ዘተስፈዎ ተስፋ ስለ ዚኣምኑ፡ ዋላ እኳ ዘይፍትሓውነት እናኣጓነፎም፡ ውሽጣዊ ሰላም ኪረኽቡ ኽኢሎም እዮም።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18