ኣምላኽ ክንደይ ስም ኣለዎ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
ኣምላኽ ሓደ ብሕታዊ ስም ጥራይ እዩ ዘለዎ። ብእብራይስጢ፡ יהוה ተባሂሉ ዚጽሓፍ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብትግርኛ፡ “የሆዋ” ተባሂሉ ይትርጐም። a ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 42:8) እዚ ስም እዚ፡ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ይርከብ፣ ካብ ዝዀነ ይኹን ንኣምላኽ ዚገልጽ ስያመታት ወይ ብሕታዊ ስም ካልእ ኣካል ንላዕሊ ድማ ብብዝሒ ተጠቒሱ ይርከብ። b
ኣምላኽ ካልእ ስም ኣለዎዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብሓደ ብሕታዊ ስም ጥራይ እዩ ዚጽውዖ፣ ግናኸ፡ ንኣምላኽ ዚውክል ብዙሕ መዓርጋትን መግለጺታትን ይጥቀም እዩ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ዝርዝር ገሊኡ መዓርጋትን መግለጺታትን፡ ነፍሲ ወከፉ ንሓደ መዳይ እንታይነት ወይ ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ከም ዚገልጽ የርኢ።
መዓርግ |
መወከሲ |
ትርጉም |
---|---|---|
ልዑል |
ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ። |
|
ልዑላዊ ጐይታ |
ልዑል ስልጣን ዘለዎ፣ ብእብራይስጢ ኣዶናይ። |
|
ሕጉስ ኣምላኽ |
ሓጐስ ዝመለለይኡ።—መዝሙር 104:31። |
|
መድሓኒ |
ካብ ሓደጋ ወይ ጥፍኣት የድሕን። |
|
ሰማዕ ጸሎት |
ብእምነት ናብኡ ንዚቐርብ ዘበለ ጸሎት ይሰምዕ። |
|
ሰራሕ ካይላ |
ልክዕ ከምቲ ሰራሕ ካይላ ኣብ ልዕሊ ኻይላ ስልጣን ዘለዎ፡ ኣምላኽ እውን ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባትን ኣህዛብን ስልጣን ኣለዎ።—ሮሜ 9:20, 21። |
|
ቀናእ |
ዘጸኣት 34:14፣ ትርጉም 1956 |
ብዘይካ ንዕኡ ንኻልእ ዚቐርብ ኣምልኾ ዘይጻወር። እዛ ቓል እዚኣ፡ “ንበይኑ ተወፋይነት ብምድላዩ ዚፍለጥ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ።—ትርጉም ሓዳስ ዓለም። |
ተበጃዊ |
ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን መሊሱ ይዕድጎም ወይ የድሕኖም።—ዮሃንስ 3:16። |
|
ንጉስ ዘለኣለም |
ግዝኣቱ መጀመርታ ዀነ መወዳእታ የብሉን። |
|
ኣላህ |
(የልቦን) |
እታ “ኣላህ” እትብል ናይ ዓረብኛ ቓል፡ “ኣምላኽ” ዝትርጉማ መዓርግ እምበር፡ ብሕታዊት ስም ኣይኰነትን። ብዓረብኛን ብኻልእ ቋንቋታትን እተዳለወ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ክንዲ እታ “ኣምላኽ” እትብል ቃል፡ ነታ እትመዓራረያ “ኣላህ” እትብል ቃል እዩ ዚጥቀም። |
ኣልፋን ኦሜጋን |
“ቀዳማይን ዳሕራይን” ወይ “መጀመርታን መወዳእታን” ዝትርጉሙ ዀይኑ፡ ቅድሚ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይነበረን፡ ድሕሪኡ እውን ኣይኪህሉን እዩ ማለት እዩ። (ኢሳይያስ 43:10) ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ፊደላት ግሪኽኛ እየን። |
|
ኣምላኽ |
ዚምለኽ፣ ሓያል። እታ ኤሎሂም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ብብዙሕ እትሰፍር ኰይና፡ ንግርማ፡ ንኽብሪ፡ ወይ ንብሉጽነት የሆዋ ተመልክት። |
|
ኣምላኽ ኣማልኽቲ |
ገሊኦም ሰባት ምስ ዜምልኽዎም “ከንቱ ኣማልኽቲ” ኺነጻጸር ከሎ፡ ዝለዓለ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይሕብር።—ኢሳይያስ 2:8። |
|
ኣቦ |
ወሃብ ህይወት። |
|
ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ |
ዕላማኡ ንምፍጻም፡ ኪዀኖ ዜድሊ ዘበለ ይኸውን። እዚ መግለጺ እዚ፡ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ፍቕዲ ንዚርከብ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ንምግላጽ ይሕግዝ።—ዘጸኣት 3:15። |
|
ከውሒ |
ውሑስ መዕቈብን ምንጪ ድሕነትን። |
|
ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ |
ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካል ንላዕሊ ቕዱስ (ብስነ ምግባር ንጹህን ፍጹምን።) |
|
ኵሉ ዚኽእል |
ዘይዕገት ሓይሊ ኣለዎ። እታ፡ “ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” እትትርጐም ኤልሻዳይ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሸውዓተ ሳዕ ትርከብ። |
|
ዓብዪ መምህር |
ጠቓሚ ትምህርትን መምርሕን ይህብ።—ኢሳይያስ 48:17, 18። |
|
ዓብዪ ገባሪ |
ንዅሉ ነገራት ናብ ህልውና ዘምጽአ።—ራእይ 4:11። |
|
ጓሳ |
ንኣምለኽቱ ይሓልየሎም። |
|
ጐይታ |
ዋና ወይ ሓለቓ፣ ብእብራይስጢ፡ ኣዶን ከምኡ ድማ ኣዶኒም። |
|
ጐይታ ሰራዊት |
ኣዛዚ ሰፊሕ ሓይልታት መላእኽቲ። |
|
ጥንታዊ ዝመዓልቱ |
መጀመርታ የብሉን፣ ዝዀነ ኣካል ወይ ነገር ናብ ህልውና ቕድሚ ምምጻኡ፡ ካብ ዘለኣለም ዝነበረ።—መዝሙር 90:2። |
|
ፈጣሪ |
ንዅሉ ነገራት ናብ ህልውና ዘምጽአ። |
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ስማት ቦታ
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ቦታ፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ግና ካልእ ስማት ኣምላኽ ኣይኰነን።
ስም ቦታ |
መወከሲ |
ትርጉም |
---|---|---|
የሆዋ-ሻሎም |
“የሆዋ ሰላም እዩ።” |
|
የሆዋ-ሻማ |
ህዝቅኤል 48:35፡ እግረ ጽሑፍ፡ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን |
“የሆዋ ኣብኡ ኣሎ።” |
የሆዋ-ኒሲ |
“የሆዋ ሰንደቕ ዕላማይ እዩ።” የሆዋ፡ ህዝቡ ዕቝባኡን ሓገዙን ደልዮም ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ ዚኽእሉ ኣምላኽ እዩ።—ዘጸኣት 17:13-16። |
|
የሆዋ-ይርኤ |
“የሆዋ የቕርብ እዩ።” |
ስም ኣምላኽ ምፍላጥን ምጥቃምን ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያታት
ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ኸም ዚኣቱ ስለ ዝገበሮ፡ ንስሙ ኸም ኣዝዩ ኣገዳሲ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ዚሕብር እዩ።—ሚልክያስ 1:11።
እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ስም ኣምላኽ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ኣጕሊሑ እዩ። ንኣብነት፡ “ስምካ ይቀደስ” ብምባል ናብ የሆዋ ጸልዩ እዩ።—ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 17:6።
እቶም ንስም ኣምላኽ ዚፈልጥዎን ዚጥቀሙሉን፡ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪምስርቱ ዚሕግዞም ቀዳማይ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ። (መዝሙር 9:10፣ ሚልክያስ 3:16) ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ካብቲ፡ “ስለ ዚፈትወኒ፡ ከናግፎ እየ። ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡ ከዕቍቦ እየ” ብምባል ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ኺጥቀሙ የኽእሎም።—መዝሙር 91:14።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እኳ እንተ ኣለዉስ፡ ብዙሓት ‘ኣማልኽትን’ ብዙሓት ‘ጐይተትን’ ኣለዉ’ ይብል እዩ። (1 ቈረንቶስ 8:5, 6) ነቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና፡ በቲ የሆዋ ዚብል ስሙ እዩ ፈልዩ ዚጽውዖ።—መዝሙር 83:18።