ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ

መበቈልን ሓቅነትን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ናብቲ ቓል ኣምላኽ እተባህለ መለኮታዊ መልእኽቲ እትገብሮ ማራኺ ጕዕዞ ጀምር።

መጽሓፍ ቅዱስ ተቐዪሩ ወይ መልእኽቱ ተጠውዩ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ መጽሓፍ ብምዃኑ፡ መልእኽቱ ብልክዕ ከም እተዓቀበ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ኣምላኽ ንዩኒቨርስ መዓስ እዩ ኺፈጥሮ ጀሚሩ፧

እቲ መልሲ፡ ኣብተን “መጀመርታ”ን “መዓልቲ”ን ዚብላ ኣብ ዘፍጥረት ዘለዋ ቓላት እዩ ዘሎ።

ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ፍልጠታዊ ጌጋታት ይርከብ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ጸፋሕ ከም ዝዀነት ይምህር ድዩ፧

እዚ ጥንታዊ መጽሓፍ እዝስ ልክዕ ድዩ፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡን ምርዳኡን

መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ እንታይ ይሕግዘና፧

ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኽቡር መልእኽቲ ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኣሎዶ፧

ገሊኡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዚመስል ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስን ትርጉሙ ንምንጻር ዚሕግዝ ስርዓታትን መርምር።

ቃል ኣምላኽ መን ወይ እንታይ እዩ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቃል” ልዕሊ ሓደ ትርጉም ኣለዋ።

“ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧

እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ውልቀ ሰባት ባዕሎም ሕነ ኺፈድዩ ዜፍቅድ ድዩ ነይሩ፧

ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ እየን፧

ንመን እየን ተዋሂበን፧ ክርስትያናት ኪሕልውወን ግዴታ ኣለዎም ድዩ፧

እቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዚብል መጸውዒ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧

የሱስ ብልሓት ብዝመልኦ ዛንታ ገይሩ፡ ንሰባት ድሕረ ባይታኦም፡ ዓሌቶም ወይ ዜግነቶም ብዘየገድስ ንኻልኦት ከመይ ገይሮም ኪሕዝዎም ከም ዘለዎም ምሂሩ።

ቶራህ እንታይ እዩ፧

መን ጽሒፍዎ፧ ሒዝዎ ዘሎ ትምህርቲ ንዘለኣለም ዘይስዓር ድዩ፧

ትንቢታትን ምልክታትን

ትንቢት እንታይ እዩ፧

ኵሉ መለኮታዊ ትንቢታት ብዛዕባ መጻኢ ዚንበ ድዩ፧ ኵሉ ግዜ ኸምኡ ኣይኰነን።

መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧

ካብ ሓደ ንላዕሊ መሲሓት ኪህልዉ ይኽእሉ ድዮም፧

መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ይሕብር፧

እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ዚርከብ ትንቢት “ሸውዓተ ግዜያት፡” ንግዝኣት ደቂ ሰብ ኣጸጋሚ ዅነታት ከም ዜጋጥሞ ይሕብር እዩ።

መጽሓፍ ራእይ—ትርጉሙ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ራእይ፡ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዜንብብዎን ዜስተውዕልዎን ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ምዃኖም ትገልጽ እያ።

“ኣልፋን ኦሜጋን” መን ወይ እንታይ እዩ፧

እዚ መጸውዒ እዚ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ እያ፧

እዛ ፍልይቲ ኸተማ እዚኣ ብኸመይ ትጸልወካ፧

እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተጠቒሱ ዘሎ ቐይሕ ኣራዊት እንታይ እዩ፧

ነዚ ዜፍርህ ኣራዊት ምእንቲ ኸነለልዮ፡ ሽዱሽተ ነጥብታት ይሕግዘና።

666 እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትርጉም እቲ 666ን ምልክት እቲ ኣራዊትን እንታይ ምዃኑ ይገልጽ።

ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧

ዓባይ ባቢሎን ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርጋሐን ጽልዋን ዘለዋ ሓያል ውድብ ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ።

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እንታዎት እዮም ነይሮም፧

እቲ የሱስ እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ፡ ሕያዎት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱን እኩያት ሰባት ድማ ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዚሳቐዩን ድዩ ዚምህር፧

መወዳእታ ዓለም

ምልክት “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ነገራት ብሓንሳእ ኪፍጸም ከሎ፡ መለለዪ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዚኸውን ተነብዩ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሎሚ ዘለዉ ሰባት ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት እናኸፍኡ ኸም ዚኸዱ ተነብዩ ነይሩ።

ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ፧

ትንቢታት ግዜ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ግዜ ጭንቂ ይገልጽ እዩ። ሽዑ እንታይ ኬጋጥም ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧

እታ ኣርማጌዶን እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ጥራይ እያ ተጠቒሳ፣ ብዛዕባ እቲ ውግእ ግና ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ።

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧

ኣምላኽ ንፕላነትና ዘለዎ ዕላማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧

መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ መወዳእታ ኺብሃል ከሎ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንታይ መወዳእታ ኸም ዝዀነ ኽንርዳእ ኣሎና።

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝእ ምስ ጀመረት ብዛዕባ እትገብሮ ነገራት ተምሃር።

ኣብ ምድሪ ሰላም ዚሰፍን ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኣብ ዓለምና ሰላም ከም ዜምጽእ ዝኣተዎ መብጽዓ ፍለጥ።

ሰባትን ቦታታትን ነገራትን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣብ መንጎ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብነታውያን ኣንስትን ካልኦት እኩያት ኣንስትን ዘሎ ፍልልይ ርአ።

ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ድያ፧

ቅዱሳት ጽሑፋትን ታሪኽ ክርስትናን ብዛዕባ እዚ እምነት እዚ ንጹር ምላሽ ይህብ እዩ።

ድንግል ማርያም—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ እንታይ ይብል፧

ማርያም ካብ እትጥነስ ኣትሒዛ ኻብቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ሓራ ምዃና ዚኣምኑ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ትምህርቲ ይድግፎ ድዩ፧

ዮሃንስ መጥምቕ መን እዩ፧

ብትንቢታዊ መልእኽቱ ገይሩ ንብጾቱ ኣይሁድ ንመሲሕ ኬለልዩ ኣዳልይዎም እዩ።

ማርያም መግደላዊት መን እያ፧

ገለ ኻብቲ ብዛዕባኣ ብሰፊሑ ዝእመነሉ ነገራት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የብሉን።

እቶም “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ን“ኰዀብ” ቤት-ልሄም ስዒቦምዎ ድዮም፧

ኣብ ልምድታት በዓል ልደት ዝውቱር ዝዀነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዘይርከብ እተወሰነ ስያመታት።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኺፍጸም እንርእዮ ዘለና ፍጻመታት ብራእይ ኣርእይዎ ነይሩ እዩ።

ቃየል ካበይ እዩ ሰበይቲ ረኺቡ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ነዛ ሕቶ እዚኣ ዜዕግብ መልሲ ይህበና እዩ።

ዛንታ ኖህን ማይ ኣይህን ጽውጽዋይ ጥራይ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ንምጥፋእ ማይ ኣይሂ ኸም ዘውረደ ይገልጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ኸም ዝዀነ ዜርኢ እንታይ መርትዖ የቕርብ፧

ታቦት ኪዳን እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ነዚ ታቦት እዚ ኺሰርሕዎ ኣዚዝዎም እዩ። ዕላማ እቲ ታቦት እንታይ እዩ ነይሩ፧

እቲ ኣብ ቱሪን ዘሎ መግነዝ፡ የሱስ እተገንዘሉ ድዩ፧

ነቲ መግነዝ ዚምልከት ሰለስተ ኣገዳሲ ሓቅታት፡ መልሲ ይህበና።

ኣምላኽ ንበብዓይነቱ ህይወት ንምፍጣር፡ ብፍልቀት ተጠቒሙ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ህይወታውያን ምስ ኵነታት ናይ ምልዋጥ ባህርይ ከም ዘሎ ዚኣምኑ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዚጋጮ ሓሳብ የብሉን።

ግብራዊ ጥቕሚ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጉስ ስድራ ቤት ኪህልወኒ ይሕግዘኒ ድዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ፡ ንሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቤቶም ሓጐስ ኺረኽቡ ሓጊዝዎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድሩን ኪበራትዑን ይኽእሉ እዮም። ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ።

ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧

የሱስ ብዛዕባ እዛ ሕጊ እዚኣ ኺጠቅስ ከሎ፡ ነቲ ንሰባት ብሓፈሻ ኽንገብረሎም ዘሎና ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ንጸላእትና ኽንገብረሎም ዘሎና ነገር እውን እዩ ዚዛረብ ነይሩ።

“ጸላእትኹም ኣፍቅሩ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

እቲ የሱስ እተዛረቦ ቐሊል ግናኸ ረዚን ቃላት፡ ክትግብሮ ኣመና ኸቢድ እዩ።

ጽቡቕ ውሳነ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ጥበብን ምርዳእን ንምጥራይ ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሽዱሽተ ግብራዊ ምኽሪ

ተስፋ ኻበይ ክረክብ እኽእል፧

ዜተኣማምን ምንጪ፡ ሕጂ ንህይወትካ ኼመሓይሻ፡ ብዛዕባ መጻኢ ድማ እምንቶ ኼሕድረልካ እዩ።

ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧

እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ “ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” ዚብል ልሙድ ኣበሃህላ፡ ዘይተማልአ እዩ።

ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧

እወ! ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ ንሕማምካ ኽትጻወሮ ዚሕግዘካ ሰለስተ ነጥብታት ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ እንታይ ይብል፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ፡ ንሓያሎ ሰባት ሕነ ኸይፈድዩ ሓጊዝዎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧

ቍጥዓ ግቡእ ዚዀነሉ እዋን ኣሎ ድዩ፧ ቍጥዓ ምስ ዚልዓል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገዛእ ርእስኻ ብዛዕባ ምፍታው እንታይ ይብል፧

የሱስ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኢሉ እዩ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧