ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧

ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንድያብሎስ ከም ዘይፈጠሮ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ነቲ ጸኒሑ ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ እዩ ፈጢሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ . . . ተግባሩ ፍጹም እዩ። ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ” ይብል። (ዘዳግም 32:3-5) ካብዚ ሓሳብ እዚ ኸም እንርድኦ፡ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ኣብ ፈለማ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም መላእኽቲ መጠን፡ ፍጹምን ጻድቕን እዩ ነይሩ።

 የሱስ ኣብ ዮሃንስ 8:44 ብዛዕባ ድያብሎስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን” ኢሉ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ ሰይጣን ኣብ ሓደ እዋን ሓቀኛን ንጹህን ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

 ይኹን እምበር፡ እቲ ደሓር ሰይጣን ዝዀነ መልኣኽ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት የሆዋ ዝፈጠሮም መስተውዓልቲ ፍጡራት፡ ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምምራጽ ናጽነት ነይርዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ኪጻረሮ ስለ ዝመረጸን ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኪሓብርዎ ስለ ዘለዓዓሎምን ሰይጣን ማለት “ተጻራሪ” ዀይኑ።—ዘፍጥረት 3:1-5፣ ራእይ 12:9