ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኣሎዶ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኣሎዶ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 የሎን፡ ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ይሳነ እዩ። ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እኳ እንተ መሰለ፡ ካብዚ ዚስዕብ ስርዓት ንሓዲኡ ወይ ንገሊኡ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና ግና ብልክዕ ክንርድኦ ንኽእል ኢና፦

  1.   ኣብ ከባቢ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ኣእቱ። ቃላት ሓደ ደራሲ ኻብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ተቘንጺሉ እንተ ተወሲዱ፡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኺመስል ይኽእል እዩ።

  2.   ንኣረኣእያ እቲ ጸሓፊ ኣብ ግምት ኣእቱ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሓደ ነገር ብልክዕ እናገለጽዎ ኽነሶም፡ ሕደ ቓላት ከይጥቀሙ ወይ ሕደ ዝርዝር ሓሳባት ከይህቡ ይኽእሉ እዮም።

  3.   ታሪኻዊ ሓቅታትን ባህልን ኣብ ግምት ኣእቱ።

  4.   ኣብ መንጎ ምሳልያዊ ዘረባን ቃል ብቓሉ ዚዝረብ ዘረባን ዘሎ ፍልልይ ኣለሊ።

  5.   ገሊኡ ተግባር ብሓደ ሰብ ብቐጥታ ዘይተገብረ ኽነሱ፡ እቲ ሰብ ከም ገባሪኡ ዀይኑ ኺርቋሕ ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። a

  6.   ልክዕ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም።

  7.   ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓሳባት ምስ ግጉይ ሃይማኖታዊ ሓሳባት ወይ እምነታት ከተሳኒ ኣይትፈትን።

 እዚ ስርዓታት እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዘይሳነ ዚመስል ክፋላት ክንርድኦ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ኣብዚ ዚስዕብ ኣብነታት ክንርኢ ንኽእል ኢና።

ስርዓት 1፦ ኣብ ከባቢ ዘሎ ሓሳባት

ኣምላኽ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ እንተ ዓሪፉ፡ ብኸመይ እዩ ምዕያይ ቀጺሉ፧ ኣብ ዘፍጥረት ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ምስ ምድሪ እተተሓሓዘ ዕዮ ፍጥረት ብዚምልከት፡ “ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ [ኣምላኽ] ካብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ግብሩ ኺዓርፍ ጀመረ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:2-4) የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ኺብል ከሎ ግና፡ ብዛዕባ ካልእ ግብርታት ኣምላኽ ይዛረብ ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ኣይጋጮን እዩ። (ዮሃንስ 5:17) ስለምንታይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጽሓፍ ምግባርን ንደቂ ሰብ ምምራሕን ምክንኻንን ምስ ግብርታት ኣምላኽ ይጽብጸብ እዩ።—መዝሙር 20:6፣ 105:5፣ 2 ጴጥሮስ 1:21

ስርዓት 2ን ስርዓት 3ን፦ ኣረኣእያን ታሪኽን

የሱስ ነቲ ዕዉር ኣበይ እዩ ኣሕውይዎ፧ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ሉቃስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ የሱስ ንሓደ ዕዉር፡ “ናብ ያሪኮ ምስ ቀረበ” ኸም ዘሕወዮ ኺግለጽ ከሎ፡ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ ዚርከብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ግና የሱስ ንኽልተ ዕዉራት ‘ካብ ያሪኮ ኺወጽእ’ ከሎ ኸም ዘሕወዮም ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 18:35-43፣ ማቴዎስ 20:29-34) እዚ ኽልተ ጸብጻብ እዚ፡ ካብ ክልተ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ተጻሒፉ። ከም ሓቂ ድማ፡ ሓደ ናይቲ ሓደ መመላእታ እዩ። ክንደይ ዕዉራት ከም ዝነበሩ ብዚምልከት፡ ማቴዎስ ክልተ ኸም ዝነበሩ ብንጹር ኪሕብር ከሎ፡ ሉቃስ ግና ኣብቲ ምስ የሱስ እተዛራረበ ሓደ ዕዉር እዩ ኣተኲሩ ዘሎ። ኣበይ ከም ዘሕወዮም ብዚምልከት ከኣ፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረት ያሪኮ ኸም ሓቂ ኽልተ ኸተማ ኸም ዝነበረት ይሕብሩ እዮም። እታ ጥንታዊት ከተማ ኣይሁድ ካብታ ሮማውያን ዝደኰንዋ ሓዳስ ከተማ ኣስታት ሓደን ፈረቓን ኪሎ ሜተር (ሓደ ማይል) ርሒቓ ትርከብ ነበረት። የሱስ ነቲ ተኣምር ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ኸተማታት ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ስርዓት 4፦ ምሳልያዊ ዘረባን ቃል ብቓሉ ዚዝረብ ዘረባን

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 1:4፡ “ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር” ይብል እዩ። ገሊኦም ከኣ እዚ ምስቲ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ” ዚብል ሓሳብ ዚጋጮ ይመስሎም እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:10ትርጉም 1956) እንተዀነ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ” ኺብሃል ከሎ፡ ቃል ብቓሉ ንፕላነትና፡ ወይ ብምሳልያዊ መገዲ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት ኬመልክት ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 1:1፣ 11:1) ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:10 ብዛዕባ ጥፍኣት “ምድሪ” ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ “ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት” ደኣ እዩ ዚገልጽ ነይሩ እምበር፡ ፕላነትና ኸም እትነድድ ኣይኰነን።—2 ጴጥሮስ 3:7

ስርዓት 5፦ መንነት እቲ ገባሪ

ኣብ ቅፍርናሆም፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ባዕሉ መጺኡ ድዩ ንየሱስ ለሚንዎ፡ ወይስ ሰብ እዩ ልኢኹ፧ ኣብ ማቴዎስ 8:5, 6፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ባዕሉ መጺኡ ንየሱስ ከም ዝለመኖ ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብ ሉቃስ 7:3 ግና፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ከም ዝለኣኸ ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እኳ እንተ መሰለ፡ ከም ሓቂ ግና እቲ ልማኖ ኻብቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸም ዝዀነ፡ ኪልምኑሉ ኢሉ ግና ነቶም ዓበይቲ ኸም ዝለኣኾም ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።

ስርዓት 6፦ ልክዕ ትርጉም

ኵላትና ንሓጥእ ዲና፧ ኵላትና ኻብቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ሓጢኣት ከም ዝወረስና መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (ሮሜ 5:12) ገሊኡ ትርጉማት ግና ቅኑዕ ሰብ “ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ” ብምባል ምስዚ ዚጋጮ ዚመስል ሓሳብ ሒዙ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 3:6ትርጉም 1956) እንተዀነ ግና፡ እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:6 ን“ሓጢኣት” ዜመልክት ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ብህሉው ግዜ እዩ ሰፊሩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ቛንቋ እቲ ንቐጻሊ ተግባር እዩ ዜመልክት። ኣብ መንጎ እቲ ኸተወግዶ ዘይትኽእል ዝወረስካዮ ሓጢኣትን ኣብ መንጎ እቲ ደይ መደይ ኢልካ ብቐጻሊ ሕግታት ኣምላኽ ብምጥሓስ እትፍጽሞ ሓጢኣትን ፍልልይ ኣሎ። ስለዚ፡ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ” ዚብል ልክዕ ኣተራጕማ ብምጥቃም ነዚ ዘይምቅዳው ዚመስል ዝነበረ ሓሳብ ንጹር ከም ዚኸውን ገይርዎ ኣሎ።—ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

ስርዓት 7፦ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይኰነስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ድዩ፡ ወይስ ካብ ኣምላኽ ይንእስ እዩ፧ የሱስ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ፡ “ካባይ ኣቦ ይዓቢ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ ዚጋጮ ይመስል እዩ። (ዮሃንስ 10:30፣ 14:28) ነዚ ፍቕድታት እዚ ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል ደኣ ኢና ኽንምርምር ዘሎና እምበር፡ ነዚ ፍቕድታት እዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመስረተ ትምህርቲ ስላሴ ንምስምማዕ ክንጽዕር የብልናን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንየሱስ ኣቦኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣምላኹ እውን ከም ዝዀነ፡ ማለት የሱስ ንየሆዋ ኸም ዜምልኾ ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:10፣ ማርቆስ 15:34፣ ዮሃንስ 17:3፣ 20:17፣ 2 ቈረንቶስ 1:3) የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ኣይኰነን።

 ኣብ ከባቢ እቲ የሱስ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዝበለሉ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ዕላማ ሓድነት ይዛረብ ምንባሩ ይሕብር እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣቦ ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎን ኣነ ምስ ኣቦ ሓድነት ከም ዘሎንን ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 10:38) ምስ ሰዓብቱ እውን ናይ ዕላማ ሓድነት ነይርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዛዕባኦም ናብ ኣምላኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት፡ “ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና ኸኣ፡ ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሂበዮም ኣለኹ። . . . ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ኣሎኒ፡ ንስኻ እውን ምሳይ ሓድነት ኣሎካ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 17:22, 23

a ንኣብነት፡ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ ታጅ ማሃል ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ብሃጸይ ሻህ ጃሃን ተሃኒጹ” ይብል። ከም ሓቂ ግና፡ ኣብታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢሉ “ልዕሊ 20,000 ሰራሕተኛታት” ኣብቲ ህንጸት ከም እተሳተፉ ስለ ዚገልጽ፡ እቲ ሃጸይ ባዕሉ ሃኒጽዎ ማለት ኣይኰነን።