ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

 ብዙሓት ሰባት፡ መስቀል ዓለምለኻዊ ምልክት ክርስትና ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ክርስትያናት እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ኣምልኾና መስቀል ኣይንጥቀምን ኢና። ስለምንታይ፧

 ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ኣብ መስቀል ዘይኰነስ ኣብ ጕንዲ ኸም እተሰቕለ ስለ ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ” ኢሉ ኣትሪሩ የጠንቅቐና እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ መስቀል ኣብ ኣምልኾ ዘይምጥቃም የጠቓልል።—1 ቈረንቶስ 10:14፣ 1 ዮሃንስ 5:21

 የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 13:34, 35) በዚ ኸምዚ ድማ፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ መስቀል ወይ ካልእ ምስሊ ዘይኰነስ፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸም ዝዀነት ሓቢሩ እዩ።