ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ብምስባኾም ድሕነት ከም ዚረኽቡ ዀይኑ ድዩ ዚስምዖም፧
ኣይፋልን። ኣዘውቲርና ኣብ በቤት እናኸድና ንሰብኽ እኳ እንተ ዀንና፡ በዚ ድሕነት ክንረክብ ከም ዚግብኣና ግና ኣይንኣምንን ኢና። (ኤፌሶን 2:8) ስለምንታይ፧
ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ርአ፦ ሓደ ገባር ሰናይ ንሱ ዝመረጾ ሓደ ቦታን ሰዓትን ንዝመጸ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ኽቡር ህያብ ከም ዚህቦ ቃል ከም ዝኣተወ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ገባር ሰናይ ንዝኣተዎ ቓል ከም ዚፍጽም ትኣምን እንተ ዄንካ፡ ንመምርሒኡ ኣይምሰዓብካዮንዶ፧ ከም እትስዕቦ ርዱእ እዩ። ፈተውትኻን ስድራ ቤትካን በቲ ኣጋጣሚ እቲ ምእንቲ ኺጥቀሙ ድማ ንዓታቶም እውን ከም እትነግሮም ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንመምርሒታት እቲ ሰብ ስለ ዝሰዓብካ ጥራይ፡ እቲ ህያብ ከም ዚግብኣካ ዀይኑ ኣይስምዓካን እዩ። ነቲ ህያብ እትረኽቦ፡ እቲ ገባር ሰናይ ኪህበካ ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ከም ዘተስፈዎም ይኣምኑ እዮም። (ሮሜ 6:23) ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትና እንነግሮም ከኣ፡ ካብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ምእንቲ ኺካፈሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዕዮ ስብከትና ስለ እተኻፈልና ጥራይ፡ ድሕንት ከም ዚግብኣና ኣይንኣምንን ኢና። (ሮሜ 1:17፣ 3:28) ነዚ በረኸት እዚ ብጻዕሩ ጥራይ ካብ ኣምላኽ ኪረኽቦ ዚኽእል የልቦን። እወ፡ ‘ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ብምሕረቱ እዩ ኣድሒኑና።’—ቲቶስ 3:5።